እታ 'በሎኽ ዝበለት ኤርትራ' ብግዜ ናጽነት ዝቐረበት ፈላሚት መጽሓፍ

መጽሓፍ 'እታ በሎኽ ዝበለት ኤርትራ'
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኤርትራ፡ ናጻ ምስ ወጽአት ነቲ ሽዑ ዝተቀላቐለ ተስፋ እተንጸባርቕ 'Emergent Eritrea' (እታ በሎኽ ኢላ ዝወጸት ኤርትራ') ብዝብል ኣርእስቲ ፈላሚት መጽሓፍ ተሓትመት።

እቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንፈለማ ግዜ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንቍጠባዊ ብድሆታት ንምግጣም ዝተጋብኡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተወኪሎም ዝመጽኡ 21 ምሁራንን 7 ትካላት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ተሳቲፎም ብዘመንጨውዎ ጽሑፋትን ክትዓትን መሰረት ገይራ እያ ተጻሒፋ።

ሸውዓተ ዓበይቲ ምዕራፋትን 300 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ኰይና፡ ንመጻኢ ዝኣመተ ውጥናትን ሕልምታትን ተስፋታትን ዘቐመጠት መጽሓፍ ሎሚ ድሕሪ 35 ዓመታት'ውን እንተዀነ ዓቢ ምህሮ ዝርከባ መጽሓፍ እያ።

እቲ ሽዑ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቐንዱ ብድፍኢት መራሕቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ (ህዝባዊ ግንባር) ከም ዝተኻየደ ኣሰናዳኢ እታ መጽሓፍ - ፕሮፈሰር ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ - ኣብ መቕድሙ'ኳ የስፍሮ እቶም ኢዶም ዝሓወሱላ ምሁራን ዜጋታት ኣብ ምድላዋ ንኽሳተፉ ዕድል ፈጢሩ እዩ።

ፕሮፈሰር ገብረሂወት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኰይኑ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ንጡፍ ተዋሳኣይ እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ ከኣ ንኤርትራ ንቕድሚት ከሰጕም ዝኽእል ዓይነታዊ ቍጠባዊ ለውጢ ንኽተኣታቶ ምስ ብጾቱ ዝተቓልሰ ምሁር'ዩ።

ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣበርክቶኡ ብልዑል ተወፋይነት ቀጺሉ እዩ።

ኣበርክቶኡ ከኣ እዛ ሕጂ እንዛረበላ ማዕረ ናጽነት ኤርትራ ዕድመ ዘለዋ፡ ኤርትራ ከጋጥማ ዝኽእል ብድሆታትን መፍትሒታቱን እትእምት ሰላሳ ዓመታት ኣብ ከብሒ ዘላ መጽሓፉ ምስክር እያ።

እዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ቍጠባዊ ኵነታት ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ትጽቢት ፈጺሙ ኣይቀራረብን'ዩ።

ፕሮፈሰር ገብረሂወት ከም ብዙሓት ካልኦት ምሁራን ብጾቱ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዓቕሙን ክእለቱን ተመኵሮኡን ከካፍለሉ ዝኽእል ዕድል ኣይተዋህቦን ዝብል ርእይቶ ምሁራት ኣሎ።

ሕጂ ከኣ ኣብ ሽምግልናኡ ጥሮታ ወጺኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይነብር ኣሎ።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ብዙሓት ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምሁራትን ተመራመርትን ዓበይቲ መምህራንን ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ንህዝቦምን ሃገሮምን ከገልግሉ ዓቢ ተስፋ ነይሩዎም እዩ።

ብዙሓት እውን ብፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ተደሪኾም ዋኒኖም ገዲፎም ናብ ዓዶም እናኸዱ ኣበዮ ኣደራሻት ትምህርቲ-ሓዘል ኣስተምህሮታት ከቕርቡ ጀሚሮም ነይሮም'ዮም።

እንተዀነ፡ እቲ ሰናይ ድሌት ምሁራት ብዝተፈለላየ ምኽንያት ምስተዓናቐፈ እቶም ሽግ-ትምህርቲ ሒዞም ንቍጠባ ኤርትራ ካብ መዓሙቝ ኣውጺኦም ንኸሳልይዋ ዕቝር ዓቕሚ ዝነበሮም ዜጋታት ተዋሲኖም ተረፉ።

ታሪኻዊ ዋዕላ ሰለስተ መዓልታት

ቍጠባዊ ጸገማት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዕላማ ናይቲ ካብ 22-24 ሓምለ 1991 - ንሰለስተ መዓልታት - ዝተኻየደ ታሪኻዊ ዋዕላ ቍጠባ ኤርትራ ከጋጥምዎ ዝኽእሉ መሰናኽላት ንምልላይን ብኸመይ ክግጠሙ ከም ዘለዎም ምድላዋት ንምግባርን ዝሕግዝ እዩ ነይሩ።

ኮሚሽን ሕርሻ፡ ኮሚሽን ንግዲ፡ ኮሚሽን ህንጻ፡ ኮሚሽን ፋይናንስ፡ ኮሚሽን ሰንዓ (ፍብረኻ)፡ ስርሓት ባሕርን ወደብን፡ ከምኡ'ውን ክፍሊ ሃብቲ ማይ ተሳተፍቲ ነይሮም።

እቲ ካልኣይ ክፋል ተሳተፍቲ-ዋዕላ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣብ ግዳም ዝነብሩ፡ መብዛሕትኦም ምስ ሓፋሽ ውድባት (ህዝባዊ ግንባር) ምትእስሳር ዝነበሮም ምሁራት ዜጋታት ነበሩ።

ነቲ ኣኼባ ዝኸፈተ ሃይለ 'ድሩዕ' ወልደትንሳኤ - ናይ ሽዑ ምኒስተር ቍጠባ (ሕጂ ግን ምስ ጕጅለ 15 ኣብ መስከረም 2001 ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ምስ ተጨውየ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ነባር ተጋዳላይ) እዩ ነይሩ።

እቲ ወግዓዊ መደረ ዘቕረበ ኸኣ ዋና-ጸሓፊ (ናይ ሕጂ ፕረዚደንት) ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነበረ።

ካብቲ ሃይለ ድሩዕ ዘስምዖ መደረ ንምጥቃስ፡ ብቐዳምነት ንተሓባባርነት 'ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን' ድሕሪ ምምጓስ - ንኣዳለውቲ መደብ ማለት'ዩ - ቍጠባ ሃገር ሰፍ ንምባል ዘድሊ ጻዕሪ ካብቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከም ዘይሰንፍ ኣመተ።

እቶም ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ 'ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን' ተኪኤ ፍስሓጽዮን፡ ወልዳይ ፍጡር፡ ኣስገደ ሓጎስ፡ ኣርኣያ ደበሳይን ሃይለ ስዩምን እዮም ነይሮም።

ቀጺሉ፡ ንቝጠባ ብዘርእዩ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታት ተኻይዶም ከም ዝነበሩ፡ ግናኸ ንቝጠባ ሜዳ ጥራይ ዝምልከቱ ከም ዝነበሩ፡ እቲ ብ'ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን' ኣብ ሓራ ኤርትራ ዝተኸፍተ ሓድሽ ዋዕላ ግን ንቍጠባዊ መሰጋግሮ ዝዓብስን ናይ ነዊሕ ጠመተ ዘለዎ ፈላምን ቀጻልን ኣኼባን ንክኸውን ድሕሪ ምምሕጻን ንዋና-ጸሓፊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድርኽ ንኽመጽእ ዓደሞ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ብሸነኹ ንኣሰናዳእቲ - 'ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን' - ድሕሪ ምምስጋን ኣብ ኣገደስቲ ዝበሎም ወሰነ ወሰን ዕላማ - ከመይ ክኸውን ከም ዝድለ - ዘርዘረ።

