ጸቕጢ ኣእምሮ ንምቍጽጻር ዘገልግል 'ሜላ ምስትንፋስ' እንታይ እዩ፡ ከመይከ ይሰርሕ?

ምንጪ ስእሊ, @breathpod
ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ዝተወልደትላ ከተማ ላ ጓይራ (ቬነዝወላ) ዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ተኸቲሉ፡ ማርያ መዲና ድቃስ ክኣብያ ጸኒሑ።
ካብቲ ፍጻመ ልዕሊ 2,414 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ትቕመጥ እኳ እንተዀነት፡ ብዛዕባ ኵነታት ስድራቤታን መሓዙታን ዝነበራ ጭንቀት ግን ዕረፍቲ ከሊእዋ ነይሩ።
ነቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ምስኣን ድቃስ ንምብዳህ ግን "ሳንዱቕ ምስትንፋስ" (Box breathing) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሜላ ክትጥቀም ጀሚራ።
"ኣብ ዓራት ደቂሰ ናብ ናሕሲ እናጠመትኩ፡ ብዙሕ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ከም ዘየሎ ኣብ ዝስምዓኒ እዋን... እዚ ሜላ'ዚ ከም ዝሕግዘኒ እፈልጥ እየ፡" ትብል ማርያ።
እዛ ጓል 31 ዓመት መንእሰይ፡ ነዚ ሜላ ምስትንፋስ ንፈለማ እዋን ዝተላለየቶ ኣብ 2020 ነይሩ። ሽዑ፡ ምሉእ ግዜ እናሰርሐት ናይ ማስተርስ ትምህርታ ትከታተል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ምስ ሻቕሎት ለበዳ ኮቪድ ተደሚሩ ጸቕጢ ኣእምሮ በርትዓ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ ሓደ መማህርታ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ነዚ ሜላ ኣላሚዱዋ።
እቲ ኣገባብ ከመይ እዩ?
እቲ ኣከያይዳ ኣብ ኣርባዕተ ማዕረ ዝዀኑ ተግባራት ዝተመስረተ እዩ። ንሳቶም ድማ፤
- ንኣርባዕተ ካልኢት ኣየር ናብ ውሽጢ ምስሓብ።
- ነቲ ትንፋስ ንኣርባዕተ ካልኢት ዓቲርካ ምሓዝ።
- ንኣርባዕተ ካልኢት ትንፋስ ናብ ወጻኢ ምውጻእ።
- ትንፋስ ወይ ኣየር ከየእተኻ ንኣርባዕተ ካልኢት ምጽናሕ።
እዞም ካልኢታት እዚኣቶም ከከም ኵነታቱ ክነውሑ ወይ ክሓጽሩ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ኵሎም ግን ማዕረ ክዀኑ ይግባእ።
እቲ "ሳንዱቕ ምስትንፋስ" ዝብል ስም'ውን ካብዚ ኣርባዕተ ማዕረ ኵርናዓት ዘለዎ ሜላ ዝመጽአ እዩ።
ክኢላ ስነ-ምስትንፋስ ስቱዋርት ሳንድማን ከም ዝገልጾ፡ እዚ ሜላ'ዚ ቅድሚ ጸቕጢ ዘለዎ ስራሕ ምጅማርካ፡ ወይ ቅድሚ ፈተናን መግለጺ ምሃብን ዝኣመሰሉ ጭንቀት ዝፈጥሩ ፍጻመታት ክትጥቀመሉ ዝምረጽ እዩ።
ገለ ሰባት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ለውጢ ክስምዖም ከሎ፡ ገለ ድማ ክሳብ 15 ደቓይቕ ክገብርዎ ይመርጹ።
እዚ ሜላ'ዚ ካብ ጥንታዊ ልምዲ ዮጋን ጥበብ ምክልኻልን (martial arts) ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን ኣድህቦ ኣእምሮ ንምእካብን ስርዓተ-መትኒ ንምርግጋእን ኣዝዩ ህቡብ ኰይኑ ይርከብ።
ንኣብነት፡ ፍሉጣት ኣዘዝቲ ውግእ ኣመሪካ "Navy Seals" ቅድሚ ናብ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ስርሒት ምእታዎም ይጥቀምሉ እዮም። ስቱዋርት ነዚ ሜላ ንተጻወትቲ ብሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ኣምሂርዎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, @mariadelmar.ms
ስነፍልጠታዊ መረዳእታ
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኣገባብ ምስትንፋስ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት፡ ልቢ ብርቱዕ ትርግታ ከየመዝግብን ካልእ ምስ ጸቕጢ ዝተኣሳሰር ምልክታት ኣካል ከይመጽእን ይከላኸል።
ሓኪም ዶክተር ሄለን ጋር፡ "ነዚ ሜላ ንሓያሎ ሕሙማተይ እመኽሮም እየ፤ ምኽንያቱ ጸቕጢ ኣእምሮን ስርዓተ-መትንን ንምቍጽጻር ካብ ዘለዉና ብስነፍልጠታዊ መርትዖ ዝተደገፉ ብሉጻት ሜላታት ሓደ ስለ ዝዀነ፡" ትብል።
ከም መግለጺ ዶክተር ሄለን፡ እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ነቲ ትንፋስ ኣውጺእካ ድሕሪ ምዕቃብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ እዩ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ውሽጢ ኣካልና 'ካርቦን ዳይኦክሳይድ' ይእከብ። ሓንጎልና እቲ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከም ዝወሰኸ ምስ ተረድኦ፡ ናይ ምስንባድ ስምዒት ይፈጥር'ሞ ብቕጽበት ከነተንፍስ ይደፋፍኣና፡" ትብል።
እቲ ልምምድ ድማ ነቲ ኣብ ኣካልና ዝፍጠር ልዑል መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብኸመይ ንጻወሮን ነቲ ብሰንኩ ዝመጽአ ጸቕጢ ኣእምሮ ብኸመይ ንቕንስን የላምደና።

ምንጪ ስእሊ, NHS Practitioner Health
ውልቃዊ ተመኵሮታት
ብሪታኒ ዝተባህለት መምህር ስልጠና ነብሰ-ዕብየት፡ "ጭንቀት ተሰሚዑካ ምስ እትበራበር፡ ኣብ ኣእምሮኻ ካብ ዝመላለስ ሓሳባት ወጺእካ ናብ ሰላም ክትምለስ ዝሕግዝ ብሉጽ መሳርሒ እዩ፡" ትብል።
ንሳ ነዚ ሜላ ምስቶም እተማኽሮም ሰባት ብሓባር ከም እትጥቀመሉ ትገልጽ።
ማርያ መዲና'ውን ብወገና ነዚ ሜላ ንብዙሓት መሓዙታን መሳርሕታን ኣላሚዳ ኣላ።
ኣብቲ ኣብ ቬነዝወላ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ 6,300 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት። ካብ ስድራቤት ማርያ ዝሞተ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ንቐረባ መሓዛኣ ግን ቤታ ዓንዩ፤ ካልኦት እትፈልጦም ሰባት'ውን ቤተሰቦም ስኢኖም እዮም።
ማርያ ዛጊት ሓድሓደ ግዜ ድቃስ ክኣብያ እንከሎ፡ እዚ ሜላ'ዚ ካብቲ ዝስምዓ ጸቕጢ ሓሳባት ክትወጽእ ይሕግዛ።
"ሓድሓደ ግዜ ኮነ ኢልና ከነተንፍስ ንርስዕ ኢና። እዚ ንኣካልናን ኣእምሮናን ዝህቦ ሓይሊ ድማ ኣነኣኢስና ንርእዮ፡" ትብል።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



