እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋይን ሩኒ ኣብ ማንቸስተር እንከሎ ነብሱ ከጥፍእ ይሓስብ ምንባሩ ኣቃሊዑ
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ምስ ርእሰ-ቅትለት ዝተኣሳሰር ትሕስቶ ኣለዎ።
ዋይን ሩኒ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን "ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ይሓስብ ነይረ" ብምባል ክሳብ ጸገሙ ንምፍላጥን ንምፍዋስን ናብ ሓኪም [ተራፒስት] ይመላለስ ምንባሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓለቃ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ዋይን ሩኒ፡ ካብ ኤቨርተን ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 2004'ዩ ተጸንቢሩ፡ ምስ ማንቸስተር ኣብ 559 ጸወታታት ብምስላፍ 253 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ኣባል እታ ጋንታ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ሩኒ ምስ ጋዜጠኛ ጋቢ ሎጋን ኣብ ፖድካስት "Life at the Midpoint" ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ በዅሪ ወዱ ካይ ህጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ሜዳ ወጻኢ ዘጋጠሞ ከቢድ ቃልሲ ገሊጹ። ካይ ሕጂ 17 ዓመት'ዩ ኰይኑ ዘሎ።
"ንኽልተ መዓልታት ኣብ ገዛይ ተዓጽየ ብዘይምቍራጽ ዝሰትየሉ እዋን ነይሩ'ዩ፡ እቲ እዋን ከኣ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝለዓለ ብቕዓት ሒዘዮ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን'ዩ ነይሩ" ይብል ሩኒ።
ወዲ 41 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ሩኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝስምዖ ዝነበረ ስምዒት ክገጥሞ ይሽገር ምንባሩ ብምሕባር፡ ጸገሙን ስምዒቱን ንብዓልቲ ቤቱ ኮሊንን ንኣዲኡን ድሕሪ ምኽፋፋሉ "እቲ ጸገም ክሰግሮ እንተዀይነ ሓገዝ ከም ዘድልየኒ ፈሊጠ" ኢሉ።
"ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ ስሱዕን ፈታዊ ነብሱን'የ ነይረ፣ ጸገመይ ንምልላይ ይሽገር ስለዝነበርኩ ግን በይነይ ክጸሮ ወይ ክሓልፎ ከምዘይክእል ተረዲኡኒ፡ ካይ ከምኡ ኢለ ክርእየኒ ይደሊ ስለዘይነበርኩ ድማ ነብሰይ ይሓብእ ነይረ" ይብል።
ኣስዒቡ፡ "ናብ ክሳብ ርእሰ-ቅትለት እትሓስበሉ ደረጃ በጺሐ ነይረ። ምስ ሰባት ኣይሕወስን በይነይ ክህሉ ይደሊ፣ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኣብ ዝህልወሉ ጽቡቕ'ዩ ዝስምዓኒ፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ግን ኣዝየ'የ ዝሽገር ነይረ" ይብል ሩኒ።
ዋይን ሩኒ ንሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ወኪሊ ኣብ 120 ጸወታታት ብምስላፍ 53 ሸቶታት ከመዝገብ ዝኸኣለን ሓደ ካብቶም ዓዲ እንግሊዝ ዝርኣየቶም ዝበለጹ ተጻወትቲ ተባሂሉ'ውን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሽልማት ተበርኪትሉ ነይሩ'ዩ።
ሩኒ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረሉ እታ ጋንታ ፣ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕረምየርሊግ፣ ተዓዋቲት ቻምፒየንስ ሊግ፡ ዩሮፓ ሊግ፡ ኤፍኤ ካፕን ሰለስተ ኤፍኤል ካፕን ንኽትዕወት ዓቢ ኣበርክቶ'ዩ ነይርዎ።
ድሕሪኡ ድማ ናብታ ዘዕበየቶ ኤቨርተን ተመሊሱ።
እንተዀነ፡ እቲ ልሉይ ኣጥቃዓይ ዝነበረ ዋይን ሩኒ፡ ኣብ'ቲ ከቢድ እዋን ስምዒታቱ ከመይ ገይሩ ከምዝሽፍን ከም ዝተማህረ ተዛሪቡ።
"ድኻምካ ሰብ ክርእየልካ ወይ ድኹም ክብለካ ስለዘይትደሊ ንድኻምካ ክትሽፍኖ ትፍትን።"
"ዋላ'ኳ ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዝነበርኩ ይፈልጥ እንተነበርኩ፣ ኣብቲ ኵነታት ከም ዘለኹ ክቕበሎ ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ክትገብር ከለኻ፡ እቲ 'ሰብኣይ' ዘብለኒ ሰምዒት ዝጐደለ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ" ይብል ሩኒ።
ሩኒ እቲ እዋን ሓዳር ዝገበረሉን በዅሪ ወዱ ዝተወለደሉን እዋን ምንባሩ ብምዝካር "ኣብ ውሽጠይ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ንምርዳእ ምስ ቴራፒስት እዛረብ ነይረ" ኢሉ።
እቲ እዋን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ጫፍ ብቕዓቱ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ፡ "ዝያዳ ደስ ዝብለኒ እዋን ክኸውን'ዩ ዝግባእ ነይሩ፣ ግን ኣይነበረን። ምናልባት ብሰንኪ እቲ ዝወሰድክዎ ስሱዕ ተግባራት፡ እቲ ዝተሓተ ነጥቢ ህይወተይ እዩ ነይሩ ኢለ'ውን ክገልጾ ይኽእል'የ።"
ኣብ መወዳእታ "ብዓልቲ ቤተይ ኮሊን ብዙሕ ሓጊዛትኒ። ኵነታቱ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ስለዝነበረ ሓዲጋትኒ ክትከይድ ትኽእል ነይራ'ያ፣ ግን ጸኒዓ ኣብ ጐድነይ ቈይማ ንዅሉ ንኽሓልፎ ሓጊዛትኒ፡" ብምባል ሩኒ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪብሉ ዘይፈልጥ ክፋል ውሽጣዊ ህይወቱ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ደርጒሕዎ።