ስምምዕ ኢራን ንፖለቲካዊ መጻኢ ናታንያሁ ከም 'ዘባህርር ሕልሚ' ድዩ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን ዝገበረቶ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ንሰለስተ እምነ-ኵርናዓት ፖለቲካዊ ህይወት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብምሕቋን፡ ኣብ ሓደገኛ ወጥሪ ኣቐሚጡዎ ኣሎ።

እዚ ድማ ንዓኡ ኣብ ሓድሽ ናይ ድሕነት ቅልውላው ከም ዝቝረን ገይሩዎ ይርከብ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎን ምስ ዋሽንግተን'ውን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎን ገይሩ ንነብሱ ዘላሊ ዝነበረ ናታንያሁ፡ በታ ቀንዲ መሻርኽቱ ዝዀነት ኣመሪካ ብኸምዚ ዝበለ ኵለመዳያዊ መንገዲ ክግለልን ብግህዶ ክዋረድን ከመይ ኢሉ ይኽእል?

እቲ ንመጥቃዕቲ ኢራን ከም ቀንዲ ዛዕባ ፖሊሲ ድሕነት እስራኤል ገይሩ ሒዙዎ ዝነበረ መራሒ፡ ምስ ስርዓት ኢራን ዝነበረ ውግእ፡ እቲ ስርዓት ካብ ዝነበሮ ንላዕሊ ዓንቲሩ ነቲ ኵነታት ክዛዝሞ ምኽኣሉስ ከመይ ኢሉ ይኸውን?

ሓፈሻዊ መረጻ እስራኤል ንምክያድ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሕዝቦላህ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ከተቋርጽ ዘቕረብኦ ጠለብ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነቲ ከም "ናይ ድሕነት መራሒ" ዝሰኣሎ ፖለቲካዊ ምስሉ ከመይ ገይሩ ክከላኸለሉ ይኽእል?

ኣብዚ እዋን ኣብ ቅድሚ ናታንያሁ ተገቲሮም ዘለዉ ኣማራጺታት ጽቡቓት ኣይኰኑን።

መራሒ ተቓውሞ ያኢር ላፒድ ሰኑይ ኣብ ክነሰት (ባይቶ እስራኤል) ከምዚ ክብል ኣጠቓሊሉዎም ኣሎ፤ "ምስቲ ዝዓበየ መሻርኽትና ቀጥታውን ኣዕናውን ግጭት ምእታው፡ ወይ ድማ ንረብሓታት እስራኤል ጐሲኻ ኢድካ ምሃብ።"

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ናታንያሁ ሰንበት ኣብ ልዕሊ በይሩት መጥቃዕቲ ክእዝዝ ከሎ "ምስትውዓል ኣይነበሮን" ክብል ዝሃቦ ሓያልን መሪርን ነቐፌታ፡ ብፖለቲካውያን መናሓንሕቱን ተንተንቲ ዜናን ዓቢ ቈላሕታ ረኺቡ ኣሎ። እዚ ኵሉ ዝኸውን ዘሎ ድማ ቅድሚ መወዳእታ ጥቅምቲ ዝካየድ መረጻ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ካብቶም ኣብ ሰልፊ ሊኩድ ዝርከቡ ኣባላቱን ኣብ መንግስታዊ ኪዳኑ ዘለዉ የማናውያን ኣኽረርቲ ምኒስተራትን ዝተዋህበ ርእይቶ'ውን፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ወገን ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጢ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እዚ ጸቕጢ እዚ ብፍላይ ምስቲ ቴህራን "እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንሊባኖስ ሓዊሱ ኵሉ ግንባራት ዝሽፍን ክኸውን ኣለዎ፡" ብምባል ዘቕረበቶ ጠለብ ዝተኣሳሰር እዩ።

"እቲ ናይ ትራምፕ ስምምዕ ንዓና ኣየገድደናን እዩ፡" ክብል የማናዊ ኣኽራሪ መርገጺ ዘለዎ ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ፤ "ንሕና ኣካል ናይዚ ንውሕስነት ድሕነትና ዘየረጋግጽ ስምምዕ ኣይኰንናን፡" ኢሉ።

"እስራኤል ነብሳ ንምክልኻል ክትቅጽል እያ፡" ክብል ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊኩድ ዝዀነ ኣሪኤል ካልነር ገሊጹ። ይዅን'ምበር፡ እስራኤል መጥቃዕትታታ ክትቅጽል እያ ማለት ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ኣይነጸረን።

