እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ለቚቑ
ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ጆን ፌላን ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እቲ ስጉምቲ "ብቕጽበት ተፈጻሚ" ከምዝኸውን ሓቢሩ።
ኣብ ክንድኡ ምክትል ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሃንግ ካኦ ግዝያዊ ሓላፊ ኰይኑ ከምዘገልግል ፓርነል ወሲኹ ገሊጹ።
ፌላን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቲ ዳሕረዋይ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተኣለየ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ወተሃደራዊ መራሒ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ኲናትን ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ቀጻሊ እገዳ ኣብ ዘካይዳሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
እቲ ሓይሊ ባሕሪ፡ ፌላን ካብ ስልጣኑ ዝለቐቐሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝዀነ ኣይጠቐሰን።
"ብስም ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪን ምክትሉን፡ ፌላን ኣብቲ ክፍሊን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ንዝሃቦ ኣገልግሎት ዓሚቝ ምስጋናና ክንገልጽ ንፈቱ" ይብል ፓርነል።
"ኣብ መጻኢ ጻዕርታቱ ድማ ጽቡቕ ንምነየሉ።"
ፌላን ካብ ስልጣኑ ምልቃቑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ንሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ራንዲ ጆርጅ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምሕታቱ ስዒቡ ድሕሪ ሰሙናት ጥራይ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን - ጀነራል ዴቪድ ሆድን ሜጀር ጀነራል ዊልያም ግሪንን - እውን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ይፍለጥ።
ሄግሰት ናብ ፔንታጎን ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ሓላፊ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪን ምክትል ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ኣየርን ዝርከብዎም ሓያሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ስራሕ ኣባሪሩ እዩ።
ሓላፍነት ፌላን ብዓቢኡ ምምሕዳራዊ እዩ። ፖሊሲ ምሕንጻጽ፡ ምልመላ፡ ምስልጣንን ምዕጣቕን የጠቓልል። ከም ህንጸትን ጽገናን መራኽብን ከምኡ'ውን መሳለጥያታትን ሓይሊ ባሕሪ ዝኣመሰሉ ባጀትን ሎጂስቲክስን እውን ይከታተል።
ፌላን ቅድሚ ሕጂ ብወተሃደራዊ ማዕረግ ኣገልጊሉ ኣይፈልጥን። ኣብ 2024 ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ተመዘዘ፡ ኣብ መጋቢት 2025 ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ፌላን፡ ኣብ ጎስጓስ ትራምፕ ዓቢ ኣበርክቶ ገንዘብ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ትራምፕ ኣመሪካ ብስሙ ዝተሰምያ ሓደስቲ "መራኽብ ውግእ" ሓይሊ ባሕሪ ክትሰርሕ ምዃና ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ምስ ፌላን ተራእዩ ነይሩ።
ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ነበር ኣንድሪው ፒክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ጉዳይ ምዕባለ ዘይምህላዉ ሓደ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ነይርዎ" ኢሉ።
"እዚ ኣስታት 30 ሚእታዊት ናይቲ [ፌላን] ዝተኣልየሉ ምኽንያት'ዩ ዝመስለኒ።"
"እቶም ካልኦት 70 ሚእታዊት መተካእታ ፌላን ኣብ ትሕቲ ማጋ (MAGA) ብንጹር ዝፍለጥ እዩ። ብቐሊሉ ብዝፈትውዎን ዝኣምንዎን ሰብ ክቕይርዎ ዝደለዩ ይመስለኒ" ክብል ርእይቶኡ ኣካፊሉ።