ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብል?

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብቲ ን144 ሃገራት ዝዳህሰሰ መበል 65 ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ "ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም 2026" ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ሰነድ፡ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ምልካውያን ስርዓታት ዝያዳ ይሕይሉን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ይጸብብን ምህላዉ ብሰፊሑ ተንቲኑ።

መንግስታት ስልጣኖም ንምሕላው ክብሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይቘርጹ፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ብሓይሊ ይብትኑ፣ ከምኡ'ውን "ንናጻ ትካላት ፍርዲ ይጭፍልቑ ምህላዎም፡" ኣጠንቂቑ።

እዚ ፖለቲካዊ ጸገም`ዚ ምስቲ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምቍራጹን ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ዝመጽእ ዘሎ ደርቅን ውሕጅን ተደሚሩ፡ "ንኣፍሪቃውያን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውዲቑዎም ይርከብ፡" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

ኤርትራ፡ ገደብ ኣልቦ ማእሰርትን ስግረ-ዶባዊ ጭቆናን

ኣምነስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ገና "ኣዝዩ ኣሰካፊ" ምህላዉ ገሊጹ።

እታ ሃገር ንርብዒ ዘመን ብዘይቅዋምን ብዘይናጻ ትካላትን ትመሓደር ምህላዋ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ተሓታትነት ዘይብሉ ባህሊ" የንግስ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።

"መንግስቲ ነቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ዘተኣታተዎ ሓያል ምዕፋን መሰረታዊ ናጽነታት ኣትሪሩ ቀጺሉዎ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ክስን ፍርድን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተሓይሮም ይርከቡ፡" ኢሉ።

"እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ንዝሰፈነ 'ባህሊ ምስዋር' ዘንጸባርቕ እዩ። ዛጊት ደሃይ ዘይብሎም ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ናይዚ ቀጻሊ ግህሰት ህያው ምስክር ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ፡" ክብል ኣብሪሁ።

እቲ ንመንእሰያት ካብ ህይወቶም ብምንጻል ከም መሳርሒ ዘገልግል ዘሎ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ ጸብጻብ "ባርነት ዝመስል ግዱድ ዕዮ" ብምባል ተገሊጹ ኣሎ።

"መንእሰያት ካብ ስድራቤቶምን ትምህርቶምን ተነጺሎም፡ ኣብ ባርነት ዝመስል ኵነታት ክሰርሑ ይግደዱ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንቝጠባውን ማሕበራውን ውሕስነት ዜጋታት ኣዕንዩ ይርከብ፡" ኢሉ።

ዶብ-ሰገር ጭቆናን ምዕፋን እምነትን

ካብዚ ሓሊፉ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ " ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጭቆና ናብ ደገ ብምስፋሕ 'ስግረ-ዶባዊ ጭቆና' የካይድ ኣሎ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ኣብ ስደት ዝነብሩ ተቓወምቲ ንምሽቝራርን ንምፍርራሕን፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ቤተሰቦም ንሓደጋ ምቅላዕ፣ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ምኽልካልን ስለላ ምውፋርን ከም ቀንዲ ስልቲ ይጥቀም ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ።

ብዘይካ`ዚ፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም መሰረት ብምግበር ዝእሰሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ቍጽሮም ይውስኽ ምህላዉን ኣብታ ሃገር "ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ማሕበራዊ ጕጅለታት ፈጺሞም የለዉን፡" ይብል።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ (ኢትዮጵያ) ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ "ብዛዕባ ዝፈጸሞ ግህሰት ክሳዕ ሕጂ ዝተገብረ ናጻ መርመራ ወይ ተሓታትነት የሎን፡" ክብል ይኸስስ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሎም ፖለቲካውያን እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ሕጋዊ ገደብ ግዜኡ ክመልስን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ውግእ ናብ ውግእ

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናብ ምርግጋእ ክትመጽእ ትጽቢት እኳ እንተ ነበረ፡ ብኣንጻሩ ግን ኣብ ሓደስቲ ዙርያ ግጭታት ትሽመም ምህላዋ የገንዝብ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ፋኖ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ውግእ፡ ብድሮን ዝካየዱ መጥቃዕትታት፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጃምላዊ ቅትለት የውርዱ ምህላዎም፡" ኣምነስቲ የረጋግጽ።

"ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ውግእን ጾታዊ ዓመጽን ዝምልከት፡ ንግዳያት ዝኸውን ፍትሒ ይዅን ናጻ መርመራ ዛጊት ኣይተራእየን። እዚ 'ተሓታትነት ዘይምህላው' ድማ ኣብታ ሃገር ባህሊ ግህሰት ክሰፍሕን ገበነኛታት ከይተሓተቱ ክነብሩን ዕድል ሂቡ ኣሎ፡" ኢሉ።

መንግስቲ "ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ" ከም መመኽነይታ ብምጥቃም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት፡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ብዘይፍርዲ ይኣስር ምህላዉ ኣቃሊዑ።

ክልል ኦሮምያ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብሰንኪ ዘሎ ውግእ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ይገልጽ።

'ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ጭውያ' ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉን፡ ሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣብ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ይርከቡ ምህላዎምን ኣረጋጊጹ።

ቅልውላው ስደተኛታትን ሕጽረት ሓገዝን

እዚ ፖለቲካዊ ግጭት ምስቲ ዘጋጥም ዘሎ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ቍጠባዊ ጸገማትን ተደሚሩ፡ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ "ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው" ኣውዲቕዎም ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ካብ መዓስከራት ክጭወዩን "ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምሃለሱ"ን ብምግባር፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቖም ኣሎ።

"ካብ ታሕሳስ 2024 ክሳዕ 27 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ሓቲቶም ዝነበሩ ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ንሳቶም ዘቕረቡዎ ናይ ዕቝባ ሕቶ ከም መርትዖ 'ክድዓት ሃገር' ገይሩ ወሲዱዎ ኣሎ።"

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መደምደምታኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም ግጭታት ብዘተ ክፈትሕን ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ድማ ተሓታትነት ከረጋግጽን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (2025) ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ግጭታት ብዝገደደ መልክዑ ምብራዖም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ማለት ሱዳን፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ዘሎ ኵነታት ብፍሉይ ኣጕሊሑ ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት ንሚልዮናት ሰባት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉን ንኸቢድ ጥሜት ክቃልዑን ከም ዝገበረ ይሕብር።

ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ድማ ምስ ምስፍሕፋሕ ጕጅለታት ጅሃድ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ይጠቅስ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ብሰንኪ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም23ን ካልኦትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጃምላዊ ቅትለትን "ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ውግእ የገልግል ምህላዉ፡" የጠንቅቕ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ "ደሞክራስያዊ ተስፋን ምልካዊ ደልሃመትን" ትርከብ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ንተሓታትነት ቀዳምነት ክህቡ ጸዊዑ።