"ንዘሎ ዓቕሚ መሚና ንቕድሚት ዘወንጭፉና ሓሳባት ንምስራዕ"፣ "ተመኵሮታት ካልኦት ሃገራት ምጽናዕ"፣ "ንዘለውና ናይ ቍጠባ ምሁራት ዝዕድም መዳያት ምኽዕባት"፣ "ካብ ኣዕሩኽ ኤርትራ ዘድሊ ምኽሪ ንምንዳይ" ተመሳሰልቲ ኣኼባታት ብቐጻሊ ክካየዱ ኣለዎም በለ።

ንሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ፡ መጓዓዝያን መራኸብን መስመራት፡ ዕደና፡ ትምህርትን ጥዕናን ቀዳምነት ብምሃብ ክስርሓሎምን፡ ብግዝያዊ መንግስቲ ተማእኪሎም ዘድሊ ምዕባሌታት ክተኣታተው ክግበር ከም ዘለዎም'ውን ኣአንፈተ።

ናይ ሽዑ ምሕጽንታታት ከመይ ይመስሉ ነበሩ?

ቍጠባ ሃገር ዘመሓይሹ ጕዳያት ከመይ ክዀኑ ከም ዘለዎም - እቶም ሽዑ ዝድለዩ ዝነበሩ ጠለባት ማለት'ዩ - እኳ'ደኣ ብዋና-ጸሓፊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝርዝር ዝቐረቡ መትንታት-ምዕባለ ንኽተኣታተዉ ፈተነታት ተገይሩ'ዶ ወይስ ኣይተገብረን ንምርዳእ ኣብቲ ናይ ሽዑ ምሕጽንታ ተመሊስና ክንርኢ ይግባእ።

እቲ ዋዕላ ብመዳያት ማክሮ ኢኮኖሚክስን ጨናፍሩን - ከም ዝቕባበ ዋጋታት፡ ደረጃ ዋጋታትን ቍጠባዊ ዕብየትን ዘኣመሰሉ ሸነኻት ቍጠባ መርሚሩ'ዩ።

ብተወሳኺ እቶም ዕዱማት ተመራመርቲ ብዛዕባ ልምዓት ዓቕሚ ሰብ፡ ሕርሻን ከባብን፡ ፋይናንስን ባንኪን፡ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ልምዓት ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ህንጸትን፡ ቴክኖሎጂ ... ወዘተ. በብተራ መደረ ኣስምዑ።

ብሓፈሻኡ ድማ እቲ ዋዕላ ኣብዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ረዓመ።

ኣብ ኤርትራ ሕውስዋስ ቍጠባ (mixed economy) ተኣታትዩ ብናይ ህዝብን ብሕታዊ ዋኒንን ክካየድ፡ ሕርሻ ብጥበብን ምዕቡል ኣገባብን ከም ዝሰርሕ ምግባር፡ ዞባዊ ሽርክነት-ንግዲ ክምዕብል፡ ስትራተጂያዊ መቓምጦ ኤርትራ ብግቡእ ምጥቃም፡ ርእሰ-ምርኰሳ ምምዕባል፡ ጻዕረኛ ባህሪ ዜጋታት ኣብ መዓላ ክውዕል፡ ተራ ደቀንስትዮ ክዓዝዝ፡ ቍጠባ ብቕኑዕን ካብ ብልሽውና ዝረሓቐን ብዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክስነ ዝብሉ ነበሩ።

ኤርትራ ንዘሎዋ ዓቕምታት መምያ ንቅድሚት ዘወንጭፍዋ ሓሳባት ብግብሪ ሰሪዓ'ዶ ኣይሰርዐትን?

ተመኵሮታት ካልኦት ሃገራት'ከ ተጸኒዖም ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም'ዶ? ንዘለውና ናይ ቍጠባ ምሁራት ዝዕድም መዳያት 'ከ ኣኻዕቢትና'ዶ? ካብ ኣዕሩኽ ኤርትራ ዘድሊ ምኽሪ ወሲድና'ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ'ዮም።

መልስታቶም ከኣ እዚ ሕጂ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ምስለ-ሓሳብ እዩ ዝምልሶ።

