ቅዱስ ሲኖዶስ 60 ኣመንቲ ምቕታሎም ኣረጋጊጹ፡ ተሓታቲኸ መን እዩ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ፡ ንኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ "ዒላማ ዝገበረ" ኣብ ዝበሎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ፡ 60 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2026 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሃይማኖትን መንነትን መሰረት ዝገበረ ቅትለታት እዩ።

ብመሰረት እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብሰኑይ 26 ጥቅምቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብ20ን 24ን ጥቅምቲ ኣብ ወረዳታት መርቲን ሽርካን እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ፍጻመ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ከቢድ መውጋእቲ ክወርዶም እንከሎ፡ 20 ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ዓንዩ።

ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ ወረዳ መርቲ ቀበሌ ኣንጋዳ (ጎራ ሲሊንጎ) 14 ሰባት፡ ብ24 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ወረዳ ሽርካ ኣብ ዝርከባ ተረታ፡ ጮሌን ቢርቦን ዝተባህላ ከባቢታት 46 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

መሰኻኽር ዓይንን ምንጭታት ቤተ-ክርስትያንን ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ወረዳ ሽርካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ኵሎም እቶም ዝሞቱ ኣብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን "ኣብ ሓደ ጋህሲ" ከም ዝተቐብሩ እቶም ነበርቲ ኣረዲኦም።

ጻውዒት ቅዱስ ሲኖዶስ

"ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ዝቐረበ ጸብጻብ ብዓሚቝ ሓዘን ሰሚዕናዮ ኣሎና፡" ዝበለ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እቲ ቅትለት "ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝወረደ ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነን ሳሃሮን እዩ፡" ክብል ገሊጽዎ።

እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ተግባር ብትሪ ብምዅናን፡ ትካላት መንግስቲ ነቲ ቅትለት ብግህዶ ክዅንናን ንሰላማውያን ሰባት ዕቝባ ክህባን ጸዊዓ ኣላ።

ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዘተ ንምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ዝሓበረ እቲ ሲኖዶስ፡ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ሕጋዊ ናይ ኣምልኾ መሰል ኣመንቲ ክሕሎን ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ፡ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ድሕሪ ቅዳሴ ጸሎተ ፍትሓት ክገብራ ኣዚዙ ኣሎ።

መቐጸልታ ናይ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት

እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ፡ ካብቲ ኣብቲ ብሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ትሕቲ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝተኻተተ ዞባ ኣርሲ፡ ንነዊሕ እዋን ክካየድ ዝጸንሐ ዒላማ ዝገበረ ቅትለታት ዝተፈልየ ኣይኰነን።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ካብ 2021/2022 ኣትሒዙ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ካብ 2023/2024 ንነጀው ድማ መሊሱ ተጋዲዱ ኣሎ።

ክሳዕ ግንቦት 2026 ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ "458 ሰባት" ክቕተሉ እንከለዉ፡ 38 ነበርቲ ድማ ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ኢሰመጉ ኣረጋጊጹ እዩ።

ድሕሪ እዚ ጸብጻብ'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፉ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ተፈጺሞም እዮም፤

  • ግንቦት 2026፡ ኣብ ወረዳታት ስልጣናን ኣሰኮን ብዝተፈጸመ መጥቃዕትታት 13 ኣመንቲ ክቕተሉ እንከለዉ፡ 101 ዓመት ዝገበረት ቤተ-ክርስትያን ተቓጺላ፣ ልዕሊ 280 ምእመናን ድማ ተመዛቢሎም። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ መጥቃዕቲ "ሃገር ንዘይምርግጋእ ዝተገብረ ውዲት" ብምባል ን'ኦነግ ሸኔ' ተሓታቲ ክገብር እንከሎ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን ነቲ ክሲ ነጺጉዎ እዩ።
  • ለካቲትን መጋቢትን 2026፡ ካብ 23 ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ወረዳታት ሽርካን መርቲን ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ መጋቢት ድማ ኣብ ዶዶላ ዝርከቡ ክልተ ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራቤቶም ተቐቲሎም።
  • ጥቅምቲ 2025፡ ኣብ ወረዳታት ጉና፡ መርቲ፡ ሽርካን ሆንቆሎ ዋቤን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ህጻናት ዝርከብዎም 25 ኣመንቲ ተቐቲሎም። ካብዞም ግዳያት እቶም ሸሞንተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት እዮም ነይሮም።
  • ሕዳር 2023፡ ኣብ ወረዳ ሽርካ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ኣብያተ-ክርስትያናት (ሶሌ ሚካኤል፡ ዲገሎ ማርያምን ሮቤ እንደቶ ደብረ ምጥማቅ ማርያምን) 36 ምእመናን ተቐቲሎም። ዕድመ እቶም ግዳያት ካብ ወዲ 28 መዓልቲ ዕሸል ክሳዕ 70 ዓመት ኣረጋዊ ዝበጽሕ እዩ ነይሩ።

ተሓታቲ መን እዩ?

እዚ ኵሉ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታት ንዓመታት እናተፈጸመ፡ ዛጊት ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የሎን።

ቢቢሲ ነቲ ብቕዱስ ሲኖዶስን ነበርትን ዝተዋህበ ቍጽሪ መወትን ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕትን ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

መንግስቲ ንመብዛሕትኡ መጥቃዕትታት ነቲ 'ሸኔ' ብዝብል ስም ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብኣንጻሩ ንሓይልታት መንግስቲ ተሓታቲ ይገብር።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታትን፡ መንግስቲ ንህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ብግቡእ ክፍጽም ብዘይምኽኣሉ፡ ንጹሃት ዒላማ ዝዀንሉ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ክፍጸም ክኢሉ ክብሉ ይነቕፉ።

መንግስቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዝህቦ መግለጺታት ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ስጕምቲ ይወስድ ምህላዉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ግብራዊ ውጽኢቱ ግና ኣይረኣይን።

ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ፡ ነዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣረጋጊጹ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ "ግብረ-ሽበራ" ዝበልዎ ዕጡቕ ጕጅለ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ተደጋጋሚ መብጽዓታት መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ኣርሲ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ ክሳዕ ሕጂ መዕለቢ ክገብረሉ ኣይከኣለን።