እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ
ባንክ ኤርትራ፡ ውልቀ-ሰባትን ብሕታዊ ትካላትን ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ ዝኽእሉ መጠን ጥረ ገንዘብ ናቕፋ ብደረጃታት ዝድርት ሓድሽ ሕጋዊ ምልክታ ኣውጺኡ።
እዚ ሎሚ 9 መስከረም 2026 ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጽአ "ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 134/2026"፡ ኣርባዕተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብባንክታትን ፊናንስያዊ ትካላትን ጥራይ ክካየድ ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብር።
እቲ ባንክ ኣብ መግለጺኡ ከም ዘነጸሮ፡ እዚ ውሳነ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ ዝኽእሉ ናይ ጥረ ገንዘብ መጠን ብደረጃታት ዝገደበ እዩ።
በቲ ሓድሽ ሕጋዊ ምልክታ መሰረት፡ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ልዕሊ 25,000 ናቕፋ፡ ኣብ ደረጃ 'ሐ' ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 50,000 ናቕፋ፡ ኣብ ደረጃ 'ለ' ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 100,000 ናቕፋ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደረጃ 'ሀ' ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ድማ ልዕሊ 150,000 ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ኣብ ኢዶም ክሕዙ ከም ዘይፍቀድ ተደንጊጉ ኣሎ።
እዚ ዝተጠቕሰ መጠን ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ኣብ ኢድ ሒዝካ ምጽናሕ "ከም ዘይፍቀድ" እቲ ሕጋዊ ምልክታ ኣነጺሩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብሕታውያን ትካላት ብመሰረት ሕግን መምርሒታትን ምኒስትሪ ፋይናንስ (ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር) ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ደረጃታት ዝምደቡ እዮም።
በዚ መሰረት፡ ደረጃ 'ሀ' ዝበሃሉ ምሉእ ስርዓት መዝገብ ሕሳብ ክሕዙን ብኦዲት ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ከቕርቡን ዝግደዱ ከም ዓበይቲ ኣከፋፈልቲ፡ ኣፍረይትን ኩባንያታትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት እዮም።
ደረጃ 'ለ' ድማ ቀሊል ናይ ኣታውን ወጻእን መዝገብ ጥራይ ዝሕዙ ማእከላይ ዓቐን ዘለዎም ንግዳውያን ትካላት ዝሓቍፍ ኰይኑ፡ እቶም ዝተሓተ መጠን ጥረ ገንዘብ ክሕዙ ዝተፈቕደሎም ደረጃ 'ሐ' ዝተመደቡ ድማ ዝዀነ ወግዓዊ መዝገብ ሕሳብ ናይ ምሓዝ ግዴታ ዘይብሎም ከም ናይ ገዛውቲ ንኣሽቱ ድኳናት፡ ክዮስክታት፡ ካፈታትን እንዳ ሻሂን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ንግዳውያን ንጥፈታት እዮም።
ባንክ ኤርትራ፡ "ቅቡል ብዘይኰነ ምኽንያት" ካብዚ ዝተወሰነ መጠን ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ይዅን ብሕታዊ ትካል "ሕጋዊ ስጒምቲ ከም ዝውሰዶ" ዘጠንቀቐ ኰይኑ፡ እዚ መምርሒ'ዚ ካብ ዝወጽኣሉ 9 መስከረም 2026 ጀሚሩ ብቕጽበት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ሓድሽ ሕጋዊ ደረት ዝወጽእ ዘሎ፡ እቲ ባንክ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ሰሉስ 30 ሰነ 2026፡ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን "ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ኣሎ" ንዝበሎ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት ጽኑዕ መተሓሳሰቢ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዝወጽአ መምርሒ፡ ዝዀነ ይዅን ካብ ባንክታት ወጻኢ ተታሒዙ ዝርከብ ገንዘብ ክሳዕ 31 ሓምለ 2026 ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ወይ ሓድሽ ሕሳብ ተኸፊቱ ኣታዊ ክግበር ናይ መወዳእታ ገደብ ግዜ ሂቡ ነይሩ።
ባንክ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ሓምለ መግለጺኡ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ይዅን ትካል ሃገራዊ ባጤራ "ናይ ምጥቃም መሰል ጥራይ" ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ገንዘብ ካብ ባንክታት ወጻኢ ብዘይ ዓቐን ንዘይተወሰነ እዋን ምሓዝ ሕጋዊ ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን እንታይ ዓይነት ሕጋዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣየነጸረን ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣዋጅ ግን ነቲ መጠን ብግልጺ ብምድራት ናይ ተሓታትነት ስጕምቲ ኣነጺሩ ኣሎ።
እዚ ደረት ጥረ ገንዘብ ዝተነብረሉ ስጕምቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ምንቅስቓስ ገንዘብን ባንክን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕዳር 2015 "ንዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቍጽጻርን ንቝጠባዊ ምርግጋእን" ብዝብል ምኽንያት ንባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ዲዛይን ድሕሪ ምቕያሩ፡ ኵሉ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ባንክታት ከም ዝኣቱ ገይሩ ነይሩ።
ካብቲ እዋን'ቲ ኣትሒዙ ድማ ዝዀነ ዜጋ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳብ ባንክ ኣብ ወርሒ "5,000 ናቕፋ" (ኣስታት 330 ዶላር) ጥራይ ንኸውጽእ ዝፈቅድ ጽኑዕ ቀይዲ ተነቢሩ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ቀይዲ'ዚ ንንግዳዊ ምንቅስቓስን መዓልታዊ ናብራን ኣዛሕቲልዎ ከም ዝጸንሐ ዝገልጹ ቍጠባውያን ተንተንቲ፡ ከም መርዓ ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ዘለዎም ዜጋታት ተወሳኺ ገንዘብ ንምውጻእ ካብ ምምሕዳር ከባቢ ፍቓድ ክሓቱ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ይሕብሩ።
ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ኣገልግሎት ኤለክትሮንያዊ ባንክ (electronic/digital banking) ዘየሎ ብምዃኑ፡ መብዛሕትኡ መዓልታዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ብጥረ ገንዘብ ጥራይ ዝካየድ እዩ።
እዚ ሕጂ ዝወጽአ ሓድሽ ሕጋዊ ምልክታ ድማ መንግስቲ ኣብ ኢድ ህዝብን ትካላትን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጥረ ገንዘብ ዳግማይ ናብቲ ወግዓዊ ፊናንስያዊ መሓውር ንምምላስን ኣብ ልዕሊ ዑደት ገንዘብ ዘለዎ ምቍጽጻር ብዝያዳ ንምሕያልን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።