እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ተመራመርቲ ዝልብልብ ዋዒ ዘለዎ ፈሳሲ ምስታይ መንሽሮ ከምዘስዕብ ኣጠንቂቖም
ብቐጻሊ ከም ሻሂ ወይ ቡን ዝኣመሰሉ ውዑያት ነገራት ምስታይ ነቶም ኣብ ጎሮሮ ዝርከቡ ዋህዮታት ብምዕናው 'ኤሶፋጊል' ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ሻምብቆ መግቢ ከም ዘስዕብ እንግሊዛውያን ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድሕሪ ዝገበርዎ መርምራ'ዩ ነዚ ሓዲሽ ርኽበቶም ናብ ህዝቢ ዘርጊሐሞ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ምርምር፡ እቶም 'ኣዝዩ ውዑይ' ነገር ዝሰትዩ ሰባት ምስቶም መጠናዊ ዋዒ ዘለዎ ከም ሻህን ቡንን ዝሰትዩ ሰባት ብምንጽጻር በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ናይ ምጥቓዕ ተኽእለኦም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ምዃኑ'ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።
ብሓፈሻ ግን እዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ሳሕቲ ዝርአ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ 'ኣዝዩ ውዑይ' ፈሳሲ ብጎሮሮና ኣቢሉ ናብ ከስዕና ኣብ ዘምርሓሉ ነቶም ኣብ ጎሮሮና ዝርከቡ ዋህዮታት'ዩ ዘጥቕዖም።
ዘሕርር ዋዒ ዘለዎ መስተ
እቲ ብኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝተዳለወን ኣብ 'ኢንተርናሽናል ጆርናል ኦፍ ካንሰር' ዝተሓተመን ጽሑፍ ከምዝገለጾ፡ ሓደ ፈሳሲ 'ኣዝዩ ውዑይ' ክብሃል እንተዀይኑ መጠን ዋዒኡ ልዕሊ 65 ደረጃ ሰልሰስ ምስ ዝኸውን'የ'ዩ።
እቲ ፈሳሲ 65 ወይ ልዕሊኡ ዋዒ ምስ ዝህልዎ ድማ'ዩ ነቶም ኣብ ጎሮሮና ዝርከቡ ዋህዮታት ብምዕናው 'ኤሶፋጊል' ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ከስዕበልና ዝኽእል።
ብመሰረት እቲ ኣብ ልዕሊ 977, 282 ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ካብ ክልቲኡ ጾታ ዝተዋጽኡ ሰባት ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዓልቲ ሽዱሽተ ወይ ልዕሊኡ ኩባያ ምስታይ'ዩ ናብዚ ሓደጋ እዚ ዘቃልዕ።
እቲ ጽሑፍ ብምስዓብ፡ ንቡን ወይ ንሻሂ ጸባ ሓዊሶም ዝሰትይዎ ሰባት'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ቡን ወይ ሻሂ ጸባ ምውሳኽ ነቲ ውዑይ ነገር ናብቲ ዝድለ መጠን ከዝሕሎ ከምዘይክእል'ዩ ዝገልጽ።
ንሻሂ ኣብ በራድ ከነፍልሖ እንከለና፡ ክሳብ ምህፋፍ ዝጅምር ኢና ነፍልሖ፡ እዚ ማለት ከኣ እቲ ማይ 100 ደረጃ ሰልሰስ ወይ ልዕሊኡ በጺሑ ኣሎ ማለት'ዩ።
ነቲ ሻሂ ብቀጥታ ናብ ኩባያ ኣብ እንቐድሓሉ እዋን ከኣ ዋዒኡ ናብ 90 ክሳብ 95 ደረጃ ሰልሰስ'ዩ ዝወርድ።
እቲ ከም ምኽሪ ዝቐርብ ዘሎ፡ ነቲ ውዑይ ነገር ናብ ኩባይ ምስ ቀዳሕናዮ ንጎሮሮና ክሃስየሉ ናብ ዘይክእል መጠን ዋዒ ንኽወርድ ንገለ ውሑዳት ደቓይቕ ከይሰተናዮ ምጽናሕ'ዩ።
ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ እቲ ውዑይ ነገር ናብ ኩባያ ምስ ቀዳሕናዮ ንኽዝሕል ክንደይ ደቃይቕ'ዩ ዘድልዮ ምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ'ዮም ዝሕብሩ።
