ኢትዮጵያ፡ ህይወት ነበርቲ ዝምንዝዑ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ወለጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ስድራ ግዳያትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ሓቢሮም።
ካብ መጀመርታ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ከም ዝነበረ ዝገልጹ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ግጭት ቀጺሉ ከም ዘሎን፡ "ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ" መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ገሊጾም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብ13 ነሓሰ 2018 (ኣ.ግ) ብዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብዙሓት ከም ዝተጨውዩን፡ ሓይልታት እቲ ክልል ወሲዶምዎ ብዝተባህለ "ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ" ድማ ብዙሓት ከም ዝተቐትሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንብረት ክዓኑ ከሎ፡ ብዙሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም። እዚ ሰላም ዝረሓቘ ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኩነታት ጸጥታ እቲ ከባቢ እናተዘርገ መጺኡ እዩ።
እቲ ከባቢ፡ ብዘይካ ሕብረተሰብ ኦሮሞ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብቲ ከባቢ ዝተሰደዱ ማሕበረሰባት ኣምሓራን ትግራይን ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ብሄራት ዝነብርሉ ከባቢ እዩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ሓደ ካህን ናይ ቀረባ ዘመድ ሓዊሱ ንሸውዓተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ። ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ኣምቡላንስ ዝነበረ ሕሙምን ምስ ህጻን ወዳ ከላ ኣብ ቅድሚ ውላዳ ዝተቐትለት ነፍሰጾር ኣደን ሓዊሱ ግህሰት ከም ዝተፈጸመ ይዛረቡ።
ቢቢሲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ስድራ ግዳያትን ዝበጽሖ ጸብጻባት ንሰበስልጣን ርእይቶ ክረክብ ካብ ዝፍትን መዓልታት ኣቑጺሩ'ኳ እንተነበረ፡ መልሲ ኣይረኸበን።
ኵሎም እቶም በቲ መጥቃዕቲ ስድራቤትን ኣዝማዶምን ከም ዝሰኣኑ ዝገለጹ ርእይቶ ዝሃቡ፡ ንድሕነቶም ብምስጋእ ስሞም ከይግለጽ ሓቲቶም።
"መጥቃዕቲ ፋኖ" - "13 ስድራ ሓዘን በጺሐ"
ብ13 ነሓሰ ብፋኖ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርእየ'የ ዝበለ ነባሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና፡ ዕጡቓት ፋኖ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምስ ምልሻታት ተዅሲ ክለዋወጡ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።
እቶም ሚልሻታት ነዚ ምጽዋር ኣብ ዘይከኣሉሉ እዋን ብ"ገዳ ኮማንዶ" ዝፍለጥ ብመንግስቲ ክልል ኦሮምያ ዝቘመ ፍሉይ ኮማንዶ ኣትዩ ምስ ፋኖ ከም ዝተዋግአ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይውሕስነት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጂበን እየን ዝንቀሳቐሳ። ብረቡዕ 13 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ፡ ናይ ጽዕነትን ካልኦት ተሽከርከርትን ብሰራዊት ተዓጂበን ካብ ጊዳ ኣያና ናብ ነቀምቴ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን፡ ቱሉ ሌንጫ ኣብ እትብሃል ጣብያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣድብዮም ዝጸንሑ ዝበሎም ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ እተን ተሽከርከርቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እዋን ዝጕዓዛ ዝነበራ ክሳብ 30 ዝዀና መካይን ከም ዝነበራን፡ ሕሙማት ዝጸዓነት ኣምቡላንስን ገንዘብ ሰለስተ ባንክታትን ሓለፍትን ዝጸዓነት መኪናን ሓዊሱ ከም ዝነበራ ኣመልኪቱ።
በቲ መጥቃዕቲ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሕሙምን ምስኦም ዝነበረ በዓል ሞያ ሕክምናን ከምኡ'ውን ኣብታ ኣምቡላንስ ዝነበሩ ኣካየድቲ ሰለስቲአን ባንክታት ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ናይ ባንክታት ገንዘብ በቶም ዕጡቓት ከም ዝተዘመተን እታ ኣምቡላንስ ከም ዝተቓጸለትን ዝገለጸ ሰብ፡ ካልኦት ሰላማውያን ሰባት እውን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