"ክንገብሮ ዝግብኣና ክንገብር ኢና። መሓዙትና እውን ክርድኡና ንጽበ፡" ኢሉ።

"ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ፈተውቲ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ይኽእል እዩ፤ መሓዙት ኪዳን'ውን ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉ እዋን ንመሓዙቶም ክርድኡሎም ይግባእ።"

ብዓልቲ ስልጣን ሞሳድ ዝነበረትን ክኢላ ጉዳያት ኢራንን ዝዀነት ሲማ ሻይን ከምዚ ትብል፤ "ኣመሪካውያን ነዚ ስምምዕ ስለምንታይ ከም ዝተቐበልዎ ክርድኣና ኣይከኣለን።

ኣመሪካ ንኢራን ኣብ ጉዳይ ሊባኖስ ክትውስን ዕድል ብምሃባ፡ ኢራን ንሕዝቦላህ እትገብሮ ደገፍ ንኽትቅጽልን ሕዝቦላህ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ሊባኖስ ዓቢ ተዋሳኢ ኰይኑ ክቕጽልን መንገዲ ትኸፍተላ ኣላ።"

"እስራኤል በዚ ነገር እዚ ኣይተሓጐሰትን - እቲ ናይ ጸጥታ ይዅን ፖለቲካዊ መዋቕራ በዚ ውሳነ እዚ ዕጉብ የሎን፡" ኢላ።

ኣብ መንጎ እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ወገናት ዝውሕዝ ዘሎ ነቐፌታን ቍጥዐን፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ሰኑይ ምሸት ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ "ፈሺሉ እዩ" ዝብል ነቐፌታ ብሕርቃን ነጺጉዎ።

ኣብ ኢዮሩሳሌም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ካብ ዕድመ ብጽሕናይ ኣትሒዘ ዝበዝሐ ክፋል ህይወተይ ንሓደ ዕላማ እየ ወፍየዮ - ንሱ ድማ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይትዓጥቕ ምክልኻል እዩ፡" ኢሉ።

"ክንገብሮ ዝግብኣና ኵሉ ክንገብር ኢና። ኣብዚ ዕላማ እዚ ንነብሰይ ብዝዀነ መንገዲ ኣይክድርታን እየ፤ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣይክትውንንን እያ።"

እንተዀነ፡ ንሱን ትራምፕን ንነገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝርእይሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ'ውን ኣሚኑ ኣሎ።

"ኣብቲ ዝተገብረ ዘተታት ርእይቶይ ገሊጸ እየ። ኰይኑ ግና ናትና ረብሓታት ኣሎና፤ ቀዳማይ፡ ዝዀነ ይዅን ናይ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ስግኣት ክህሉ የብሉን፣ ካልኣይ፡ ኣብ ሊባኖስ መከላኸሊ ዞባ ፈጢርና ኣለና፡ ክሳዕ ዘድሊ ድማ ኣብኡ ክንጸንሕ ኢና፡" ኢሉ።

"ኢራን ክንወጽእ እያ ደልያ - እዚ ግን ኣይኰነን። ስለምንታይ ከም ዘይኰነ ትፈልጡ ዲኹም? ምኽንያቱ ኣነ ጸኒዐ ስለ ዝቘምኩ እዩ። እቶም ኣመሪካውያን መሓዙትና ነዚ ጽንዓትና የኽብሩዎ እዮም። ንሕና'ውን ወተሃደራዊ ናጽነትና ኣብ ምክልኻል ንጽናዕ - እንተ ተጠቒዕና ወይ ስግኣት እንተ ኣንጸላሊዩና፡ ምላሽ ክንህብ ኢና።"

ዓወት ንምእዋጅ ህንጡይ ዝዀነ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል፡ ሕጂ ግን ቀጻሊ ስጕምቱ ንምውሳን ከቢድ ፈተና ገጢሙዎ ኣሎ።

ድሕነትን ጸጥታን ንዓሰርተታት ዓመታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ናታንያሁ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ሕጂ ንምትሕልላፍ ግን ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ንዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንናይ እስራኤል ፖሊሲ ድሕነት ናብ ዝያዳ ሓያልን መጥቃዕታውን ኣገባብ ምቕያር ነይሩ፤ እዚ ድማ ስግኣታት ካብ ምዕቃብ ሰጊሩ ብቕድመ-ንጥፈት ምፍሻል ዝዓለመ እዩ።

ነቲ ቅልውላው መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ፡ ስግኣታት እስራኤል ብምውጋድ ንማእከላይ ምብራቕ ምቕያር ዝብል ሓሳብ እዩ።

