ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓመት 600 ቶን ወርቂ ዘጻሪ ፋብሪካ ስራሕ ኣጀሚሩ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓመት ካብ 600 ቶን ንላዕሊ ክቡራት ማዕድናት ዘጻሪ ፋብሪካ ኣጀሚሩ

ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቦሌ ለሚ ፍሉይ ቍጠባዊ ዞባ ዝተሃንጸ መጻረዪ ፋብሪካ ክቡራት ማዕድናት ስራሕ ከም ዘጀመረ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቀዳም 10 ጥቅምቲ 2026 (30 መስከረም 2019 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ስራሕ ዘጀመሮ እዚ ፋብሪካ፡ ኣብ ዓመት ካብ 600 ቶን ንላዕሊ ክቡራት ማዕድናት ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ሳም ፕሬሺየስ ሜታልስን ብዝተገብረ ስምምዕነት ኣብ ቦሌ ለሚ ፍሉይ ቍጠባዊ ዞባ ዝተሃንጸ እዚ ፋብሪካ፡ ንኢትዮጵያ "ብመዳይ ምጽራይ ክቡራት ማዕድናት ዞባዊ ማእከል ንምግባር" ከም ዘኽእል ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ሎሚ ቀዳም ብዕሊ ስራሕ ምጅማሩ ዝተገለጸ ሃገራዊ ትካል መጻረዪ ክቡራት ማዕድናት፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ነቲ "ገፊሕ ዕዳጋ ምብራቕ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ ኣፍሪቃን" ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ "ኣብ ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ተኣማንነት ዘለዎ ናይ ምጽራይን ምምርማርን ኣገልግሎት" ከም ዝህብ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኩባንያታት ማዕድን፡ ወርቀን ካብቲ ኣህጉር ወጻኢ ምልኣኽ ከየድለየን "ንምጽራይ፡ ንመረጋገጺ ምስክር ወረቐት፡ ንተወሳኺ ዋጋን ንመሸጣን" ናብ ኢትዮጵያ ከም ዘምጽኣ ከም ዝገብር ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ዋጋ ንምውሳኽን ንጽላት ማዕድን ኢትዮጵያ ንምሕያልን ኣበርክቶ ከም ዝገብር እውን ብተወሳኺ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣስዒቡ፡ ምጅማር ስራሕ ናይዚ ፋብሪካ ነቲ ካብ ሰደድ ንግዲ ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ፡ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፡ ንኢንዱስትሪ ስልማት ንምድጋፍን ተወዳዳሪ ዝዀነ ዋጋ ወርቂ ንምህናጽን መንግስቲ ብትግሃት ይሰርሕ ምህላዉ ከም ዘርኢ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ማዕድን ምውጻእ ክሳብ ምስግጋር ኢንዱስትሪ፡ ዝለዓለ ዋጋ ንፈጥር ኣለና ክብል እውን ኣብ ዕላዊ ገጹ ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ነቲ መጻረዪ ወርቂ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ከም ዝተዛረቦ፡ ጥረ-ነገር ሰዲድካ ውጽኢታዊ ፍርያት ምእታው ንምትራፍ መንግስቱ ንዝሓዞ መደብ ስዒቡ እቲ ፋብሪካ ከም ዝተሃንጸ ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5.6 ቢልዮን ዶላር ዘውጽእ ወርቂ ናብ ወጻኢ ከም ዝሰደደት ዘዘኻኸረ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "እዚ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ቅድሚ ሕጂ ተፈጢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እንተወሓደ 10 ቢልዮን ክኸውን ይኽእል ነይሩ፡" ክብል ኣረዲኡ።

ሓደ ኪሎ ወርቂ ካብ ኢትዮጵያ ክልኣኽ "ከም ወርቂ ኣይውሰድን [ኣይቍጸርን]" ዝበለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ መጀመርታ ምጽራይ ተገይሩሉ ካብኡ "እንተበዝሐ 70 ሚእታዊት እዩ ወርቂ ዝበሃል፡" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ 30 ሚእታዊት ዝኣክል ከም ጐሓፍ ዝድርበ ይኸውን ክብል ዘብረሀ ኣቢይ፡ "እንተዀነ፡ እቲ ጐሓፍ ተባሂሉ ዝድርበ ብሩር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ካልኦት ክቡራት ማዕድናት እውን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፡" ክብል ዘለዎ ረብሓ ኣረዲኡ።

ቅድሚ ሕጂ ህንጸት ፋብሪካ ድዅዒ ምጅማሩ ዘዘኻኸረ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብዘን ዝመጻ ሓሙሽተ ዓመታት ኢትዮጵያ "ጥረ-ነገር እናሰደደት ምሉእ ፍርያት ምእታው እተቋርጸሉ ዘመን ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።

እዚ ኣብ ሰደድ ንግድና ብልዑል ደረጃ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ወርቂ እውን "ካብ ዕጽፊ ዘይንእስ ወሰኽ ዋጋ" ከም ዝህልዎ ተዛሪቡ።

ወርቂ ተጻርዩ ክልኣኽ ዝሓሸ ዋጋ ከም ዝህልዎ ብምርዳእ፡ ካብ ኢትዮጵያ ኰነ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈሪ ወርቂ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምምጻእ ናይ ምጽራይ ስራሕ ከም ዝካየድ እውን ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ መጻረዪ ወርቂ ምህናጻ ብምሕባር፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ማዕድናት እናመጸ ክጻረ ይኽእል እዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ሕጂ ዝሃነጸቶ መጻረዪ ወርቂ "ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ቀዳማይ እዩ፡" ዝበለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፣ ኣብ ዓመት ክሳብ 80 ቢልዮን ዶላር ናብ ወጻኢ ምልኣኽ ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

"እዚ መጻረዪ ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ዓመት ክሳብ 80 ቢልዮን ዶላር ሰደድ ንምግባር ዘኽእል እዩ።"

ሓያሎ ሓይሊ ሰብ ቅድም ኢሉ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተላኢኾም ሰልጢኖም ምምጻኦም ዝተዛረበ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ መብዛሕትኡ ብኢትዮጵያውያን ዝመሓደር ፋብሪካ ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

ምስ ኢትዮጵያ ብ49 ሚእታዊት ብሽርክነት ዝሰርሕ ሳም ፕሬሺየስ ሜታልስ ኩባንያ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሓ ክልተ ወይ ሰለስተ ኩባንያታት ሓንቲ ምዃና ክብል እውን ኣብርሂ።