"ሓውና ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያ ጨንፈር ጊዳ ኣያና እዩ ነይሩ። ገንዘብ ናይቲ ባንኪ ሒዙ ናብ ነቀምተ ይኸይድ ነይሩ። ሃንደበት ኣብቲ ኣብ መንገዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ሰሚዕና፡" ክብል ሓው መዋቲ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ተዛሪቡ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ኣካያዲ ጨንፈር ባንኪ ማሙሽ ማሩ ከም ዝበሃል ዝገለጸ እቲ ውልቀሰብ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣቶ ካፋሎ ነጋሳ ደያስ ዝተባህለ ሓረስታይ ጣብያ ከርሳ ሃርቡካነ እውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ኣባላት ስድራ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ባህርዳር ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐ ጫላ ናጋሳ ዝተባህለ ነባሪ ተመሳሳሊ ጣብያ ዝዀነ መንእሰይ እውን ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ስድራኡ ገሊጾም።
ብኣምቡላንስ ናብ ነቀምተ ትጓዓዝ ዝነበረት ልኪቱ ኣማኑ ዝተባህለት ነርስን ካልእ ኣብታ ኣምቡላንስ ዝነበረን ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ነቀምቴ ዝውሰድ ዝነበረ ኣቶ ኣማኑ ሂርጳ ዝተባህለ ካልእ ሕሙምን ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ኣረጋጊጹ'ዩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ምዉታት ናብ ዓዶም ሒዝካ ምኻድ ኣጸጋሚ ምንባሩ'ውን ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ ጊዳ ኣያና "ኣብ ከተማ ጉቴ ጥራይ 13 ገዛውቲ በጺሐ ኣለኹ" ዝበለ ነባሪ እቲ ከባቢ ግን ቍጽሪ ዝተቐትሉ ሰባት ብልክዕ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ሰብ ኣብ ርእሲ እቶም ዝተቐትሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጨውዩ እውን ገሊጹ።
ኣብቲ ተዅሲ ዝተቐርቀሩ ተሳፈርቲ፡ ንነብሶም ንምድሓን ናብ ዝተፈለላየ ኣንፈት ኣብ ዝሃድምሉ እዋን "እቶም ዕጡቓት ፋኖ ናብ ዝነበርሉ ኣንፈት ዝኸዱ ተጨውዮም" ይብል። ቍጽሮም ክሳብ 70 ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ይግምት።
ካብቶም ዝተጨውዩ ሰለስተ ኣዝማዱ ምዃኖም ሓቢሩ። እቶም ዕጡቓት ንኽፍትሑ ገንዘብ ይሓቱ ከም ዘለዉ እውን ኣመልኪቱ። ሓንቲ ካብተን ዝተጨውያ ደቀንስትዮ "ካብ እትምርዖ ሓደ ሰሙን ጥራይ እያ ነይራ።"
ኣብ ጅማ መምህር ዝዀነት ኣደ ሰለስተ ቈልዑት ናብ ስድራኣ እናተመለሰት ከላ ከም ዝተጨውየት እውን ገሊጹ። ገለ ካብቶም ዝተጨውዩ ኣምሊጦም ከም ዝተመልሱ ብምሕባር፡ መብዛሕትኦም ግን ድሃዮም ኣይተፈልጠን።
ብተወሳኺ ንባዕሎም ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ይዛረብ።
ካልኦት ዘዘራረብናዮም ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ኣብቲ ብዕጡቓት ፋኖ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ገሊኦም ከም ዝተጨውዩ፣ ገለ መካይን ከም ዝተቓጸላን ጉድኣት ከም ዝበጽሐንን ሓቢሮም።
"መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ" ስዒቡ ግን ብዙሓት ሲቪላውያን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, GIDA AYANA COMMUNICATION
ካህን "ካብ ቤተክርስቲያን ወሲዶም ቀቲሎም"
ሓይልታት መንግስቲ እቲ ክልል ካብ 2 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.ግ ጀሚሩ፡ ኣብ ወረዳ ጊዳ ኣያና ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝጀመሩ ካብቶም ግዳያት ዝነበሩ ኣርባዕተ ነበርቲ እታ ወረዳ ይገልጹ።
ድሕሪ'ቲ ብ13 ነሓሰ ብፋኖ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ "ሕነ ምፍዳይ" ስጕምትታት ብብዝሒ ከም ዝቐጸለ'ውን ኣመልኪቶም።
"እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣስታት ሓደ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ። ይዅን እምበር ንጹሃት ሰባት ዒላማ ምግባር ካብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ጥራይ እዩ ጀሚሩ፡" ይብል ብ21 ነሓሰ ዘዘራረብናዮ ሓደ ነባሪ ቁሸት 22።
