ዝተኸወለ ሓቂ መዓስከር ባቱክ፡ ኬንያውያን ብዲኤንአ ብሪጣናውያን ኣቦታቶም ይረኽቡ

ንባብ: 4 ደቓይቕ

'ኤድዋርድ' ዝተባህለ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኬንያዊ ቈልዓ፡ ኣቦኡ ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

እቲ ካብ ብጾቱ ዝጻዕደወ ሕብሪ ቆርበቱ ግን ንዓመታት ንላግጽን ቅየዐን ከቃልዖ እዩ ጸኒሑ።

ኣቦኡ ንኤድዋርድ [ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን] ገና ከይተወልደ እንከሎ ብምጥፍኡ፡ ኣደኡ ኣብ ከቢድ ድኽነትን ካብ ገለ ኣባላት ስድራቤታ ተነጺላን ክትነብር ተገዲዳ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና፡ እቲ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስልጠና ሰራዊት ብሪጣንያ ከም ኮትራክተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቦኡን ካልኦት ኣብኡ ዘገልገሉ 19 ወተሃደራትን ብሓገዝ መርመራ ዲኤንኤ ኣቦነቶም ተረጋጊጹን ተደልዮም ተረኺቦምን ኣለዉ።

ዛጊት ናይ 12 ካብኦም ሕጋዊ ኣቦነት ብላዕለዋይ ዳኛ ቤትፍርዲ ተረጋጊጹ ይርከብ።

እዚ መስርሕ'ዚ፡ ኣቦታቶም ኣበይ ከም ዘለዉ ወይ ድማ ኣቦታቶም መን ምዃኖም ንዘይፈልጡ ከምኡ'ውን ኣቦታቶም ከም ዝሞቱ ክኣምኑ ንዝተገብሩ ውሉዳት መልሲ ሂቡዎም ኣሎ።

ኵሎም ንሕቶ መንነቶም መልሲ ክረኽቡ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ንብዙሕ ቍጠባዊ ጸገማት'ውን ተቓሊዖም እዮም።

ካብቶም ኣቦነቶም ዝተረጋገጸ 12 ሰባት መብዛሕትኦም ሕጂ ዜግነት ብሪጣንያ ንምርካብ መሰል ክህልዎም እንከሎ፡ ዕድመኦም ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዀኑ ድማ ናይ መነባብሮ ሓገዝ ክወሃቦም እዩ።

ብሪጣናዊ ጠበቓ ጄምስ ናቶ ከምኡ'ውን ኣብ ኬንያ ግዳያት ኣብ ምድላይ ዝነጠፈ ጠበቓ ኬልቪን ኩባይ ከም ዝገለጹዎ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራዊ ስልጠና ብሪጣንያ ባቱክ፡ ካብ ብሪጣናውያን ወተሃደራት ዝተወልዱ ኣስታት 100 ዝዀኑ ኣብ ጸብጻብ ዝሰፈሩ ውሉዳት ኣለዉ።

እንተዀነ፡ ጀምስ ናቶ ካብዚ ቍጽሪ ንላዕሊ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝኣምን።

'ተሓታትነት ዘይብሉ ባህሊ'

እቲ ካብ 1964 ጀሚሩ ዝተመስረተን በብዓመቱ ልዕሊ 5,000 ወተሃደራት ብሪጣንያ ዝሓልፉሉን መዓስከር ባቱክ፡ ካብ ናይሮቢ 185 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ናንዩኪ ንዓመታት ሓያሎ ክትዓት ከለዓዕል ጸኒሑ እዩ።

ባይቶ ኬንያ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዘውጽኦ ናይ ክልተ ዓመት መርመራ፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብቲ መዓስከር "ተሓታትነት ብዘይብሉ ባህሊ" ይሰርሑ ከም ዘለዉ ብምኽሳስ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንደቀንስትዮ ናይቲ ከባቢ ኣጥኒሶም ብዘይሓልዮት ገዲፎመን ከም ዝኸዱን ወቒሱ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ "በቲ ዝተፈጥረ ጸገማትን ብድሆታትን ኣዝዩ ሓዘን ይስምዓና፡" ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ።

ብመርመራ ዲኤንኤ ዝተደገፈ ሃድን ኣቦነት

ጀምስ ናቶ ምስ ፕሮፌሰር ጀነቲክስ ዴኒስ ሳይንደርኮምብ ኮርት ብምዃን፡ "ሳንዱቕ ዝመልአ ናይ ዲኤንኤ መመርመሪ መሳርሒታት" ሒዞም ናብ ኬንያ ኣምሪሖም።

