ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብመርዘን ይጥቅዓ፡ መፍትሒታቱኸ?

ካብ መንኮብ ንላዕሊ ዝተሳእለት፡ ጸጕራ ንድሕሪት ዘትሓዘትን ትኩር ትርኢት ዘለዋን ጓለንስተይቲ ዘርኢ ምስሊ። ኣብ ድሕሪኣ ክኒናት ክርኣዩ ከለዉ፡ ኣብ ቅድሚ ገጻ ድማ ንሕማም መርዘን ንምምልካት ዝተገብረ ቀይሕ ጥቕላል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ጸልማት ክፍሊ ተጋዲምካ፡ ብርቱዕን ሸቕ ዘብልን ቃንዛ ርእሲ ከተሕልፍ ንብዙሓት በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ሰባት ኣዝዩ ዝለመድዎ ተርእዮ እዩ።

እዚ ንቡር ንጥፈታት ሰባት ዝዓናቕፍ ሕማም፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት፡ ስራሕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ይረአ - ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ንላዕሊ ብመርዘን ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለወን።

ጠንቂ እዚ ሕማም እንታይ እዩ? ነቲ ቃንዛ ንምምካትን ንምቍጽጻርንከ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ምልክታት መርዘን እንታይ እዮም?

ደረጃታት መርዘን ዘርኢ ምስሊ

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ግብረ-ሰናይ 'ማይግሬን ትረስት' ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሸውዓተ ሰባት ሓደ ብመርዘን ይጥቃዕ፤ እዚ ድማ ብድምር ካብ ሓደ ቢልዮን ንላዕሊ ህዝቢ ማለት እዩ።

መርዘን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ምስ ስርዓተ-መትንታት ዝተኣሳሰር፡ ንሓንጐልና ንለውጥታት ዝያዳ ተነቃፊ ዝገብር ሕማም እዩ።

ኣብ ገሊኦም ሰባት እቲ ምስቲ ሕማም ዝተኣሳሰር ጂን ተሓቢኡ ይጸንሕ'ሞ፡ ዝዀነ ምልክት ከየርኣዩ "ብሰላም ይነብሩ" ትብል ዶክተር ኬቲ ማንሮ - ክኢላ መርዘን ካብ ማእከል 'ናሽናል ማይግሬን ሴንተር'።

ኣብ ካልኦት ግን፡ ዝተፈላለዩ ደጋዊ ረቛሒታት ነቲ ኣብ ሓንጐል ዘሎ መስመር ብምቕስቃስ ምልክታት መርዘን ከም ዝለዓሉ ይገብሩ።

እዞም ምልክታት እዚኦም፡ ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ፡ ተምላስ (ትፍቱፍ)፡ ጽርውርው ምባል ከምኡ'ውን ናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ምዝባዕ (brain fog) ዘጠቓልሉ እዮም።

እዞም ምልክታት ካብ እዋን ናብ እዋን ወይ ድማ ካብ ሓደ ኣባል ስድራቤት ናብቲ ካልእ ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።

ጠንቅታት መርዘን እንታይ እዮም?

መርዘን ብሓደ ምኽንያት ጥራይ ዝለዓል ኣይኰነን፤ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ረቛሒታት ተደሚሮም እዩ እቲ ቃንዛ ዝጅምር። ካብዚኦም ድማ ለውጢ ሆርሞናት፡ ዘይተመጣጠነ መጠን ሽኮር ኣብ ደምን ስእነት ድቃስን ቀንዲ እዮም።

ጭንቀት ዓቢ ግደ ኣለዎ። እንተዀነ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሓያል ጭንቀት ወጺኡ ናብ ህድኣት ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን'ውን እቲ ቃንዛ ክለዓል ይኽእል እዩ።

ዶክተር ማንሮ ከም እትገልጾ፡ እዚ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ይረአ።

"ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኵሉ ነገራት ንምትእስሳር፡ ሓያሎ ስራሓት ብሓንሳብ ንምስራሕን ናይ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት መደብ ንምሓዝን ስለ ዝጽዕራ ንጭንቀት ዝተቓልዓ እየን፡" ትብል።

ለውጢ ኵነታት ኣየር - ከም ሙቐት፡ ጸቕጢ ኣከባብያዊ ኣየር ከምኡ'ውን ራህዲ - ንቓንዛ መርዘን ክቕስቅሱ ይኽእሉ እዮም።

ብተወሳኺ፡ ከም ሕጽረት ሓጺን፡ ናይ ጨጐራ ሕማም (ጋስትራይት) ወይ ድማ ድኻም ጕሩንጕሪት ዝኣመሰሉ ናይ ጥዕና ጸገማት ጠንቂ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሆርሞናት ዘለዎም ጽልዋ