ብተወሳኺ፡ እታ መጽሓፍ ዘስፈረቶም ምሕጽንታታት ኣብ መዓላ'ዶ ወዓለ - ኣብ ኤርትራ ሕውስዋስ ቍጠባ (ብናይ ህዝብን ብሕታዊ ዋኒንን ዝካየድ) ተኣታትዩ'ዶ? ሕርሻ ኣብ ኤርትራ ማዕበለ'ዶ? ኣብ ዞባና ብዞባዊ-ሽርክነት ንግዲ ተመስረተ'ዶ? ጽቡቕ ባህርያት ህዝብና - ሃገራውነት፡ ጽንዓት፡ ምህዞ፡ ጸዓተኛነት፡ ተወፋይነት፡ ልግሲ - ኣብ መዓላ ወዓለ'ዶ? ንዝብል ሕቶታት ብድምር እዚ ሓጺር መብርሂ ክምልሶ ክፍትን እዩ።

መጽሓፍ 'እታ በሎኽ ዝበለት ኤርትራ'

ኣብቲ መጽሓፍ ሓጺር መእተዊ ዝጸሓፈ ነፍስሄር ፕሮፈሰር ተኪኤ ፍስሓጽዮን - ኣቦ መንበር 'ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን' ዝነበረ'ዩ።

ተኪኤ ህርኩት ጸሓፍን ተንታኒ ፖለቲካ ኤርትራን ነበረ።

'ድሃይ' ኣብ ዝበሃል መርበብ ኤርትራውያን ብዕቱብ ዝነጥፍ ዝነበረ፡ ብዙሓት ብማዕዳን ብሃገራውነትን ዝተሓጽሩ ጽሑፋት ብምቕራብ ሓያል ተሰማዕነት ዝነበሮ ክኢላ መጓቲ ነበረ።

ተኪኤ ሓደ ካብቶም ኣብ 'ድሃይ' - ብደገፍቲ መንግስቲ ተዓብሊሉ ዝጕስጕስ ዝነበረ መርበብ ኤርትራውያን - ንመንግስቲ ኣብ ኣካይድኡ መአረምታ ክገብር ብምእማት 'ድምጺ ካልኦት'ውን ምስማዕ የድሊ' - Listening to Other Voices - ብዘርእስታ ነቐፌታዊት ዓንቀጽ፡ "ናይ ተጋደልቲ ጀብሃ ነበርን ሰዓብቶምን ድምጺ ክስማዕ ኣለዎ" ድሕሪ ምባሉ እቶም ንዓራቒ መጐተኡ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ደገፍቲ መንግስቲ ብዳርባ-ውርደት ብቓላት ተሰሃልዎ።

ተኪኤ፡ "ኣብ ዞባና ዘሎ ተኽእሎ ሓድሕድ-ምትሕብባር ንዀስኵስ" ዘርእስቱ ጽሑፍ "ኤርትራን ኢትዮጵያን ብነዊሕን ሃሳይን ውግእ ስለ ዝሓለፋ፡ እቲ ዘሕልፍኦ ሕማቕ ዘመን ሓደ ሓድሽ ክዉንነት ፈጢሩ ስለ ዘሎ ኣብ ሓድሓደን ዝምርኰስ ቍጠባዊ ምጽግጋዕ ክገብራ ይድረኻ'የን" እናበለ ሓያል መጐተኡ ኣቕረበ።

ዶክ. ዮውሃንስ ሃብቱ ብሸነኹ ከም ናይ ተኪኤ ዝመሳሰል መጐተ ሒዙ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘወሃህድ ስርዓተ ቍጠባ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራ ከም ዝጠቕማ ሓበረ።

ዶክ. ዮውሃንስ ብዘመን ሃይለስላሴ ኣብ ምኒስትሪ ሕርሻ ልዑል ሓላፍነት ዝነበሮ በዓል መዚ'ዩ ነይሩ።

ቅድሚ ካብዛ ዓለም ምሕላፉ ብኣተሓሕዛ ቍጠባ ሃገር ብዙሕ ቅሬታ ከምዝነበሮ ቀረብቱ ይምስክሩ።

ርእይቶ ዶክ. ወልዳይ ፍጡር ከኣ ፍልይ ይብል። ንሱ ምስ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገለ ናይ ቁጠባ ኪኢላ እዩ።

