ሺ ጂንፒንግ ንትራምፕ ብፍሉይ ወግዒ ተቐቢልዎ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ከተማ ሼንዠን ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ቀይሕ ምንጻፍ ኣንጺፉ ብምሕቋፍ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይርሉ።
እዚ ፍጻመ ንቡር ሰላምታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሺ ስልጣን ፕረዚደንትነት ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንሓደ ናይ ወጻኢ መራሒ ባዕሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይዱ ክቕበል ፈለማዩ እዩ።
ሺ ነቲ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዘርኣዮ ኣቀባብላ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሊስሉ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ንውልቃዊ ኣፍልጦን ስነ-ስርዓታዊ ክብርን ዓቢ ቦታ ከም ዝህብ ስለ ዝፈልጥ፡ ባዕሉ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምኻድ ፍሉይ ኣኽብሮት ብምሃብ ኣሞጒስዎ’ዩ።
እዚ ድማ ኣብ መዳያት ንግድን ቍጠባን፡ ታይዋንን ቴክኖሎጅን ኣብ ዝግበር ዘተ እወታዊ ኣንፈት ንምሓዝ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
በቲ ካልእ ወገን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ዝካየድ ታሪኻዊ ስሉዛዊ ዘተ፡ ሓሙስ ኣብ ከተማ ሼንዠን ኣብ እትርከብ መንግስታዊት ቪላ ኪሊን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ’ዩ።
በይጂንግ ነዚ ርክብ ኣብ ወግዓዊ ኣዳራሽ ዘየካየደቶ፡ ኵሉ ኣቓልቦ ኣብ ዋዕላ ኣፐክ (Apec) ንኽተርፍን እዚ ርክብ ብገዛእ ርእሱ ዝቘመ ዓቢ ዋዕላ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ተራ ናይ ስራሕ ዘተ ጥራይ ኰይኑ ንኽሓልፍን ስለ ዝደለየት’ዩ።
ብተወሳኺ፡ እታ ቪላ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቀረባ ብምዃኑ፡ ንትራምፕ ድሕሪ ዘተ ብቐጥራ ናብ ነፋሪቱ ንኽምለስ ክሕግዞ እዩ።
ተወሳኺ፤