እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስደት ዝነብር ነቓፊ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ተሰይፉ ተረኺቡ
ንፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ብቕሉዕ ዝነቅፍ ኣቐዲሙ ሰርደንት ማጆር ሰራዊት ሩዋንዳ ዝነበረ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ካብ ርእሱ ተቖሪፁ ተረኺቡ።
ወዲ 50 ዓመት ሮበርት ካቤራ፡ ብፆታዊ መጥቃዕቲ ምኽሳሱ ስዒቡ ካብ ሩዋንዳ ሃዲሙ። ሮበርት ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይወዓሎ እዩ ዝገልፅ ነይሩ።
ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶኡ ይህደን ከም ዘሎ ብምግላፅ ድማ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ፡ ዕቑባ ሓቲቱ ኣብ ስደት ይነብር ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዩጋንዳ ኪቱማ ሩሶኬ፡ ዝተቖረፀ ርእሲ ሮበርት ካቤራ ዛጊድ ከም ዘይተረኸበ ብሰኑይ ገሊፁ።
ሬስኡ፡ ኣብ ወሰናስን ካምፓላ ብዝነብሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ እዩ ተረኺቡ።
መንግስቲ ሩዋንዳ ብዛዕባ ቅትለት ሮበርት ካቤራ ኣመልኪቱ ዛጊድ ብወግዒ ርኢቶ ኣይሃበን። ብዙሓት ነቐፍቲ ፖል ካጋመ፡ ኣብ ሩዋንዳን ሃገራት ወፃኢን ተቐቲሎም እዮም።
በዓልቲ ቤቱ ንሮበርት ካቤራ ዝኾነት ሩዊጌማ፡ ኣብዚ እዋን ንድሕነት ስድርኣ ከም ዝተሻቐለት ንቢቢሲ ግሬት ሌክስ ብፅሑፍ ገሊፃ።
"ዘፍርሕ እዩ። ሰንቢደ እየ። ኣነን ደቀይን ውሑሳት ኣይኰናን" ኢላ።
ስድርኡ ከም ዝገልፅዎ፡ ካቤራ ቅድሚ ምሟቱ ካብ ካምፓላ 45 ኪሎሜትር ርሕቐት ናብ ዝርከብ ህንፃታት ዝስረሐሉ ቦታ ምርመራ ክገብር ተጓዒዙ ነይሩ።
ሮበርት ካቤራ፡ ሙዚቀኛን ዩቲዩበርን ብምዃን ዝና ኣጥርዩ እዩ። ኣብ ዩቲዩብ ቻነሉ፡ ልዕሊ 144 ሽሕ ሰዓብቲ (ሰብስክራይበርስ) ኣለውዎ። ኣብዚ ቻነሉ ልዕሊ 800 ቪድዮታት ዝዘርግሐ ኮይኑ፡ ካብዚኦም ዝበዝሑ ንካጋመን ምምሕዳሩን ዝነቕፉ እዮም።
ቅትለት ሮበርት ካቤራ ምስ ተሰምዐ ኣብ ስደት ዝርከብ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ሩዋንዳ ሃገራዊ ኮንግረስ-ኣርኤንሲ፡ ሙሉእ ምርመራ ክካየድን ተሓተትቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ፀዊዑ።
ውድብ ኣርኤንሲ ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ "ሎሚ ስድርኡ ይሓዝኑ ኣለዉ፣ ሞቱ ንህዝባዊ ነቐፌትኡ ፀጥ ኣቢልዎ ኣሎ፣ ኣብ ስደት ክነብሩ ዝተገደዱ ሩዋንዳውያን ድማ፡ ኣበይ ኢና ውሑሳት ንኸውን? ምስ ዝብል ኣዝዩ ዘፍርሕ ሕቶ ተፋጢጦም ኣለዉ" ኢሉ።
ሞት ሮበርት ካቤራ፡ ንስግኣት ድሕነት እቶም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶኡ ኣብ ስደት ክነብሩ ዝተገደዱ ነቐፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሩዋንዳውያን ኣሐይልዎ ኣሎ።
ውድብ ሃገራዊ ኮንግረስ-ኣርኤንሲ ኣብ ምምስራት ሓገዝ ዝገበረ ሓላፊ ስለላ ሩዋንዳ ነበር ፓትሪክ ካሬጌያ፡ ኣብ 2014 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ መዕረፊ ኣብ ዝሓዘሉ ሆቴል ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ይዝከር።
ምስ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ከቢድ ጎንፂ ዝነበሮ ካሬጌያ፡ ክልተ ግዘ ተኣሲሩ። ትእዛዝ ብዘይምቕባልን ብዘይፍቓድ ንወተሃደራዊ ግቡእ ምርሕራሕን ብዝብል ተኸሲሱ ን18 ኣዋርሕ ተኣሲሩ።
ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ድማ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምህዳም ቀንዲ ነቓፊ መንግስቲ ኰነ።
ሞት ፓትሪክ ካሬጌያ ስዒቡ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ንካልኦት ነቐፍቲ መጠንቀቕታ ከም ዝኾኑ ዝተተርጎሙ (ዝተርኣዩ) መግለፂታት ሂቡ።
"ዝኾነ ብህይወት ዘሎ ሰብ ኣንፃር ሩዋንዳ ሽርሒ ዝኣደነ፡ መን ምዃኑ ብዘየግድስ ዋጋ ክኸፍል እዩ። ናይ ግዘ ጉዳይ እዩ" ኢሉ።
ኣብ 2019፡ ሰብመዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፓትሪክ ካሬጌያ ብምቅታል ዝተኸሰሱ ክልተ ውልቀሰባት ንክእሰሩ ትእዛዝ ኣውፅዩ ነይሩ።