ካብ ነዳዲ ናብ ኮንዶም፡ ጽልዋ ውግእ ኢራን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት

ንባብ: 2 ደቓይቕ

እቲ ዝዓበየ ኩባንያ ኣፍራዪ ኮንዶም ዓለም 'ካሬክስ'፡ ብሰንኪ ውግእ ኢራን ነቲ ምህርቲ ዘድልዩ ቀረብ ንጥረ-ነገራት ምቍራጽ እንተ ቀጺሉ፡ ዋጋኡ ክሳብ 30 ሚእታዊት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክውስኽ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ካሬክስ ጎህ ሚያህ ኪያት ንመራኸቢ ብዙሓን ከም ዝገለጾ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ወጻኢታት ምህርቲ ብልዑል ደረጃ ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ ማሌዥያ ዝርከብ እዚ ኩባንያ፡ ኣብ ዓመት ካብ ሓሙሽተ ቢልዮን ንላዕሊ ኮንዶም የፍሪ።

እቲ ኩባንያ ከም በዓል 'ዱሬክስ'ን 'ትሮጃን'ን ዝኣመሰሉ ውሩያት ዓለምለኻውያን ዓይነታት ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ፡ ንናይ ዓዲ እንግሊዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ቀንዲ እታዋት ዘቕርብ እዩ።

ጎህ ነዚ ዝገለጸ ምስ ሮይተርስን ብሉምበርግን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኰይኑ፡ ቢቢሲ'ውን ካብቲ ኩባንያ ተወሳኺ ሓበሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ቴህራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ውግእ ካብ ዝኸፈታላ ግዜ ኣትሒዛ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ብምዕጋታ፡ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ብኸቢድ ተሰናኺሉ ኣሎ።

እቲ መጻብቦ ብምልኡ ብምዕጻዉ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ መስመራት ቀረብ ልዑል ዕንቅፋት ፈጢሩ ይርከብ።

ሓደ ሕምሲት ድፍድፍ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለም፡ ከምኡ እውን ካልኦት ፔትሮ-ኬሚካላት በቲ መጻብቦ ባሕሪ እዮም ዝሓልፉ።

ካሬክስ ድማ ነቲ 'ላቴክስ' ለጊቡ ንኽጸንሕ ዘገልግል ኣሞንያን ሲልኮን ዘለዎም መለስለስቲ ንምፍራይን ካብ ነዳዲ ዝርከቡ ምህርትታት እዩ ዝጥቀም።

ሎሚ ዓመት ጠለብ ኮንዶም 30 ሚእታዊት ወሰኽ እኳ እንተ ኣርኣየ፡ ብሰንኪ ወሰኽ ወጻኢታት ጽዕነትን ምቍራጽ ጕዕዞ መርከባትን ግን ሕጽረት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ጎህ ገሊጹ።

"ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኮንዶም ናይ ምጥቃም ኣገዳስነት ዝውስኽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ህይወትካን ንዓመታ ስራሕ ይህልወካዶ ኣይህልወካን ርግጸኛ ስለ ዘይትኸውን እዩ፡" ክብል ንብሉምበርግ ገሊጹ።

"ቈልዓ እንተ ወሊድካ፡ ካልእ ተወሳኺ ሰብ ክትቅልብ የገድደካ፡" ብምባል'ውን ኣብሪሁ።

ወሰኽ ዋጋ ኮንዶም፡ እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዳጋታት ጸዓት ዘናወጸ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ንተጠቀምቲ ዋጋ ካልኦት ኣቑሑት ከመይ ገይሩ ክብ ከም ዘብሎ መርኣያ እዩ።

እቲ ውግእ ዋጋ ትኬት ነፋሪት ንኽውስኽ'ውን ኣስተዋጽኦ ገይሩ ኣሎ።

ብመሰረት ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቶም ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎም ትኬታት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም ብ24 ሚእታዊት ወሰኽ ኣመዝጊቦም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ጕዕዞ መራኽብ ምቍራጹ፡ ዋጋ ድኽዒ ንኽውስኽን ንምፍራይ ኮምፒዩተር ቺፕስ ዘገልግል 'ሂልየም' ሕጽረት ንኽፍጠርን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ኣፍረይቲ ዕሹግ ማይ'ውን ንጥረ-ነገራት ንምርካብ ተጸጊመን ኣብ ጸቕጢ ይርከባ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ መጓዓዝያ፡ ዋጋ ሽኮር፡ ጸባን ፍረታትን ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዘተ ክሳዕ ዝቕጽል ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝናዋሕ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ዘተ ሰላም ብንጹር ዝፍለጥ ነገር የሎን።