ኣብ ሓንቲ መርከብ ተራእዩ ዘሎ ሕማም 'ሃንታቫይረስ' እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገያሾ ሒዛ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣብ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ለበዳ ሃንታቫይረስ ተኸሲቱ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኣብ ዝተብሃለሉ፡ ኣብታ መርከብ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ካብቶም ገያሾ ሓደ ብሕማም ሃንታቫይረስ ከምዝተጠቐዐ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ጥርጡራት ተወሳኺ መርመራ ይግበር ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ዝርዝራዊ ሓበሬታ" ናይቲ ሓደ ብሃንታቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ንምሃብ ተወሳኺ መርመራታት ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።
እታ ኤምቪ ሆንዱስ ዝተብሃለት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መርከብ ካብ ኣርጀንቲና ተበጊሳ ናብ ኬፕ ቨርደ እያ ተምርሕ ነይራ።
ሃንታቫይረስ እንታይ'ዩ ንዝብል፡ እቲ እንፈልጦ ከነካፍለኩም።
ሃንታቫይረስ እንታይ'ዩ?
ሃንታቫይረስ ኣብ ኣንጭዋ ዝነብሩ ዓይነት ቫይረሳት ኰይኖም፡ ብቐንዱ ካብ ብናን ዝነቐጸ ርስሓት ዝሞታ ኣናጹ ብምስትንፋስ ናብ ደቂ ሰባት ዝመሓላለፍ እዩ።
ማእከል ምክልኻል ሕማምት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃንታቫይረስ ካብ ዝነቐጸ ቀልቀል ኣናጹ፡ ምራቕ ኣናጹን ንሰን ዝፈጥራኦ ርስሓትን ብመልክዕ ብናን ናብ ሰብ ከምዝመላለፍ ይሕብር።
እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ይዅን እምበር ኣናጹ ንሰብ ብምንካስን ብምፍሕጫርን'ውን ናብ ሰብ ከመሓላልፋኦ ይኽእላ'የን።
እቲ ቫይረስ ናብ ሰብ ምስ ኣተወ ከኣ ክልተ ሕማማት ከስዕብ ይኽእል።
እቲ ሓደ ኤችፒኤስ [ሃንታቫይረስ ፓልሞናሪ ሲንድሮም] ዝብሃል ኰይኑ ብረሸሽታ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ጀሚሩ ናብ ሕማም ርእሲ፡ ጽርውሩው፡ ገብገብታን ሕማም ከስዐን ከስዕብ ይኽእል።
እዚ እናበርተዐ ምስ ከደ ናብ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ብምስጋር ናይ ሞት ተኽእሎ ናብ 38 ምእታዊት ክብ ከብሎ ይኽእል።
እቲ ካልኣይ ሕማም፡ ሄሞራጂክ ፊቨር ዊዝ ረናል ሲንድሮም (HFRS) ዝብሃል ኰይኑ፡ ዝያዳ ከቢድ ኰይኑ ብቐንዱ ሕማም ኵሊት ዘስዕብ'ዩ።
ኣብዚ ዳሕረዋይ ሕማም ትሑት ጸቕጢ ደም፡ ውሽጣዊ ምፍሳስ ደምን ክሳብ ንዅሊት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብር ዝኽእል ሕማማት ከስዕብ ይኽእል።
ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ክንደይ ዝዀኑ ሰባት በዚ ሕማም ይጥቅዑ?
ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት 150 ሽሕ ብሕማም ሄሞራጂክ ፊቨር ዊዝ ረናል ሲንድሮም (HFRS) ይጥቅዑ።
እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ከኣ ካብ ኣውሮጳን ኤስያን ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብቐንዱ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ግዳያት ካብ ቻይና ምዃኖም ናሽናል ኢንስትቱት ኦፍ ሄልዝ ይሕብር።
ኣመሪካ፡ እዚ ሕማም ኣብ 1993 ካብ ዝርአ ክሳብ 2023 ኣብ ዝሰነደቶ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር 890 ግዳያት ከም ዝተረኸቡ ገሊጻ።
እንተዀነ ሓደ ካብ ዓይነት እቲ ቫይረስ ዝዀነ ብኣናጹ ኖርዋይ ዝብሃላ ኣናጹ ዝመሓላለፍ [ብራውን ራትስ'ውን ይብሃላ'የን] ስዮል ቫይረስ ግን ኣብ ኣመሪካ ትርከበን ዳርጋ ኵለን ሃገራት ይረአ'ዩ።
ብኸመይ ክፍወስ ይኽእል?
ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ንለበዳ ሃንታቫይረስ ንምፍዋስ ዝውዕል መድሃኒት ይዅን ንምክልኻሉ ዝተሰርሐ ክታበት የለን።
ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ግን ነቶም በዚ ቫይረስ ዝስዕቡ ሕማማት ንምፍዋስ ከም መካኒካል ቨንቲለሽን [ንምስትንፋስ እትሕግዝ ማሽን]፡ መድሃኒት ጸረ-ተላባዒ ሕማማታን ምሕጻብ ኵሊትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል'ዩ ዝመክር።
እቶም ኣዝዩ ዝበርተዖም ግዳያት ከኣ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ኣትዮም ክሳብ ንምስትንፋስ ክሕግዞም ዝኽእል ቱቦ ብጎረረኦም ክኣትዎም ከምዘለዎ'ዩ ሲዲሲ ዝሕብር።
ብተወሳኺ ካብዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል ሰባት ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ስራሕ ንኣናጹ ዘለዎ ተቓላዕነት ከወግዱ ከም ዘለዎም ሲዲሲ ይመክር።
ኣናጹ ኣብ ዝሰፍራሉን ቀልቀለን ኣብ ዝወጽኣሉን ቦታ ከነጸሪ እንከለና ከኣ ኣፍንጫና ብግቡእ ክንሽፈንን ከም ጓንቲ ዝኣመሰለ መከላኸሊ ክንጥቀምን ኣለና።
ኣብ ቀረባ ግዜ ብሃንታቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ነይሮምዶ?
ኣብ ለካቲት 2025 ብዓልቲ ቤቱ ንዕዉት ኦስካር ተዋሳኣይ ገን ሄክማን ዝዀነት ቤትሲ ኣራካዋ፡ ብሃንታቫይረስ ብዝሰዓበ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ሞይታ።
ብዝተገበረ መርመራ ሞታ በቲ ኣብ ኣመሪካ ብብዝሒ ዝርአ ኤችፒኤስ ዝብሃል ብሃንታቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ከም ዝተኣሳሰር ክረጋገጽ ክኢሉ።
ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ሰፈር ኣናጹን ዝሞታ ኣናጹን ብብዝሒ ተረኺበን።
ፖሊስ ብዝገበሮ መርመራ'ውን ቤትሲ ኣራካዋ ቅድሚ ምማታ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ብዛዕባ ሰዓልን ምስ ኮቪድ ዝተኣሳሰር ምልክታታትን ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት ትፈታትሽ ምንባራ ከረጋግጽ ክኢሉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