"ብዝሒ ዝተቐትሉ ብቝጽሪ ንምግላጽ ኣጸጋሚ እዩ። ብዙሓት እዮም። ካህናት፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ተቐቲሎም እዮም፡" ዝበለ እቲ ውልቀሰብ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ናይ ቀረባ ዘመዱ ዝዀኑ ካህን ከም ዝርከቡዎም ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ቆሞስ ኣቡሀይ ታደሰ መኮንን ከም ዝበሃሉን ዩኒፎርም ክልል ኦሮሚያ ዝተኸድኑ ዕጡቓት ክዳኖም ኣውጺኦም ከንገላትዑዎም ዘርእን ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ቀንዩ እዩ፤ እዚ ናቶም ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ወረዳ ጊዳ ኣያና ጣብያ ኣንዶዴ ዲቾ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ቤተ ክርስቲያን ኣካያዲ ዝነበሩ ቆሞስ ታደሰ ብዓርቢ ነሓሰ 15/2018 ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። "ናይ ስጋ ዘመደይ'ዮም፡" ድማ ይብል።
"ካብቲ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ቤተክርስትያን ወሲዶሞም። ኣብ ጫካ ወሲዶም ክሳብ ሞት ኣሳቒዮምዎም፡" ይብል።
ጣብያ 'ፈንደቃ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ "ገዛውቲ ክቃጸል ምስ ጀመረ ሰባት ብፍርሒ ሃዲሞም" ነይሮም ዝበለ እቲ ነባሪ፡ እቲ መራሒ ሃይማኖት ዝዀኑ ካህን ግን "ምንም ኣይገብሩንን" ብምባል ካብ ቤተክርስትያን ኣይወጽኡን ኢሉ።
እቶም ካህን ካብ ዝሞቱ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ ከም ዝተቐብሩ ይገልጽ።
"ሓይልታት ጸጥታ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ምስ ጀመሩ ሬሳኡ ኣብ ጫካ እዩ ተረኺቡ፡" ብምባል ካልኦት ግዳያት እውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ከም ዝተቐብሩ ወሲኹ ገሊጹ።
ካልእ ናይ ቀረባ ዘመድ እቶም ካህን ዝዀነ ኣዲስ ዝተባህለ መራሒ ሃይማኖት እውን ኣገልግሎት ንምሃብ ናብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከም ዝተቐትለ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, GIDA AYANA COMMUNICATION
ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ክትልምን ዝጸንሐት ኣደ ምስ ውላዳ ከም ዝተቐትለት ዝገለጸ ነባሪ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ መዓልታት "ሬሳኣ ከም ዘይተላዕለ፡" ገሊጹ።
እታ ኣደ ኣብ ቅድሚ ውላዳ ክትቅተል ዘርኢ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ። እታ ኣደ ነፍሰጾር ምዃና ዝገለጸ እቲ ምስክር፡ እታ ምስኣ ዝነበረት ህጻን ካልአይቲ ውላዳ ምዃናን ብህይወት ተሪፋ ዘመድ ከም ዝጸንሐትን ከም ዝተወስዳን ሓቢሩ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ "ገዳ ኮማንዶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ዝፈረመ ኣብቲ ከበቢ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ዕጡቓት ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ኣባላት ምሊሻን እዮም"፡ ዝብል እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ ካልኦት ውድባት እውን ከም ዝተሳተፉ ገሊጹ።
"ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ኢና ንሓልፍ ዘለና" ኢሉ።
ብዙሓት ኣባይቲ ብሓቂ ከም ዝተቓጸሉ፡ እንስሳትን ካልእን ንብረትን'ውን ከም ዝተዘምቱ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ካብቲ ከበቢ ሃዲምና ኣብ ጫካ፡ ምስ ሰባት ተጸጊዕናን ኣብ ቤተክርስቲያን ኣዕቚብናን ኢና ዘለና፡" ኢሉ።
ሓደ ነባሪ ከተማ ኣንገር ጉቴ፡ እኽሊ ዝሓዘ መኽዘኑ ከም ዝተቓጸለ ሓቢሩ።
"እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ" ዝበለ እቲ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ "ዝበጽሓና ወይ ሓገዝ ዝገበረልና ኣካል የለን፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ18ን 19ን ነሓሰ፡ ኣብ ቁሸት 3፡ ቁሸት 22ን ጭበጭን ዝተባህሉ ከባቢታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ከም ዝተዘምቱን ሓቢሩ።
ኣብ ቤተክርስትያን ሚካኤል ተዓቚቦም ዝነበሩ ብውሕዱ 20 ሰባት ካብቶም ዝተቐትሉ ምዃኖም እውን ጠቒሱ። ካልኦት ክልተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ሃድአ፡ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ "20 ሬሳታት ቀቢሮም ከም ዝተመልሱ"፡ ከምኡ'ውን ዝጠፍኡ ሰባት ከም ዘለዉ'ውን ገሊጾም። "እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ኣብ ጋንድኣንሳ እትርከብ ቤተክርስትያን ሚካኤል እውን ተቓጺላ፡" ኢሎም።