ናይ መንግስቲ በዓል መዚ ኸኣ'ዩ።

ቅድም ከም ሓላፊ ሃገራዊ ልምዓት ሃገር፡ ድሒሩ ኸኣ ከም ዳይረክተር ማእከል-ወፍሪ (ኣብ ሕርሻ፡ ዕደና ከምኡ'ውን ትሕተ-ቕርጺ)፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገለ (ጌና'ውን ዘገልግል ዘሎ) ክኢላ'ዩ።

ኣብቲ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ፡ ቅድሚ 34 ዓመት ዝተኻየደ ዋዕላን ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ መጽሓፍን ከም ዝሕብሮ፡ ዶክ. ወልዳይ፡ "ንኤርትራ ዘድሊ ናይ ኢንዱስትርን ንግድን ፖሊሲ ቀያዲ ዘይኰነስ ናብ ናጻ ዕዳጋ ዝቀራረብ ክኸውን ዝሓሸ'ዩ" ክብል መጐተ።

ቀጺሉ "ዓቐናዊ ቀይድታትን (quantitative restrictions) ከምኡ'ውን ንዕብየት ንግድን ኢንዱስትርን ብምሕደራዊ ማሕነቖታት ምእላይ ኣየድልን" ክብል ተኸራኸረ።

ብተወሳኺ ዶር ወልዳይ ፍጡር፡ ብመንግስቲ ዝተኣታተዉ ናይ ጽወና (protection) ዀነ ድጐማ (subsidy) ብዝምልከት ሓያል ጥንቃቐ ክግበረሎም ኣለዎ ክብል ተዛረበ።

ኣብቲ ዘቕረቦ ዝርዝር ከኣ መንግስቲ ንመጠን ሸርፊ ተጠቒሙ - ልዕሊ ዋጋኡ ከይሃበ - ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝተመርኰሰ መስርሕ ክጥቀም ከም ዝግብኦ ኣስሚሩ የጠንቅቕ።

ዶክ. ወልዳይ ፍጡር ዘቕረቦም ለበዋታት መንግስቲ ከም ዘይተጠቕመሎም ግዜ ባዕሉ መስኪሩ 'ዩ።

ብዙሓት ክኢላታት ከም ዝብልዎ ድማ "ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዘጋጠማ ቅልውላው፡ ውጽኢት ግዳማዊ ጸቕጥታት ወይ ሕማቕ ዕድል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ዝተመስረተ ምልካዊ ፖለቲካዊ ቅርጽን ቅዲ ኣመራርሓን ዝነቐለ እዩ" ይብሉ።

እዚ፡ ጸሓፍቲ ዶክ. ኪዳነ መንግስትኣብ (ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ) ከምኡ እውን ዶክ. ዑቕባዝጊ ዮውሃንስ - ኣብታ ብ2005 ዘሕተምዋ "ኣናቶሚ ሓደ ኣፍሪቃዊ ትራጀዲ (Anatomy of An African Tragedy) ዘርእስታ መጽሓፎም ዘርዚሮምዎ እዮም።

ኣብ ብዙሕ ማዕከናት ዜና ደጋጊሞም ዝቐርቡ ምስክራትን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ከም ዝብልዎ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ - ዘይቅዋማዊ ምሕደራ፡ ቍጠባዊ ምዕባለን ርጉእ ዝምድናታት ወጻኢን ከም ዝዳኸም ብምግባሩ፡ ዘይደሞክራስያዊ መንግስቲ - ሓውሲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዘተኣታተወ ስርዓት - ፈጢሩ ክብሉ ይምጉቱ።

ብሓጺሩ፡ እታ 'በለዅ ኢላ ዝወጸት ኤርትራ' ዘርእስታ መጽሓፍ እቲ ብግዜ ናጽነት ኣብ ኤርትራውያን ዓሲሉ ዝነበረ ሕልሚ ብግቡእ'ኳ ትግለጾ እምበር እቶም ሕልምታት ብኸመይ ከም ዝቐሃሙ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብሪሃቶ እያ ይብሉ ነታ መጽሓፍ ዘንበቡ ምሁራት።