ኣብ ግዜ ቍልዕነት፡ መርዘን ኣብ ኣወዳትን ኣዋልድን ብማዕረ (ከባቢ 10%) እዩ ዝረአ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ኵነታት ምስ ግዜ ብጽሕናን ምጅማር ጽግያትን ይልወጥ።

"እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብመርዘን ዝጥቅዓሉ፡" ትብል ዶክተር ማንሮ። ቅድሚ ጽግያት ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ሆርሞን ኤስትሮጀን ብሃንደበት ስለ ዝጐድል፡ እቲ ቃንዛ ኣብቲ እዋን'ቲ ይብርትዕ።

ኣብቲ ደቂ ኣንስትዮ ጽግያት ንምቍራጽ ዝቐርባሉ እዋን እውን ሆርሞናት ስለ ዝበራበሩ፡ ሕማም መርዘን ክጋደድ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ምቍራጽ ጽግያት ግን፡ መጠን ሆርሞናት ስለ ዝረግእ፡ እቲ ቃንዛ እናወሓደን እናቐለለን ይኸይድ።

መርዘን ምዃኑ ብኸመይ ይፍለጥ?

መርዘን ንምቍጽጻር ዝሕግዙ ምኽርታት ብምስሊ

ሕማም መርዘን ኣርባዕተ ደረጃታት ኣለዎ፤

  • ቅድመ-ምልክት፡ ቃንዛ ከይጀመረ ከሎ ዝርአ ምልክት ኰይኑ፡ ከም ምንብሃቝ፡ ምድካምን ሕማም ክሳድን የጠቓልል።
  • ምልክት ርእየት ዓይኒ (Aura)፡ እዚ ደረጃ'ዚ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ክጸንሕ ዝኽእል ኰይኑ፡ ኣብ ምርኣይ ምዝባዕ የጋጥም፤ ንኣብነት ከም ጠዋይ-መዋይ ሕንጻጻት፡ ብልጭታታት ወይ ጻዕዳ ነጥብታት ዝኣመሰሉ ዘይተለምዱ ስምዒታት የርእዩ።
  • ደረጃ ቃንዛ (ሕማም ርእሲ)፡ ካብ 4 ክሳብ 72 ሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል። ኣብዚ እዋን'ዚ ተምላስን ጽርውርው ምባልን ክህሉ ይኽእል እዩ።
  • ድሕረ-ቃንዛ ፡ቃንዛ ምስ ኣልገሰ ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ድኻም እዩ።

ናብራና ብኸመይ ነመሓይሽ?

መርዘን ንምክልኻል ስሩዕ ናብራ ወይ ልምዲ (routine) ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ።

ዶክተር ማንሮ "መርማሪት መርዘን" ብምዃን፡ እቲ ቃንዛ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት እንታይ ለውጢ ከም ዝነበረ ምዕዛብ ጠቓሚ ምዃኑ ትገልጽ።

ስሩዕ ሰዓታት መግቢ ምህላው፡ መጠን ሽኮር ደም ከይጐድል ምጥንቃቕን ስሩዕ ሰዓት ድቃስ ምዝውታርን ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ሰሙን (ቀዳም-ሰንበት) ልምድታትና ስለ ዝቀያየሩ (ንኣብነት ምሸት ምጽናሕ ወይ ነዊሕ ምድቃስ)፡ እዚ ንመርዘን መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መድሓኒታትን ተወሰኽቲ ምኽርታትን

ቃንዛ መርዘን ምስ ጀመረ፡ ብቕልጡፍ መድሓኒት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ።

"እቲ ቃንዛ ክሳብ ዝበርትዕ ምጽባይ፡ ንምቍጽጻሩ የጸግም እዩ፡" ትብል ዶክተር ማንሮ።

ከም 'ኢቡፕሮፈን' ወይ 'ኣስፒሪን' ዝኣመሰሉ ቃንዛታት ዘህድኡ ከኒናታት ምውሳድ ይከኣል፤ እንተዀነ፡ ከም 'ኮደይን' ዝመሰሉ መድሓኒታት ነቲ ሕማም ከጋድድዎ ስለ ዝኽእሉ ክውገዱ ይምከር።

ብተወሳኺ ከም ማግኒዝየምን ቫይታሚን B2 ዝኣመሰሉ መወሰኽታታት (supplements) ቃንዛ መርዘን ንምንካይ ከም ዝሕግዙ ይንገር።

ዶክተር ማንሮ "ብዙሕ ተስፋ ኣሎ፤ ኵሉ ነገር ዝፈተንካ ኰይኑ ስለ ዝስምዓካ ተስፋ ኣይትቝረጽ፡ ገና ዘይተፈተኑ ሓደስቲ ናይ ሕክምና ሜላታት ኣለዉ እዮም፡" ትብል።