እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብቐርሰንቲ ተጨውያ
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ፡ 17 ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ነዳዲ ብቐርሰንቲ ከም ዝተጨውየት፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ጸጥታ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እታ "Honour 25" ዝተሰምየት መርከብ፡ ረቡዕ ምሸት ካብ ገማግም ባሕሪ ኣስታት 56 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብሽድሽተ ዕጡቓት ከም ዝተታሕዘት እቶም ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብዚ ቀደም ብጭወያ መራኽብ ፍሉጥ ዝነበረ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዙ ጠፊሑ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ሕጂ ግን መራኽብ ገፈፍቲ ዓሳን ናይ ጽዕነት መራኽብን ዳግማይ ዒላማ ክኰና ጀሚረን ኣለዋ።
እታ ናብ ሞቓድሾ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ምጭዋያ፡ ኣብታ ከተማ ዓቢ ስክፍታ ከም ዝፈጥር ይግመት።
ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሞቓድሾ ብሰለስተ ዕጽፊ እዩ ወሲኹ።
እታ መርከብ 18,500 በርሚል ነዳዲ ጸዒና ከም ዝነበረት፡ ካብ ርእሰ-ምምሕዳር ዞባ ፑንትላንድ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ "ShipAtlas"፡ እታ መርከብ ብ20 ለካቲት ካብ ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ) ተበጊሳ፡ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ናብ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገጻ ኣምሪሓ ነይራ።
ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትዘውር ድሕሪ ምጽናሕ ብ2 ምያዝያ ናብ ሞቓድሾ ገጻ ተመሊሳ።
እዛ ኣብ ትሕቲ ቀርሰንቲ እትርከብ መርከብ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ መንጎ ዓሳ ዝግፈፈለን ከተማታት ሓፉንን ባንደር በይላን ደው ኢላ ኣላ።
እቶም 17 ሰራሕተኛታታ 10 ፓኪስታናውያን፡ ኣርባዕተ ኢንዶነዥያውያን፡ ሓደ ህንዳዊ፡ ሓደ ስሪላንካዊ ከምኡ'ውን ሓደ ዜጋ ሚያንማር እዮም።
እቶም ቀርሰንቲ ካብ ርሑቕ ቦታ ባንደር በይላ ተበጊሶም ከም ዝመጽኡ ዝእመን ኰይኑ፡ ብኸመይ ነታ መርከብ ክቈጻጸሩዋ ከም ዝኸኣሉ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።
መንግስቲ ሶማልያ ይዅን እቲ ኣብቲ ከባቢ ስርሒታት ጸረ-ጭወያ ዘካይድ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ክሳዕ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን።