ኤርትራ፡ ሕማም ትራኮማ ካብ ሱሩ ከም ዘጥፍኣቶ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣረጋጊጹ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ ትራኮማ ንዝተባህለ ሕማም ዓይኒ ከም ሓደ ጸገም ህዝባዊ ጥዕና ካብ ሱሩ ከም ዘጥፍኣቶ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ኤርትራ ነዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ'ዚ ዘመዝገበት መበል 11 ሃገር ኣፍሪቃን መበል 34 ሃገር ዓለምን ኰይና ኣላ።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ ጠንቂ ዕውረት ካብ ዝዀኑ ተላባዕቲ ሕማማት ዓለምና ቀዳማይ ዝዀነ ሕማም ንምምካት ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕሪ ዝተረኽበ ውጽኢት "ታሪኻዊ" ዓወት ክብል ገሊጽዎ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ "ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ በዚ ታሪኻዊ ዓወት'ዚ ዮሃና ክብል እፈቱ፤ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ቈራጽ ጻዕሪ፡ ኤርትራ ንሕማም ትራኮማ ከም ሓደ ጸገም ህዝባዊ ጥዕና ታሪኽ ገይራቶ ኣላ፡" ኢሉ።

ትራኮማ ብባክተርያ ዝመሓላለፍ ሕማም ዓይኒ ኰይኑ፡ ብምትንኻፍ ናይቲ ካብ ዓይንን ኣፍንጫን ዝወጽእ ፈሳሲ ይላገብ።

እቲ ረኽሲ ብተደጋጋሚ እንተደኣ ኣጋጢሙ ንቆፎ ዓይኒ ብምቝሳል፡ ሕክምና እንተዘይተረኺቡሉ ድማ ናብ ምሉእ ዕውረት ከብጽሕ ዝኽእል እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ነዚ ሕማም'ዚ ዝመከተቶ ብተግባራዊ ስትራተጂ 'SAFE' ኣቢላ እዩ።

እዚ ስትራተጂ'ዚ ድማ፤ እቲ ሕማም ዝገደዶም ሕሙማት መጥባሕቲ ምግባር፡ ብጸረ-ነፍሳት (ኣንቲባዮቲክስ) ምሕካም፣ ጽሬት ገጽ ምምሕያሽ፡ ብፍላይ ቈልዑ ገጾም ብጽሩይ ማይን ሳሙናን ንኽሕጸቡ ሰፊሕ ናይ ግንዛበ ምዕባይ ጎስጓሳት ምክያድ፣ ከምኡ'ውን ኣገልግሎታት ጽሩይ ማይን ጽሬት ከባቢን ምስፋሕ፣ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝርከብ ቀረብ ጽሩይ ማይ ምውሳኽ፡ ሽቓቓት ምህናጽን ሃመማታት ዝራብሑሉ ኵምራ ጐሓፍ ምውጋድን ዘጠቓለለ እዩ።

ምኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኵለን 58 ንኡሳን ዞባታት ሰፊሕ መጽናዕትታት ብምክያድ፡ ኣብቶም እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝረኣየሎም ዝነበረ ዞባታት - ብፍላይ ኣብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ - ሰፊሕ ወፈራታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣካይዱ እዩ።

እቲ መደብ ኣብ ኣዝዮም ርሑቓት ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ንምብጻሕ፡ ዘመናዊ ዲጂታላዊ ካርታታትን ናይ ሓበሬታ ምእካብ መሳርሕታትን ብምጥቃም ድማ ተዓዊቱ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ማዕረ-ማዕረ ህንጸት ዓበይቲ ሆስፒታላት፡ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ከባቢታትን ንዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት ጸብጻባት ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክቱ።

እዚ ድማ ኤርትራ ኣብቶም 'ሸቶታት ልምዓት ሚለንየን (MDGs) ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ ጥዕና ካብተን ውሑዳት ኣብ ኣፍሪቃ ብሉጽ ውጽኢት ዘመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ።

ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምቍጽጻር ዓሶ፡ ምውጋድ ፖልዮ፡ ምንካይ ሞት ኣደታትን ህጻናትን፡ ከምኡ'ውን ምቍጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበት ኰይና፡ ሕጂ ድማ ትራኮማ ካብ ስሩ ብምምሓው ተወሳኺ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ረኺባ ኣላ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ መሓመድ ጃናቢ ብወገኑ፡ እዚ ናይ ኤርትራ ዓወት ነባሪ ፖለቲካዊ ቈራጽነትን ህዝባዊ ተሳትፎን ዘለዎ ዓቢ ኣገዳስነት ዘርኣየ ምዃኑ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ "እዚ ናይ ኤርትራ ዓወት ካብቶም ዕሽሽ ዝተባህሉ ትሮፒካውያን ሕማማት ዝምንጩ ስቓይ ናጻ ናብ ዝዀነት ዓለም የቕርበና፤ ከምኡ'ውን ንትራኮማ ንምጥፋእ ንዝሰርሓ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ጽኑዕ መልእኽቲ ተስፋ የመሓላልፍ፡" ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝሓበሮ፡ ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዝምራሕ ኣገባብ ጽሬት ዝተኸተለት ኰይና፡ ብደገፍ ትካል ፋይዘር ብመንገዲ ኣህጉራዊ ተበግሶ ትራኮማ ብዝተለገሰ 'ኣዚትሮማይሲን' (azithromycin) ዝተባህለ ጸረ-ነፍሳት ረቢሓ እያ።

እቲ ትካል ጥዕና ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ሓደስቲ ሕሙማት ንምልላይን ንምእላይን ዘኽእል ስርዓተ-ምክትታል ከም ዝዘርግሐት ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ እቲ ሕማም ዳግማይ ከይለዓል ዘተኣማምን ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክሳዕ መጋቢት 2026 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እንተወሓደ ኣብ ገለ ክፋላት 29 ሃገራት ኣስታት 92 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ስግኣት እዚ ሕማም ይነብሩ ስለ ዘለዉ፡ ትራኮማ ገና ጸገም ህዝባዊ ጥዕና ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም መበል 66፡ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ መበል 23 ኰይና፡ ካብቶም ዕሽሽ ዝተባህሉ ትሮፒካውያን ሕማማት እንተወሓደ ሓደ ዘጥፍአት ሃገር ኰይና ኣላ።