ካብቶም ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ኣዝማዱ ምዃኖም ዝገለጸ ሓደ ውልቀሰብ፡ ቀንዲ ግዳያት እቶም ካብ ከባቢኦም ወጺኦም ክሃድሙ ዘይክእሉ ተቓላዕቲ ሲቪላት ምዃኖም ገሊጹ።
"ብ16 ነሓሰ ሓይልታት መንግስቲ መጺኦም ተዅሲ ጀሚሮም፤ ንሳቶም [ዕጡቓት ፋኖ] ድሮ ነተን ዓድታት ገዲፎም ወጺኦም እዮም ነይሮም፡" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን "10 ሽማግለታት ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ካምፕ ሰራዊት ምክልኻል ከይዶም ሓገዝ ሓቲቶም። ምስ ተመለስና እቶም ምልሻ ኣሲሮምና። ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት ማእሰርቲ ሓደ ናይ ምክልኻል ኮሎኔል መጺኡ ነቲ ኵነታት ምስ ኣረዳእናዮ ተፈቲሕና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ "ንስኹም ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም፤ ኣብዚ እዮም ዝሕብኡ፡ ንስኻትኩም ኢኹም እትምግቡዎም" ብዝብል ክሲ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ፋኖ ከም ዝነበረ ኣይከሓደን። እንተዀነ ሓይልታት መንግስቲ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ከባቢ ከም ዝወጽኡ ሓቢሩ።
እቲ ከባቢ "ፋኖ ዝንቀሳቐሰሉ መስመር'ዩ፤ እዚ ሓቂ'ዩ! ካብ ርሑቕ መጺኦም ኣብዘን ዓድታት ይዓርፉ ነይሮም" ብምባል፡ እቲ ህዝቢ "ኪዱ፡ ኣይትቕትሉና" ኢሉ ክምሕጸኖም ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።
"ዕጡቓት እዮም፤ ንዕጡቕ መን ደው የብሎ? ዝደለይዎ ይገብሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባትን ዝተቓጸለ ኣባይትን ብልክዕ ከም ዘይፈለጡ ገሊጾም። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ዓድታት ኣብዚ እዋን ሰብ ዘይነብረለን ምዃነን እውን ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, GIDA AYANA COMMUNICATION
ቀጻሊ ስግኣት ነበርቲ
ካብቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ጊዳ ኣያና ሓደ፡ "እቲ ተፋቒሩን ተዋሲቡን ዝነብር ዝነበረ ማሕበረሰብ፡ ሓቢርካ ናይ ምንባር ኵነታቱ ብሰንኪ ፖለቲካ እናተሸርሸረ ይመጽእ ኣሎ" ይብል።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭታትን ቅትለት ሲቪላውያንን፡ ኣብቲ ፖለቲካ ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ ሓረስቶት "ምትእምማን እናጐደለ" ይመጽእ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ "ህዝቢ ነንሕድሕዱ ክጨኻኸን ይግበር ኣሎ" ብምባል ስግኣቶም ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ነበርቲ እኳ፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ከም ቀደሞም ናብ ከተማታት ምህዳም ገዲፎሞ ምህላዎም እዮም ዘረድኡ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት "ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ" ዝበሉና ካልእ ውልቀሰብ ድማ፡ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዘካይድዎ ግጭት ብዝቐጸለ መጠን፡ ህይወት ሲቪላውያን ብዝያዳ ኣብ ሓደጋ እናወደቐ ክኸይድ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ተመዛበልቲ ናብ ቍሸቶም ንምምላስ ስግኣት ጸጥታ ከም ዘለዎም እውን ተዛሪቦም እዮም።
መብዛሕትኦም ካብቶም ዘዘራረብናዮም ግዳያት፡ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ናይ ምንባር ትብዓት ከም ዘይብሎም ይገልጹ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ መንግስቲ ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሎም ሓቲቶም ኣለዉ።
"ተመዛቢሎም ኣብ ጫካ ዝርከቡ ሰባት፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ቀረብ መግብን መድሃኒትን የብሎምን። ዝዀነ ዓይነት ሰብኣዊ ትካል (ትካል ረድኤት) ኣይበጽሓናን ዘሎ" ድማ ይብል ሓደ ካብቶም ተመዛበልቲ ዝዀነ ውልቀሰብ።
እቲ ሓረስታይ ኣብዚ እዋን ክረምቲ ንሕርሻኡ ተንከባኺቡ ምህርቲ ክእክብ እንተ ዘይክኢሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ካልእ ዝበኣሰ ጸገም ይጽበዮ ከም ዘሎ እውን ይገልጽ።
