ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ኣርሲ፡ ወረዳ ሽርካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉ መሰኻኽር ዓይንን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብቐዳም 24 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ቀበሌታት ቢርቦን ጮሌን ኣብ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ቍጽሪ ዝተቐትሉ ሰባት ካብ 43 ክሳብ 46 ከም ዝበጽሕን፡ ካብ 5 ክሳብ 7 ዝዀኑ ቈልዑ ከም ዝርከብዎምን ምንጭታት ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ብኸቢድ ቈሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብሰንኪ ዝነበረ ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣትን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብምፍራሕን ትማሊ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ሓደ ጋህሲ ብጃምላ ተቐቢሮም።

እዚ ብነበርትን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ዝቐረበ ብዝሒ ግዳያት፡ ብቢቢሲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

እቲ መጥቃዕቲ ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ኣቢሉ፡ እቶም ነበርቲ ካብ ናይ ለይቲ ሓለዋ (ሮንድ) ተመሊሶም ኣብ ዘዕረፉሉን ህዝቢ ቍሩብ ኣብ ዝዘናግዓሉን እዋን ብሃንደበት እዩ ተኸፊቱ።

ወዲ 75 ዓመት ኣቦኡ ዝተቐትሎ ሓደ ነባሪ፡ "ዋላ ሓንቲ ኣብ ዘይተዳለናሉ ኵነታት ብኣርባዕተ መኣዝን ከቢቦምና፡" ክብል ነቲ ፍጻመ ይግልጽ።

ምስቲ ኣባል ሚሊሻ ዝነበረ ኣቦኡ ኰይኑ ክከላኸል ዝጸንሐ ካልእ ነባሪ ከኣ፡ "ኵልና ብዓቕምና ዝነበረና ኣጽዋር ሒዝና እኳ እንተ ተላዓልና፡ ዓቕምናን ዓቕሞምን ዝመጣጠን ኣይነበረን፤ ብስናይፐርን ብሬንን እዮም ክዋግኡና ጸኒሖም፡" ብምባል ኣቦኡ ኣብቲ ውግእ ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።

ዕጡቓት፡ ጠያይትን ኣጽዋርን ብምጥቃም ናብ ኣባይቲ ብምስባርን ናብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝሃደሙ ሰባት ብምትኳስን ህልቂት ከም ዘውረዱ ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ቤተክርስትያን ዲገሉ መድሃኔኣለም ብኸቢድ ብረት ተሃሪሙ ማዕጾታቱ ከም ዝተበሳሰዐን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ንብረት ከም ዝተራሳየን ተገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ቦታ እኳ እንተ በጽሑ፡ ነቲ ህልቂት ደው ከብልዎ ከም ዘይከኣሉ ዝሓበረ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን፡ "ዝተወሰኸ ሓይሊ የሎን፣ ንግዜኡ ዝሃደአ እንተ መሰለ`ውን ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ዝፍለጥ ነገር የሎን፡" ብምባል ሓያሎ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ካብ ቢሮ ርክባት ክልል ኦሮምያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ብኡንብኡ ምላሽ ኣይረኸበን።

እንተዀነ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ርክባት ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ ነቲ መጥቃዕቲ "ጽምዶ" ንዝተባህለ ጕጅለ ተሓታቲ ከም ዝገበረ መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ዓዲ ጸብጺቦም ኣለዉ።

ሃይሉ፡ እዚ ጕጅለ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠሞ ከቢድ ክሳራ ኣንፈት ንምቕያር፡ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ግጭት ንምፍጣር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ፈሺሉ እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጥቃዕቲ ዝጀመሮ ስጕምቲ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።

ላዕለዋይ ዳይረክተር ክትትልን ምርመራን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ሜቲ ኣቶምሳ ብወገና፡ እቲ ኮምሽን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዘለዎን ክትትል ይገብረሉ ከም ዘሎን ብምግላጽ፡ "ሕጂ ኣብ ኢድና ጭቡጥ ነገር የሎን፡" ኢላ።

ሃገረ ስብከት ኣርሲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳ ሽርካ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት እናበኣሰ ምምጽኡ ብምግላጽ፡ ሊቀ ጳጳስ ኣርሲን ጅግጅጋን ኤልሳዕ፡ "ምስ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክሳብ ኣብያተ-ዕዮ ምኒስትሪ ሰላም ብተደጋጋሚ ዘተ፡" እኳ እንተ ገበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ፍታሕ ከም ዘየሎን እቲ መጥቃዕቲ ደው ክብል ከም ዘይከኣለን ኣመልኪቱ።

ኣብ ወረዳ ሽርካ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ እዩ። ካብ 12 ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ኣብ ወረዳታት ሽርካን ሆንቆሎ ዋቤን ኣብ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ሓሙሽተ ድማ ተጨውዮም ነይሮም። ኣብታ እትዋሰና ወረዳ መርቲ ከኣ ልዕሊ 15 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) 26 ሓምለ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ናይ ምርመራ ጸብጻብ፡ ካብ 2021 ክሳዕ 1 ሰነ 2026 ኣብ ዞባ ኣርሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕትታት 458 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ናይ 38 ሰባት ደሃይ ከም ዘየሎን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ጕጅለታት ሃይማኖት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጕድኣት ከም ዘውረዱ የብርህ።

ይዅን`ምበር፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኣስላም`ውን መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃንን ትካላት ሃይማኖትን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ዕላማኡ መረጻ ንምትዕንቓፍን እታ ሃገር ንዘይምርግጋእን ምዃኑ ብምግላጽ ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ተሓታቲ ገይሩ ነይሩ።

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሉ ናይ ቅትለትን ዕንወትን ክስታት ይነጽጎን ሳልሳይ ኣካል ከጻርዮ ይሓትትን እዩ።