እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒላ
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብቐጥታ ፈነወ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተፈጺሙ ብዝተባህለ ቅትለት ዝተጠርጠረ ውልቀሰብን ሓሙሽተ "መሻርኽቱ"ን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓሉ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ነቲ ናይ ቅትለት ተግባር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዝዘርግሑን ዘጓሃሃሩን" ልዕሊ 100 ሰባት እውን ተታሒዞም ኣለዉ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ጅቡትን ሶማልያን ብምብጋስ፡ ንባሕሪ ዓደን ሰጊሮም ናብ የመን ብምእታው እዮም ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሑ።
እዞም ስደተኛታት ኣብቲ "ምብራቓዊ ጐደና" ዝስመ ሓደገኛ ጕዕዞ፡ ብሰንኪ ዘይሕጋውያን መዘዋወርቲ ሰባትን ኣብ የመን ዘሎ ኲናትን ንኸቢድ ስቓይን ሞትን ከም ዝቃልዑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ'ውን ብተደጋጋሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጥሞም ወግዓውያን ትካላት ክጽብጽባ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ 1 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት "ዝተወልዐ ግጭትን ናይ ቅትለት ገበንን" ክካየድ ከም ዝጸንሐን፡ እዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ከም ዝጸንሐን ኣዘኻኺሩ።
እቲ ኤምባሲ ነቲ ተግባር "ንባህልን ክብርታትን ሃገር ዘይውክል ሕማቕ ተግባር፡" ክብል ገሊጽዎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝርከቡ ዜጋታት ብቐጥታ ፈነወ ቲክቶክ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ ዘስካሕክሕ ቅትለት፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት ቍጠዐን ክትዕን ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ እቲ ኤምባሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ከባቢያዊ ጕጅለታት ብምፍጣር ንሓድሕዶም ክጋጨዉ" ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተዉን ኣብ "ገጠራትን በረኻታትን ዝተኸርደኑን" ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኡ ድማ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ገበን ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀሰብ ምስ ሓሙሽተ ተሓባበርቱ ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
"ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕን ብምጕልባብን ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 100 ውልቀሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ጉዳዮም ይጻረ ኣሎ፡" ብምባል እቲ ኤምባሲ ብዝሒ ናይቶም ዝተታሕዙ ሰባት ኣመልኪቱ።
ከም መግለጺ እቲ ኤምባሲ፡ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክውዕሉ ዝኸኣሉ ምስ ሕብረተሰብን ምስ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ስዑዲን ብዝተገብረ ጽዑቕ ምክትታል ኰይኑ፡ እቲ ኤምባሲን ሕብረተሰብን ዘቕረብዎ ሓበሬታ ድማ ነቶም ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ከም ዝሓገዘ ተጠቒሱ።
እቲ ኤምባሲ ምስ ትካላት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር፡ እቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽን ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ገበን ተሳትፎ ዘለዎም ውልቀሰባት ብዝምልከት ዝዀነ ሓበሬታ ዘለዎ ወገን ነቲ ኤምባሲ ክሕብር ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ዜጋታት ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ካብ ምዝርጋሕ ክቝጠቡ ዘተሓሳሰበ እቲ ኤምባሲ፡ "ሕግታትን ደንብታትን እታ ሃገር ብምኽባር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰላም ከምኡ'ውን ክብረትን ሓድነትን እቲ ማሕበረሰብ ክሕልዉ፡" ጸዊዑ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐን ብሰንኪ ኣስካሕካሕነቱ ብብዙሓት ክዅነን ዝጸንሐን ተግባር፡ ፈጸምቱ ብሕጊ ክሕተቱ ጻውዒታት ክቐርብሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምስ ምስግጋርን ንግድን ዕጸ-ፋርስ ከምኡ'ውን ጫት ብዝተተሓሓዘ ገበናት ተኸሲሶም ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ይፍለጥ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ጽኑዕ ሕጊ እትኽተል ሃገር ኰይና፡ ዛጊት እውን ኣማእት ዜጋታት ብተመሳሳሊ ገበናት ኣብ ኣብያተ-ማሕዩር እታ ሃገር ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ይግለጽ።