ይዅን እምበር፡ ናብ ሕርሻኦም ተመሊሶም ንምስራሕ ውሕስነት ከም ዘይብሎም እቶም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።
ሓያሎ ኣባይቲ ከም ዝነደደ ዝገለጸ ሓደ ርእይቶ ወሃቢ፡ "ምስ ኵሉ ስግኣቶም ንመለስ'ኳ እንተበሉ፡ ገዛን ንብረትን ዝሰኣኑ ሓያሎ ተመዛበልቲ መዕረፊ ኣይክህልዎምን እዩ" ይብል።
'ኣብ ልዕሊ ሸኔን ፋኖን ዝተወስደ ስጕምቲ'
ቢቢሲ ኣብ ምብራቅ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና ዘሎ ኵነታት ብዝምልከት ካብ ሰበስልጣን መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ርእይቶኦም ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣይተዓወተን።
ካብታ ወረዳ ክሳብ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝሰርሑ ሰበስልጣን ብስልክን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን። ካብ ሓይልታት ምክልኻል ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነታት እውን ኣይተዓወተን።
እንተዀነ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ሓቢሩ ነይሩ።
ፖሊስ እቲ ዞባ፡ ፋኖ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ "ህዝቢ ብኽልተ ዕጡቓት፡ ማለት ብሸነ (ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን)ን ኣኽረርቲ ፋኖን ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ንዝተፈላለየ ጉድኣት ተቓሊዑ ኣሎ፡" ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ፌስቡክ፡ ኣዛዚ ፖሊስ'ቲ ዞባ ቦጃ ባልቻ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ዞባ "ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ፋኖ ስጕምቲ ወሲዶም" ዝብል መግለጺ'ውን ይጠቅስ።
ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወለጋ ዝንቀሳቐስ ኣወዳድባ ፋኖ ምቛሙ ኣፍሊጡ'ዩ። ብ13 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ጊዳ ኣያና መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ዘፍለጡ መራሕቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ዕላማኦም ኣካላት መንግስቲ ምዃኖም ብማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, GIDA AYANA COMMUNICATION
ጕባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ጊዳ ኣያና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይከታተሎ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጠረ ኵነታት ምሉእ ሓበሬታ ክረክብ ከም ዘይክኣለ ኣፍሊጡ።
ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ተደጋጋሚ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን "መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ናይ ምሕላው መሰረታዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ከም ዘይከኣለ ዳግማይ ዘቃልዕ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብን፡ እዚ "ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ" ገሊጹ።
ኣብ ጊዳ ኣያና፡ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ከባቢታት ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ "ኣብ መንነትን እምነትን ዒላማ ዝገበረ" መጥቃዕቲ፡ "ንሰላምን ማሕበራዊ ሓድነት ሃገርና ኣመና የዳኽሞ ኣሎ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ንምርግጋጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝካር፡ "መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጥራይ ብምውቃስ ካብ ሓላፍነት ነጻ ክኸውን ኣይክእልን!" ብምባል ሓላፍነቱ ክዋጻእ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተመዛበሉ፣ ንብረቶም ዝዓነወ፣ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ብቕልጡፍ ዘድሊ ደገፍ ክረኽቡ፣ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ጸዊዑ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


