ቀጥታ , ሺ ጂንፒንግ ንትራምፕ ብፍሉይ ወግዒ ተቐቢልዎ

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሓቚፉ ዝተቐበሎ፡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ይርከብ። እዚ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ዝካየድ ታሪኻዊ ስሉሳዊ ዘተ እዩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ሩስያ ድሕሪ ፑቲን፡ ኣብ መንጎ ተስፋን ፍርሕን ዘለዉ ቢልዮነራት
  • ዋይን ሩኒ ኣብ ማንቸስተር እንከሎ ነብሱ ከጥፍእ ይሓስብ ምንባሩ ኣቃሊዑ
  • ኣደናቒ ምስጢራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ተኣምራት ጥንቲ ክሳብ ርሱን ዘመናዊ ጂኦ-ፖለቲካ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰዓታት እቶ-እቶን ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስን ተነቢሩ

    ብወገን ባድመ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን

    ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ምልውዋጥ ተዅስን እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓይሊ ዕማም (ኮማንድ ፖስት) ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ "ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ንምሕላው" ብዝብል ኣብ ምንቅስቓስ ሰባትን መካይንን ጽኑዕ ቀይዲ ዘንብር ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

    እቲ ኮማንድ ፖስት ዘውጽኦ ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ጸጥታ ኣዋጅ ከምዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ኣሎ፤

    • ምእካብ ሰባትን ምዝንጋዕን፤ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዝዀነ ይዅን ግዜን ቦታን ሰባት ልዕሊ ኣርባዕተ ኰይኖም ብሓባር ከይንቀሳቐሱ ተኸልኪሉ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ መንእሰያት ተኣኪቦም ዝጻወትዎ ናይ ቢንጎ ጸወታታት ንዘይተወሰነ ግዜ ጠጠው ክብል ተወሲኑ።
    • ናይእግረኛታትሰዓታትእቶ-እቶ፤ ዝዀነ ሰብ ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ-ቐትሪ (ሰዓት 2፡00 ምሸት) ኣብ ጐደናታትን መላእ እቲ ዞባን ክንቀሳቐስ ከም ዘይፍቀድ ተደንጊጉ ኣሎ።
    • ቀይዲመጓዓዝያ፤ ሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ (ባጃጃት)ን ሞተር-ብሽክለታታትን ድሕሪ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ሰዓት 12፡00 ኣጋ-ምሸት) ኣብ ጐደናታት ከይንቀሳቐሳ ምሉእ ብምሉእ ተኣጊደን ኣለዋ።
    • ፍሉይፍቓድዘለወንተሸከርከርቲ፤ መድሓኒት ዝጸዓና መካይንን ናይ ዘይመንግስታውያን ትካላትን (NGOs) ተሸከርከርቲ ብዝተዋህበን ፍሉይ ሕጋዊ መስርሕ ጥራይ ክንቀሳቐሳ ዝፍቀደለን ክኸውን እንከሎ፡ ህይወት ንምድሓን ዝንቀሳቐሳ ኣምቡላንሳት ግን ን24 ሰዓታት ናይ ምንቅስቓስ ምሉእ ፍቓድ ኣለወን።
    • ምምዝጋብኣጽዋር፤ ኵሎም ኣባላት ጸጥታ ኣብ ኢዶም ዝርከብ ዝዀነ መሳርሒ ኲናት ክሳዕ 23 ሕዳር 2026 (14 ሕዳር 2019 ግእዝ) ናብ ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ኣቕሪቦም ከመዝግቡ ተኣዚዞም ኣለዉ። ብሕጊ ዘይተፈቕደ ዕጥቅን በላሕቲ ነገራትን ሒዙ ዝተረኽበ ዝዀነ ውልቀሰብ ይዅን ጕጅለ፡ ተሪር ሕጋዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰዶ ተገሊጹ ኣሎ።
    • ዕደናወርቂጠጠውምባል፤ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ቍጠባዊ ንጥፈታት ብዝምልከት፡ ብመሰረት መንግስቲ ፈደራልን መጕዚት ምምሕዳር ትግራይን ዘውጽእዎ መምርሒ፡ ንዕደና ወርቅን ካልኦት ክቡራት መዓድናትን ዝውዕሉ ማሽነሪታት ስርሖም ንዘይተወሰነ ግዜ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉን ካብቶም ናይ መዐደኒ ስፍራታት ብምሉኦም ክእለዩን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

