እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ዘለዉ ምዕባለታት እንታይ ይመስሉ?
ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝለዓል እነሆ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓሊፉ ኣሎ።
23 መስከረም 2026 ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ምስተቘጻጸረ፡ ኣብቲ ክልል ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝዳወቡ ከባቢታት እዩ ውግእ ተላዒሉ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተለዓለ ግጭት ስዒቡ፡ ሰበስልጣን ዞባ ዓፋር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ከምዝኣተዉ ገሊጾም ነይሮም።
ብተወሳኺ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ናብ መቐለ ምስ ኣተዉ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ረቡዕ 7 ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ዝሓበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም እዮም።
ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝገለጽዎ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ብከተማ ዓዲ-ግራት ኣቢሎም ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ክልል ክሰግሩ ተራእዮም እዮም።
ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን
ሓሙስ 1 ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወቶ ብምሕባር፡ ንዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ንሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘውድቕ ንጥፈታት ተዋፊሮም ብምባል፡ 'ዘይተደለይቲ ሰባት' (persona non grata) ክትብል ኣዊጃ።
ኣስማት ናይቶም ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ብወግዒ ኣይተገልጸን።
ኤርትራ ብወገና ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምሉእ ብምሉእ ብምብታኽ ግብረ-መልሲ ሂባ፤ ነቲ ብኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ ምትዅታዃት ብትዕግስቲ ክትሓልፎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ግን ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ገሊጻ፤ ብእኡ ኣቢላ ድማ ነቲ ኣብ 2018 ዝተመልሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ መኽተያ ገይራትሉ'ላ።
ድሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፡ እቶም መሰረታውያን ዛዕባታት ሕጂ እውን ኣብ ጉዳይ ዶባት፡ ልዑላውነት፡ ኣፍደገ-ባሕሪ፡ ጸጥታን ሚዛን ሓይሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተሰረቱ ኰይኖም ይቕጽሉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ግንቦት 1993 ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲኦም መንግስታት ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምምስራት ኣብ ርእሰ-ከተማታት ሕድሕድ ኤምባሲታት ከፊቶም።
ካብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ናብ ናጽነት ንኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወከለን፣ ከም ወኪል ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ደሓር ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ሃይለ መንቀርዮስ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣውዓሎም ወልዱ ብቐዳምነት ዝዝከሩ እዮም።
እተን ቀዳሞት ዓመታት ብሰፊሕ ቍጠባውን ማሕበራውን ውህደት ዝተለለያ ነይረን። ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ምጥቃም ቀጺላ፣ ምንቅስቓስ ዶባት ብተዛማዲ ክፉት ነይሩ፣ ክልቲኦም መንግስታት ድማ ድሕሪ ናጽነት ምትሕብባር ዝመልኦ ዝምድና ቀጺሎም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ ዘይተፈትሑ ሕቶታት ዶብን ኣብ ልዕሊ ቍጠባዊ ስርዓታት ዝነበረ ዘይምስምማዓትን ነቲ ዝምድና እና'ሻሕከሮ ከይዱ።
ምትእትታው ባጤራ ናቕፋ ኤርትራ ኣብ 1997ን መዕለቢ ዘይተገብረሎም ግዝኣታዊ ክትዓትን፡ ኣብ ዶባት ክርኣዩ ዝጀመሩ ምዕባለታትን ነቲ ንዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰናይ ድሌት ተኸዊሉ ዝነበረ ወጥርታት ንግዳም ኣውጺኡዎ።
እቲ ምስሕሓብ ኣብ ግንቦት 1998፡ ኣብ ከባቢ እታ ኣካታዒት ዝነበረት ባድመ ውግእ ምስ ተወልዐ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ።
እቲ ኲናት ኣብ 2000 ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን፡ እቲ ነተን ቀዳሞት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዘለልየን ዝነበረ ሩፍታን ተስፋን፡ ብናይ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ስትራተጂያዊ ንሕንሕን ተተኪኡ ነይሩ።
እንተዀነ ክልቲአን ሃገራት ካብ 2000 ክሳዕ 2018 ኣብ ኵነታት 'ኣይሰላም ኣይኲናት' እየን ጸኒሐን።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምያዝያ 2018 ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ሓደ ወሳኒ ነጥበ-መቐይሮ ተፈጥረ።
ኣብ ሰነ፡ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ብይን ዶብ- ምሉእ ብምሉእን ብዘይቅድመ ኵነትን ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ። እዚ ውሳነ ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ምኒስተርን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስን ቀጥታዊ ርክብን ዘተ ንኽካየድ መንገዲ ጸሪጉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓምለ 2018 ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ብምኽታም፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብወግዒ መሊሶምዎ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ዝምድና ብኻልእ መንገዲ ቀዪርዎ።
ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ህወሓት ናብቲ ውግእ ኣትያ፤ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እተን ተጻባእቲ ዝነበራ ሃገራት ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈጢሩ።
ድሕሪ ግጭት ትግራይ፡ እቲ ዝምድና ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋናቱ ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያታት እናተዳኸመ ከይዱ።
ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ጸጥታ፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ምዕባለታትን ዝተላዕሉ ምስሕሓባት፡ ተመሊሶም ምንጭታት ምትፍናን ዘይምትእምማንን ኰይኖም።
ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ስትራተጂያዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ቀንዲ ትረኻ እታ ሃገርን መራሕታን እናዀነ፡ ኤርትራ ድማ ነቲ ኣብ ዙርያ ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ዝግበር ዘረባታት ብመንጽር ሉኣላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ሰበብ ሓድሽ ኲናትን ምትዅታዅን ገይራ ክትርእዮ ጀመረት።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንሶማልያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ስዑድያን ኢማራትን ዘሳተፈ ተለዋዋጢ ምሕዝነታት፡ ነቲ ተኣፋፊ ዝነበረ ዝምድና ተወሳኺ ሕልኽላኽ ወሲኹሉ።
ኤምባሲታት ክልቲአን ሃገራት ክፉታት ኰይነን እኳ እንተ ቐጸላ፡ እቲ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ግን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ዘይምትእምማን እዩ ብዝያዳ ዘንጸባርቕ ነይሩ።
እዋናዊ ኵነታት ሰራዊት ኤርትራ
እቲ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስዒቡ፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ካብ መቐለ ከም ዝወጽአን ዕጥቃዊ ቃልሲ 'ካብ ካልእ' ከባቢታት ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ዓዲግራት ከምዝተረኣዩን ኣብዚ ሰሙን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራ ቅሉዕ ወረራ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ግዝኣቱ ኣትዮም ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ለቒቖም ክወጹ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ተለዋዋጢ እዋን እዩ።
ምኒስተር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ እናታለም መለሰ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ "ኵሎም ወተሃደራዊ ሓይልታት ሃገራት ወጻኢ፡ ግዝኣት ኢትዮጵያ ለቒቖም ክወጹ ኣለዎም" ክትብል ንብሉምበርግ ገሊጻ።
እዚ መግለጺ፡ ነቲ ቢቢሲ ሓዊሱ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ክብሉ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ዝህብ ወግዓዊ መረጋገጺ መንግስቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ይሳተፍ ምህላዉ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምሕባሩ ይዝከር።
ብመሰረት ጸብጻባት ዓይኒ-መሰኻኽርን ዞባውያን ተዓዘብትን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ረቡዕ 7 ጥቅምቲ 2026 ጀሚሮም ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ናብ መዳውብቲ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ።
ካብ ርእሰ-ከተማ መቐለ 115 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ድማ 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ሓያሎ መኻይን ተጻዒኖምን ብእግሮምን ክሓልፉ ከለዉ ከም ዝተዓዘቡ ኣረጋጊጾም።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ፈደራል ዝተሰለፈ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ" ዝተባህለ ጕጅለ ዝመርሕ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ከቢድ ኣጽዋር ዓጢቑ ናብቲ ክልል ከም ዝኣተወ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ተዛሪቡ ኣሎ።
ዕጥቃዊ ግጭታት ዝከታተልን ዝስንድን ትካል 'ኣክለድ' (ACLED) ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብወገን ዛላምበሳ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ መስመር ዓዲ-ግራት ናብ ዕዳጋ-ሓሙስ እናተጓዕዙ እንከለዉ 'ጉዓዳ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸሞም ኣቃልዑ ኣሎ።
እዚ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝስማዕ ዘሎ፡ እቶም ንክልል ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ዝነበሩን ብኤርትራ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎምን ሓይልታት ህወሓት ንመቐለ ለቒቖም ድሕሪ ምውጻኦም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምዃኑ ቆላሕታ ዝስሕብ እዩ።
ብኣንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ብትሪ ነጺግዎ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሰደደቶ መልእኽቲ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራ ቅሉዕ ወረራ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ግዝኣቱ ኣትዮም ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ለቒቖም ክወጹ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሰደደቶ መልእኽቲ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ወራር ከምዝፈጸመት ብምግላጽ ብዘይካ ንነብሳ ምክልኻል ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብላ ንሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቓ ኣላ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ፡ ንህሉው ኵነታት ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምእታዉ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ሰሙን ኣብ ዝመልኣሉ ግዜ እያ ነቲ ደብዳበ ብረቡዕ 7 ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታ ልኢኻ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከባቢ ዓዲግራት ምእታዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊኣ ዘይምኽኑይ ኲናት ኣብ ምእዋጅ ከምዝጸንሐ ብምኽሳስ እያ ምላሽ ሂባ።
ኣስመራ፡ ነቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ስምዕታ ብምንጻግ፡ ኢትዮጵያ "ንመሰረታዊ መትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብምጥሓስ" ሓይሊ ከምእትጥቀም ከተፈራርሕ ጸኒሓ ትብል።
"ስርዓት ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኣባል ሃገር ሓይሊ ምጥቃም ወይ ምፍርራሕ ዝኽልክል መሰረታዊ መትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብቕሉዕ ብምጥሓስ ኣንጻር ኤርትራ ዘይምኽኑይ ኣዋጅ ኲናት ክኽተል ጸኒሑ" ይብልቲ ብመገዲ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝተዋህበ ምላሽ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘውጽኣኦ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ 'ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት'
ኣመሪካ፡ ትካላት ወተሃደራዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበረ ጸብጻባት መጥቃዕቲ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ብምጥቃስ፡ ዜጋታታ ብፍላይ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከይጓዓዙ ኣጠንቂቓ።
ነቶም ድሮ ኣብ ገለ ክልላት እታ ሃገር ዝርከቡ ድማ ውሑስ እንተዀይኑ ካብቲ ቦታ ክወጹ ጸዊዓ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ክካየድ ዝኽእል መጥቃዕትታት ነዊሕ ርሕቀት ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዝፈለጠ ብምግላጽ፡ ኣመሪካውያን ጥንቃቐ ክገብሩ መኺሩ።
ዜጋታት ኣመሪካ "ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት" ናብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ክጓዓዙ ከም ዘይብሎም እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ።
ነቶም ድሮ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ዘለዉ፡ ኵነታት ዘፍቅድ እንተዀይኑ ክወጹ፡ እንተዘይኰይኑ ግን እቲ ኵነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኰይኖም ክዕቈቡ መኺሩ።
ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ነቲ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ማዕዳ መገሻኡ ብምሕዳስ፡ ናብ ሰፊሕ ክፋላት እታ ሃገር ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመን-ወልዝን ልምዓትን (FCDO)፡ ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ጋምቤላን፡ ከምኡ'ውን ናብ ሓያሎ ዶባዊ ከባቢታት ዝዀነ ይዅን መገሻ ከይግበር ይመክር።
እዚኣቶም ነቶም ምስ ዶባት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኬንያን ዝዋሰኑ ከባቢታት ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ማዕዳ ብሪጣንያ፡ ንጸጥታዊ ስግኣታትን ዘይምርግጋዕን ብምጥቃስ፡ ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መገሻ ወጻኢ፡ ናብ ክፋላት ክልላት ዓፋር፡ ኦሮምያ፡ ሶማሌን ቤንሻንጉል-ጉሙዝን ከይጓዓዙ ተወሳኺ ምኽሪ ሂቡ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተወልዐ ውግእ ስዒቡ፡ ሰራዊት መንግስትን መሻርኽቱ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ተወሳኺ ከባቢታት ይቈጻጸሩ ከምዘለዉ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዓዲግራት ድሕሪ ምእታዉ፡ ብድሮን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ሓቢሩ ነይሩ።
ዕጥቃዊ ግጭታት ዝከታተልን ዝስንድን ትካል 'ኣክለድ' ረቡዕ ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ "ወተሃደራት ኤርትራን ኣጽዋራቶምን" ከምዝተፈጸሞም ሓቢሩ።
ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊትን ኤርትራን ንድሕሪት ከምዝሰሓቡ እዩ ተገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ህላወኦም እናሰፍሑ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተወሳኺ ግጭት ከይፍጠር ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ይዅን'ምበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሃገራት ምዕራብን እቲ ግጭት ንኸይጋደድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይገብሩ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።