ሶማልያ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብቐርሰንቲ ተጨውያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ቐርሰንቲ ንሓንቲ መርከብ ነዳዲ ከምዝጨወዩ ብዙሓት ሰበስልጣን ጸጥታ ሶማልያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓለዋ ባሕሪ የመን ኣቐዲሙ፡ እታ ኤምቲ ዩሬካ ብዝብል እትጽዋዕ መርከብ ተጨውያ ናብ ሶማልያ ገጻ ተቕንዕ ከምዘላ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ጥቓ ወደብ ቃና ብቐርሰንቲ ከምዝተጨወየት ድማ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ቐርሰንቲ ካብቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ካብ እትርከብ ከተማ ቃንዳላ ከምዝተበገሱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሰበስልጣን ጸጥታ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ሓቢሮም።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ፡ 17 ሰራሕተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ነዳዲ ብቐርሰንቲ ከም ዝተጨውየት፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ጸጥታ ንቢቢሲ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ሆነር 25፡ 18,500 በርሚል ነዳዲ ሒዛ'ያ ናብ ሞቓድሾ ተምርሕ ነይራ።
ኤምቲ ዩሬካ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ንኻልኣይ ግዜ ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ እያ።
ኤምቲ ዩሬካ ባንዴራ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቶጎ ገይራ'ያ ትንቀሳቐስ ነይራ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ መንጎ የመንን ሶማልያን ትጓዓዝ ኣላ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት ድማ ኣብ ማያት ሶማልያ መልሕቓ ክትድርቢ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስርሒት መጓዓዝያ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ዕጡቓት" ኣብ ጥቓ ኣል-ሙካላ፡ የመን ናብ ዝርከብ መራኽብ ጽዕነት ይጽግዑ ከምዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።
እቶም ዕጡቓት ካብ ከተማ ካሉላ (ኣሉላ) ካብ ዝርከብ ርሑቕ ገማግም ባሕሪ ከምዝተበገሱ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ጸጥታ ገሊጾም።
ከተማ ካሉላ ካብቲ ንኤምቲ ዩሬካ ዝጨወዩ ቐርሰንቲ ዝተበገሱሉ 209 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ።
እቶም ክልተ ዝተፈላለዩ ጭውያታት፡ ሽፍትነት ኣብ መላእ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ዘመልክቱ እዮም።
ሶማልያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝነወሐ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ብጠቕላል እቲ ሶማልያ እትውንኖ ገማግም 3,333 ኪሎሜተር'ዩ ዝዝርጋሕ።
ሰበስልጣን ሶማልያን ኣብ ማያት ሶማልያ ንዝካየድ ስርሒታት ጸረ ሽፍትነት ዝከታተል ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ገና ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ጭውያ መልሲ ኣይሃቡን።
ካብ 2011 ጀሚሩ እናነከየ ዝኸይድ ዝነበረ ሽፍትነት ባሕሪ ሶማልያ፡ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ዓለምለኻውያን ሓይልታት ባሕሪ ዕጡቓት ሑቲ ንዝፈጠርዎ ስግኣት ክምክቱ ኣገዲዱ ኣሎ።
በዚ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ነቲ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ክጥቀሙሉ ኣኽኢልዎም እዩ።
"እቲ ምስ ሸፋቱ ባሕሪ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ካብቲ ብዙሓት ዝግንዘብዎ ኣዝዩ ዝኸፍአ'ዩ። ኣብ መላእ ገማግም ባሕሪ (ናይ ዕጡቓት ጉጅለታት) ምንቅስቓሳት ይውስኽ ኣሎ" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ንቢቢሲ ገሊጹ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