እንተዀነ፡ ሓይልታት እስራኤል ንመብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ እኳ እንተ ኣዕነዉን ብመሰረት እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ልዕሊ 73,000 ሰባት እንተ ተቐትሉን፡ ሓማስ ሕጂ'ውን ፍርቂ ካብቲ ዞባ ይቈጻጸርን ጽልዋኡ የሐድስን ኣሎ።

እዚ ኵሉ ዝኸውን ዘሎ ድማ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝገብሩ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ከሎ፡ እቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝቐረበ ናይ ሰላም መደብን ብኣመሪካ ዝምዘዝ ምምሕዳር ቓዛን ኣብ ዘይተወሰነ ኵነታት ተንጠልጢሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።

እቲ ናታንያሁ ዝተጠቕመሉ ሓድሽ ናይ ድሕነት ኣገባብ፡ ሰራዊት እስራኤል ሰፊሕ ከባቢታት ቓዛ፡ ሊባኖስን ሶርያን ተቘጻጺሮም ክጸንሑ ገይሩዎ ኣሎ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ብሓያሎ እስራኤላውያን ተቐባልነት ዘለዎን ቅድሚ መረጻ መኽተያ ክግበረሉ ዘይሕሰብን እንተዀነ፡ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ እስራኤልን ተጠባበቕቲ ሓይልታትን ግን ክሳብ ደረት ዓቕሞም ይፍትኖም ኣሎ፤ ብዘይካ'ዚ ድማ ካልእ ግልጺ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ መዋጽኦ መንገዲ የሎን።

ምስ ሕዝቦላህን ስርዓት ኢራንን ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ውግኣት፡ ነቶም ቀንዲ ጸላእቲ እስራኤል ካብ ሱሮም ክምንቍስ ኣይከኣለን፤ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ቴህራን ብዝያዳ ጽኑዓትን የማናውያንን መራሕቲ ክትመሓደር ገይሩዋ ኣሎ። እዚኦም ድማ ንሓይሊ ኣመሪካን እስራኤልን ብዙሕ ዘይፈርሑን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎምን እዮም።

ሕጂ እቲ ቀንድን ሓያልን ጸላኢ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቀንዲ መሻርኽቲ እስራኤል ዝዀነት ሃገር ጽልዋ ዘለዎ ኰይኑ ይርአ ኣሎ።

"እስራኤል ዘጋጠማ ስዕረት ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣካይዳ ዳግማይ ክትግምግሞ ይሓታ። እስራኤል ዝያዳ ክውንነታውን ውሱን ቀዳምነታትን ክትነድፍ ኣለዋ፡" ክብል ኣብ ትካል ሃገራዊ መጽናዕቲ ድሕነት እስራኤል ላዕለዋይ ተመራማሪ ጉዳያት ኢራን ዝዀነ ዳኒ ሲትሪኖዊች ገሊጹ።

'እስራኤል ሃዮም' ንዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ዝዀነ ይዅን ዋሽንግተን ከም ምዝራግ ስምምዕ ገይራ እትወስዶ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እስራኤል፡ ካብ ኣመሪካ ሓያል ምላሽ ከም ዘምጽእ ይግመት፡" ኢሉ።

"ከምቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ፡ በንያሚን ናታንያሁ ንዋሽንግተን ብምንጻግ፡ ኣብ ኮንግረስን ህዝባዊ ርእይቶ ኣመሪካን ደገፍ ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ኣማራጺታት ዳርጋ የለዉን።"

ናታንያሁ ንእስራኤላውያን መረጽቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጐስጓስ፡ እቲ ናቱ ፖሊሲታትን ፖለቲካዊ ክእለትን ካብቶም ዞባውያን ስግኣታት ዝከላኸለሎም ብሉጽ መንገዲ ምዃኑ እዩ ነይሩ፤ ኰይኑ ግን እቲ ቃል ሕጂ ብዘጋጥሙ ዘለዉ ፍጻመታት ይዝረግ ኣሎ።

ኣብ ኢራን ለውጢ ስርዓት እንተ ዝመጽእ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ምስሉን ናይ መረጻ ጎስጓሱን ካብ ውድቀት ከድሕኖ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን፡ እቲ ሓድሽ ናይ ድሕነት ኣገባብ፡ ምስ ጸላኢ ዘይኰነስ ምስ መሻርኽቱ ኣብ መንጎ ግጭት ወይ ድማ ኢድካ ምሃብ ክመርጽ ከም ዝግደድ ገይሩዎ ኣሎ።