ነቲ ካብ ውሉዳት ዝወሰዱዎ ናይ ዲኤንኤ ቅምሶ ምስቲ ኣብ ማዕከን ጀነቲካዊ ሓበሬታ ዘሎ መረዳእታታት ብምንጽጻር፡ ነቶም ካብ 3 ክሳዕ 70 ዝዕድመኦም ግዳያት ኣቦታቶም ክረኽብሎም ክኢሎም ኣለዉ።

"ኣብያተ ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዚ ዝዓይነቱ ሰፊሕ ናይ ዲኤንኤ ምርመራ ክጥቀማ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ፡" ይብል ናቶ።

ክሳዕ ክንድኡ ውጽኢት ከመዝግቡ ትጽቢት ከም ዘይነበሮ ዝገልጽ ጀምስ ናቶ፡ "ካብ ርሑቕ ስድራቤት ጀሚርካ ክሳብ ቀጥታ ኣቦታት ዝዀኑ ክንረክብ ክኢልና፡" ይብል።

'ብሪጣንያዊ መግዛእቲ'

እዚ ፍጻመ'ዚ ንኤድዋርድን ኣደኡ ናሲቦን ህይወቶም ዝቕይር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናሲቦ፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ "ጭዋታት" (gentlemen) ይመስሉዋ ከም ዝነበሩ ትገልጽ። ደሓር ግን፡ ነፍሰ-ጾር ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ኰነት፡ ኣቦ ወዳ ንህጹጽ ጉዳይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ምዃኑ ነጊሩ ምስ ከደ ኵሉ ርክባት ኣቋሪጹ።

ናሲቦ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ ብስድራቤታ ካብ ገዛ ክትወጽእ ተገዲዳ እያ።

ወዳ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ መላገጺ ኰይኑ፣ "ብሪጣንያዊ መግዛእቲ ኢሎም ይጽውዕዎ፡" ኢላ።

ጀምስ ናቶ ነቲ ኣቦ ክረኽቦ ምስ ከኣለ፡ ናይ መነባብሮ ሓገዝ ንክኸፍል ሕጋዊ መስርሕ ይጅምር ኣሎ።

ሞይቱ ዝተባህለ ኣቦ ብህይወት ተረኺቡ

ካልእ ግዳይ ዝዀነት ጓል 18 ዓመት ኢቮን፡ ኣቦኣ ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ የገልግል ከም ዝነበረን ምውት ምዃኑን እናፈለጠት እያ ዓብያ።

ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ወተሃደራት እዮም ንኣቦሓጎኣ ኣቦኣ ከም ዝሞተ ነጊሮሞ።

እቲ ሕጋዊ መስርሕ ግን - ምስ ሓደ ናይቲ ሰብኣይ ዘመድ ብምንጽጻር - ኣቦኣ ብህይወት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝነብር ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣቦ ንትእዛዝ ቤትፍርዲ ክነጽግ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ሕጊ ቀሪቡ ኣቦነቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዛጊት ግን ምስ ኢቮን ክራኸብ ፍቓደኛ ኣይኰነን ዘሎ።

ዳግማይ ህይወት ዝሰዅዐ ተስፋ

ኵሎም እቶም ኣቦታት ግን ኣይኰኑን ተወቀስቲ። ፊል ዝተባህለ ናይ ቀደም ወተሃደር ብሪጣንያ፡ ሕጂ ምስታ ጓል 20 ዓመት ጓሉ ካቲ ርክብ ይጅምር ኣሎ።

"ንካቲ ንዝባኸነ ግዜኣ ክመልሰላ ከም ዘይክእል ነጊረያ ኣለኹ፣ ዝከኣለኒ ግን ክገብር እየ፡" ይብል።

ካቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዳ ክትረኽቦ ተስፋ ኣንቢራ ኣላ።

ጠበቓ ኬልቪን ኩባይ፡ እቲ ፍታሕ እዞም ሰባት ኣብ ኬንያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ንዝወልዱዎም ህጻናት ተሓተቲ ክዀኑ ምግባር ጥራይ ምዃኑ የጕልሕ።

ታሕሳስ ዝወጽአ ጸብጻብ ባይቶ ኬንያ፡ መንግስቲ ኬንያ ሓደስቲ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ ወተሃደራት መዓስከር ባቱክ ንደቆም ተሓተቲ ዝዀንሉ መንገዲ ክፈጥር ጸዊዑ ኣሎ።