    እዚ ብሓይሊ ዕማም (ኮማንድ ፖስት) ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተደንገገ ተሪር ናይ ጸጥታ ስጕምቲ፡ ካብ ከተማ ሸራሮ ጀሚሩ ክሳዕ ከባቢታት ቢያራን ዓዲ ክልተን ዝተዘርግሐ ሓያል ወተሃደራዊ ግጥማት ኣብ ዝካየደሉን፡ ኣብ ጥቃ ባድመ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝጸዓነት መኪና ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ሰዓታት እቶ-እቶን ናይ መጓዓዝያ ቀይድን፡ ነቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ኣብ ሸራሮ ተጸጊዑ ዝርከብ ልዕሊ 1,200 ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተወሳኺ ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤

  2. ትራምፕ ናብ ቻይና ቅድሚ ምእታዎም፡ ፑቲንን ሺን ዘተ ጀሚሮም

    ሺ፡ ትራምፕን ፑቲን

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ቻይና ንዝካየድ ዘሎ ዋዕላ እስያ ንምስታፍ ናብ ሸንዘን በጺሑ። ኣብቲ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ክሳተፉ እዮም።

    መራሕቲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምቅናስ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝምልከት ሰለስተኣዊ ዘተ ከካይዱ ትጽቢት ይግበረሎም። ትራምፕ ናብ ቻይና ቅድሚ ምእታዉ፡ ፑቲንን ሺን ዘተ ጀሚሮም ኣለዉ።

    ትራምፕ ሰኑይ ናብ ቻይና ዘምርሕ ጕዕዞኡ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ መንገዱ ትማሊ ናብ ፊሊፒንስ በጺሑ ኣብ ካልእ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ።

    ሎሚ ናብ ቻይና ክኣቱ ትጽቢት ይግበረሉ። ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ምስ ቀዳሞት ምኒስትራት ህንድን ኣውስትራልያን ተራኺቡ።

    ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ፈርዲናንድ ማርኮስ ጁንየር፡ መራሕቲ ሃገራት እስያ ንትራምፕ ምልክታዊ 'ዓወት' ከም ዘጐናጸፍዎ ገሊጹ።

    መራሕቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ሰለስተኣዊ ዘተ ከካይዱ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

    ዎል ስትሪት ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ፑቲን ኵናት ዩክረይን ንምውጋድ ዘተ ክግበር ሓቲቱ።

    ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንምቕናስ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝግበር ሰለስተኣዊ ዘተ ከም ዝድግፍ ሓቢሩ ነይሩ።

    "ብዛዕባ ብዙሕ ጉዳያት ክዝትዩ ምዃኖም ዝገለጸ ትራምፕ፡ "ኵናት ኢራን ንምውጋድ ንጽዕር ኣለና" ክብል`ውን ተሰሚዑ።

    ዋይት ሃውስ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም መራሕቲ ኵናት ኢራንን ዩክረይንን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ኣህጉራዊ ጉዳያት ክዝትዩ እዮም።

    ብወገን ቻይና ግን ብዛዕባ ኣጀንዳታት እቲ ዘተ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን።

    ተወሳኺ፤

  3. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ረቡዕ ክዀነልኩም እናተመነና፡ ቀጥታዊ ፈነወና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም፣ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሓበሬታትን ዜናን ከነቕርበልኩም ኢና።

    ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዉ መደባትና ክትከታተሉ`ውን ንዕድመኩም።