"ግን ደሓን ኣይትሸገሩ፡ እቲ ንሕና እንህቦ ሓሳብ ናብ ኩባያ ምስ ቀዳሕናዮ እናለብለበና ካብ ምስታይ፡ ንኽንሰትዮ ከጸግመና ናብ ዘይክእል ዋዒ ክሳብ ዝወርድ ምጽባይ እኹል'ዩ" ይብሉ እዞም ተመራመርቲ።
ነዚ ምርምር ብመሪሕነት ዘካየደቶ ዶክተር ካረን ፓፔር፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ሜት ዝብሃል ኣዝዩ ውዑይ ብኣቝጽልቲ ዝስራሕ ፈሳሲ ዝሰትዩ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እዚ 'ኤሶፋጊል' ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ብብዝሒ ከምዝተራኣዮም ብምግላጽ፡ ኣብ ሞንጎ ውዑይ ነገር ምስታይን ከምዚ ዓይነት መንሽሮን ዘሎ ምትእስሳር ዘረጋግጽ ምዃኑ ትሕብር።
ዶክተር ካረን ኣስዒቡ፡ "እቲ ውዑይ ዝብሃል ኣበየናይ መጠን ዋዒ ምስ በጽሐ'ዩ ናብ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ዘቃልዕን ኣብ ዝብል ግን ተወሳኺ መርመራታት ከድሊ'ዩ" ኢላ።
ካልእ ኣብ 118 መንእሰያት ዝተገበረ መጽናዕቲ ከኣ፡ ዝተፈላለየ መጠን ዋዒ ዘለዎ ቡን ንኽሰትዩ ተሓቢርዎም፡ እቶም ዝበዝሑ ነቲ ኣዝዩ ውዑይ'ዩ ዝበልዎ እቲ 70 ደረጃ ሰልሰስ ወይ ልዕሊኡ መጠን ዋዒ ዘለዎ ቡን'ዩ።
ሓደ ንመትሓዚ ውዑይ ነገር ዝኸውን ፎኮስቲ ኩባያታት ዘፍሪ ትካል'ውን፡ እቲ ንሶም ዝሰርሕዎ ኩባያታት ካብ 49 ክሳብ 60 ደረጃ ሰልሰስ መጠን ዋዒ ክሕዝ ዝኽእል ገይሮም ከምዝሰርሕዎ'ዩ ዝሕብር፡ ካብኡ ንላዕሊ መጥን ዋዒ ዘለዎ ግን ሰብ ክሰትዩ ኣይክእል'ዩ ዝብል ሓሳብ'ዩ ዘለዎም።
ካልኦት ጠንቅታትከ. . .
መንሽሮ 'ኤሶፋጊል' ብደረጃ ዓለም ካብ ዓይነታት መንሽሮ ብብዝሒ ኣብ ሰብ ብዝርኣዮ ኣብ መበል ዓስራይ ዝስራዕ ኰይኑ፡ ብመጠን ዘስዕቦ ሞት ከኣ መበል ሻውዓይ ከምዝስራዕ ጸብጻብ 'ቻሪቲ ዊርልድዋይድ ካንሰር ሪሰርች' ይሕብር።
እዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ኣብ መጀመርታ ዘርእዮም ምልክታት ንኸተለልዮም ክትፈልጦምን ኣዝዮም ኣሸገርቲ ስለዝዀኑ እቲ መንሽሮ ኣዝዩ ምስ ማዕበለ'ዩ ዝፍለጥ።
ገለ ካብቶም ኣብ መጀመርታ ዝርኣዩ ምልክታት ግን እዞም ዝስዕቡ'ዮም፤
- መግቢ ንኽንውሕጥ ምሽጋር
- ዘቃጽል ቃንዛ ልቢ
- ቀጨውጨው ምባልን መመሊስካ ምሕማምን
- ምዕርናስ ድምጺ
- ሸውሃት ምዕጻው
ተመራመርቲ፡ ኣዝዩ ውዑይ ነገር ምውጋድ ጥራይ ንግዳያት ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ካብ 10 ክሳብ 20 ምኢታዊት ከጉድሎ ከምዝኽል'ዮም ዝሕብሩ።
እዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ኣብ ዓመት ንውሑዳት ኣሽሓት ሰባት ጥራይ ዘጥቕዕ ሳሕቲ ዝርአ ዓይነት መንሽሮ'ዩ።
ኩሉ ኣዝዩ ውዑይ ፈሳሲ ዝሰቲ ሰብ በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎ ኣለዎ ኢልካ ክድምደም ዝከኣል ኣይኮነን።
ነዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ዘቃልዑ ከም ሽጋራ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሮቋሒታት ከምዘለዉ ከኣ ዘይምርሳዕ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ ምርምር ዝተሳተፉ ክኢላታት ዝዀነት ፍዮና ኦስጉን "እቲ ቀንዲ በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ንኸይንጥቃዕ ክንገብሮ ዘለና፡ ሽጋራ ፈጺምካ ዘይምትካኽን መጥን እንወስዶ ኣልኮል ምንካይን'ዩ" ብምባል ትመክር።