እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 600 እሱራት ብምሕረት ክልቀቑ እንከለዉ 28 ይቕረታ ብዘይምሕታቶም ተሪፎም
ካብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብኸበድቲ ገበናት ተኸሲሶም ብመንግስቲ ፈደራል ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 600 ሰባት ብምሕረት ከም እተፈትሑ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ክሲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ይቕረታ ንምሕታት ግን ፍቓደኛታት ዘይኰኑ 28 እሱራት ድማ ከይተፈትሑ ተሪፎም ኣለዉ።
ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት 2019 ግእዝ፡ ማለት 5 ጳግሜን 2018 (10 መስከረም 2026) ካብ ማእሰርቲ ከም እተፈትሑ ዝተነግረሎም ብኣማኢት ዝቝጸሩ እሱራት፡ ገበነኛታት ተባሂሎም ዝተፈርዱ ብምሕረት፡ ክሶም ኣብ መስርሕ ዝነበረ ከኣ ክቋረጽ ከም ዝተገብረ እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ንሓድሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ "ብሓደ ይዅን ብኻልእ ጌጋ ዝተኣስሩ ወገናት ብምሕረትን ብኣገባብ ሕግን ክፍትሑ፡" ከም ዝሓተተን፡ መንግስቲ ድማ ነዚ ተቐቢሉ፡ "በቲ መስርሕ ዝተሰማምዑ ፈቲሑ'ዩ፡" ኢሉ።
ኢሰመኮ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ዝተለቁ ሰባት ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ፡ ብግብረ-ሽበራን ብኻልኦት ከበድቲ ገበናትን ተኸሲሶም ቤት ፍርዲ ውሳነ ዝሃበሎም፡ ከምኡ'ውን ብዝተፈላለዩ ገበናት ተኸሲሶም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዝነበሩ እዮም።
እቶም እሱራት፡ "ጉዳዮም ብፍሉይ ኵነታት ክርኣየሎም... በቲ ኮምሽን ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ክቐርበሎም ዘቕረብዎ ሕቶ፡" መሰረት ብምግባር፡ ኢሰመኮ እቶም እሱራት ብመስርሕ ሕጊ ምሕረት ምእንቲ ክረኽቡ ነቲ ጉዳይ ናብ መንግስቲ ኣቕሪቡ መልሲ ከም ዝረኸበ ገሊጹ።
በዚ ከኣ፡ እቶም ኣብ መስርሕ ክሲ ዝነበሩ እሱራት "ብገዛእ ድሌት ዘቕረብዎ ሕቶ መበገሲ ብምግባር"፡ እቲ ኮምሽን ናብ መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቡ እወታዊ መልሲ ብምርካቡ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ መስርሕ ልዕሊ 600 እሱራት ክልቀቑ ከም ዝበቕዑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ፈደራላዊ ደረጃ ካብ ዝተለቐቑ ክርስትያን ታደለ፡ ዶ/ር ካሳ ተሻገርን ዶ/ር ጫኔ ከበደን ከም ዝርከብዎም፡ ዋና ኮምሽነር ኢሰመኮ ብርሃኑ ኣዴሎ ኣብ መግለጺኡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን ተዛሪቡ።
ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ቅልውላው ብዝተተሓሓዘ ተመሳሳሊ ክሲ ግብረ-ሽበራ ዝቐረበሎም ከም ዮሃንስ ቦያለው ከምኡ'ውን ነቶም ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ ብኢሰመኮ ኣቢሉ ዝቐረበ ሰነድ ምሕረት ዘይፈረሙ ተኸሰስትን ዲኤታ ምኒስተር ሰላም ዝነበረ ታየ ደንደኣን ኣብ ዝርዝር ናይቶም ዝተፈትሑ ውልቀሰባት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ቢቢሲ የጻሪ ኣሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ከም እተለቐቑ ትማሊ 10 መስከረም ዕላዊ ዝገበሮም ውልቀሰባት ምስ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም እንተዀይኖም ንምፍላጥ'ውን ቢቢሲ ይፍትን ኣሎ።
ኣብ መዛዘሚ መዓልቲ ናይቲ ዓመት ካብ ማእሰርቲ ከም እተለቐቑ ዝተነግረሎም ውልቀሰባት፡ በዚ ሕግን ኣሰራርሓ ምሕረትን መሰረት ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተፈርዱ ብምሕረት፡ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ክሲ ዝነበረ ተኸሰስቲ ድማ ብቕድመ-ኵነት ክሶም ተቛሪጹ ካብ ማእሰርቲ ክወጽኡ ከም እተገብረ ተጠቒሱ።
ብመሰረት ሕቶ ናይቶም እሱራት ምስ ሓድሽ ዓመት ብምትእስሳር መንግስቲ ብዝሃቦ ውሳነ መሰረት፡ ልዕሊ 600 ዝተፈርዱን ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ዝነበረን ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ኣለዉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝነበሩን ሕቶ ምሕረት ዘየቕረቡን 28 ሰባት ግና ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።
ወከልቲ ህዝብን ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ዝርከብዎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዘጋጠመ ግጭት ብዝተተሓሓዘ ብዝተፈላለዩ መዛግብቲ ክሲ ግብረ-ሽበራ ዝተመስረተሎም ተኸሰስቲ፡ ይቕረታ ሓቲቶም ክሶም ክቋረጽን ካብ ማእሰርቲ ክልቀቑን ብመንግስቲ ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝተፈላለየ ምላሽ ከም ዝሃቡ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር።
ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ተኸሰስቲ "ገበን ግብረ-ሽበራ"፡ ይቕረታ ሓቲቶም ካብ ማእሰርቲ ክልቀቑ ዝሓትት ሰነድ ዝበጽሖም ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣቢሉ ነይሩ።
ካብቶም ተኸሰስቲ መብዛሕትኦም ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ይቕረታ መሕተቲ ሰነድ ክፍርሙ እንከለዉ፡ ነቲ ቅድመ-ዅነት ኣይንቕበሎን ብምባል ካብ ዘይፈረሙ ፖለቲከኛታትን ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ከም ዝርከብዎም ቢቢሲ ተረዲኡ ኣሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ዘቕረቦ ክሲ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ምዝራግ ጸጥታ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ሰባት፡ ምጕዳል ኣካል፡ ምዕናው ንብረትን ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ገበናት ግብረ-ሽበራን ኢድ ከም ዘለዎም ዝዝርዝር እዩ።
እቲ መሕተቲ ይቕረታ ሰነድ፡ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፎም መዝገብ ክሲ ብግብረ-ሽበራ ዝቐረበሎም ገበናት ኣሚኖም ሓላፍነት ክወስዱ ዝሓትት ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ቢቢሲ ካብ ስድራቤትን ጠበቓታትን ናይቶም ተኸሰስቲ ኣብቲ እዋን ተረዲኡ ነይሩ።
በዚ መሰረት እቶም ተኸሰስቲ እቶም ዝተጠቕሱ ገበናት ምፍጻሞም ኣሚኖም፡ ዳግማይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንኸይሳተፉ ቃል ክኣትዉ፡ ተሳቲፎም እንተ ተረኺቦም ድማ መንግስቲ "ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስደሎም" ክሰማምዑ እቲ ሰነድ ይሓትት።