ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ምስ ፕረዚደን ኣል ሲሲ

ምንጪ ስእሊ, @China_Amb_India

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ሃገሩ ምስ ግብጺ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝመስረተትሉ መበል 70 ዓመት ንምጽንባል፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ናብ ካይሮ ወግዓዊ ጕዕዞ ገይሩ ነይሩ።

እቲ ብሰሉስን ረቡዕን ዝተኻየደ ምብጻሕ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ምስ ተዛዘመ፡ ክልተአን ሃገራት ንጹርን ተሪርን መርገጺ ዝሓዘ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።

እዚ መግለጺ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ እትከራኸረሉ ጉዳይ ማይ ኣባይ (ናይል) ኰይኑ፡ ብተወሳኺ'ውን ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቀንዲ ኣጀንዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝተንከፈ እዩ።

ኣብቲ መግለጺ ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ግብጺ'ውን ኣቐዲማ ከተልዕሎም ዝጸንሐት እዮም። እቲ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ነጥቢ ግና፡ እቲ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ኣረኣእያ፡ መርገጺ ቻይና'ውን ኰይኑ ብሓባር ምውጽኡ እዩ።

እዚ ስታራተጅያዊ ጸግዒ ቻይና ምስ ረብሓታት ግብጺ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ቻይና ኣብ ግብጺ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቍጠባዊ ዞባ መትረብ ስወጽ ብቢልዮናት ዝግመት ቍጠባዊ ወፍሪ ኣለዋ።

ግብጺ ድማ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መትኒ መንገዲ ንግዲ ቻይና ናብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብምዃና፡ ቻይና ንርግኣትን ረብሓን ግብጺ ምድጋፍ ከም ስትራተጅያዊ ምርጫ ዝወሰደቶ ትመስል።

"ኣብቲ መግለጺ ዘለዉ ቃላት ኵሎም ንረብሓን ንኣረኣእያን ግብጺ ጥራይ ዘንጸባርቑ እዮም፡" ኢሉ - ኣማኻሪ ልምዓት ሃብቲ ማይ፡ ዶብ-ሰገር ኣፍላጋትን ሃይድሮ-ዲፕሎማሲን ኣቶ ፈቅኣሕመድ ነጋሽ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ክኢላ ማያዊ (ሃይድሮ) ዲፕሎማሲ፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣገላልጻ ቻይና፡ ካብቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ከተርእዮ ዝጸንሐት ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ዝተፈልየ ምዃኑ የረድእ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ኤውሮጳን ግብጽን ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ብዛዕባ ማይ ኣባይ ዝሓዞ መርገጺ፡ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣልዒሉ ነይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን፡ ብዛዕባ ኣባይን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንረብሓ ግብጺ ዝወገነ መርገጺ ኣርእዩ ነይሩ እዩ።

እሞ እዚ ሓባራዊ መግለጺ፡ እታ ካልአይቲ ሓያል ሃገር ዓለም ዝዀነት ቻይና ኣብ ጉዳይ ኣባይ ናብ ግብጺ ከም ዝዘንበለት ዘርኢ ድዩ? እዚ ስጕምቲ'ዚ ንኢትዮጵያ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ትሕዝቶ እቲ ሓባራዊ መግለጺ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ቻይና 'ሽንህዋ' ዝወጽአ መግለጺ፡ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ 21 ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ነጥቢ ናይቲ መግለጺ፡ ክልተአን ሃገራት ን"መሰረታዊ ረብሓታትን ቀንዲ ስክፍታታትን" ንሓድሕደን "ዘይናወጽ ሓባራዊ ደገፍ" ከም ዘለወን ይገልጽ።

ቻይና ምስዚ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ታይዋን ከተልዕል ከላ፡ ግብጺ ድማ ጉዳይ ኣባይ ኣቕሪባ ኣላ።

እቲ መግለጺ፡ "ወገን ቻይና፡ ሩባ ኣባይ ንህይወት ግብጺ ወሳኒ ምዃኑ ይርዳእ እዩ፡" ይብል። ብተወሳኺ፡ ቻይና "ግብጺ ድሕነት ማይን መግብን ንምርግጋጽ ዘለዋ ሕጋዊ መሰል" ኣፍልጦ ሂባ ኣላ።

ክልተኦም ወገናት "ኵለን ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ፡ ጕድኣት ካብ ምብጻሕ ክቘጠባን ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብራን፡" ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ግብጺ ድማ ከም ኣማስያኡ፡ ንመምርሒ "ሓንቲ ቻይና" ውፍይቲ ምዃናን ታይዋን ድማ "ዘይትፍለ ኣካል ግዝኣት" ቻይና ምዃና ኣፍልጦ ሂባ ኣላ።

ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ብዝተላዕለ ነጥቢ ድማ ፕረዚደንት ዢን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ንምስፋን፡ "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ሃገራት ምኽባር ከም ዝግባእ ገሊጾም።

እዚ መርገጺ እዚ ብቐጥታ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ ከምኡ'ውን ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ግብጺ ነቲ ናይ ሶማሊላንድ ስምምዕ ከም ሓደጋ ንልዑላውነት ሶማልያ ክትርእዮ ከላ፡ ቻይና ድማ ምስቲ ንልዑላውነትን ሓድነትን ሃገራት ዘለዋ ዓለማዊ መርገጺ ብምውሃድ ንግብጺ ደጊፋ ኣላ።

"ቀንዲ ሓላፍነት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ገማግም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እዩ፡" ብምባል ድማ፡ ድሌታተን ክኽበር ከም ዝግባእ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

እዚ መርገጺ'ዚ፡ ግብጺ'ውን ኣቐዲማ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ኰይና ከተንጸባርቖ ዝጸንሐት እዩ።

እዚ መርገጺ እዚ ዝንጸባረቕ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌቱ ብወግዒ ኣብ ዘንጸባርቐሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ ነቲ ጉዳይ ተኣፋፊ ይገብሮ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ዝሓለፈ ጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ተላዒሉ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ እዋን ቻይና ዝሃበቶ ምላሽ፡ ዝዀነ ስምምዕ ልዑላውነት ሃገራትን ሕጊታት ሕቡራት ሃገራትን ዝሓለወ ክኸውን ከም ዝግባእ ዝገልጽ ሓፈሻዊ ሓሳብ እዩ ነይሩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ኣብ ጥሪ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብወገና ታይዋን "ዘይትፍለ ኣካል ግዝኣት ቻይና" ምዃና ኣረጋጊጻ።

እቲ መግለጺ ዘመልክቶም ነጥብታት

ኣማኻሪ ማያዊ-ዲፕሎማሲ ኣቶ ፈቅኣሕመድ፡ ግብጺ ምስ ሓያላን ሃገራት ኣብ እትገብሮ ስምምዕ ንረብሓ ኣባይ ከተእቱ ልሙድ ምዃኑ ይገልጽ።

ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ "ብዛዕባ ግድብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ" ንግብጺ ደገፍ ከም ዝህብ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ዘተ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣቦ መንበር ተክኒካዊ ኮሚቴ መሃንድስ ጌድዮን ኣስፋው፡ ኣብቲ መግለጺ ዝሰፈሩ ቃላት ብወገን ግብጺ ጥራይ ዝጥቀሱ ምዃኖም ይገልጽ።

መሃንድስ ጌድዮን፡ ነቲ "ጕድኣት ዘይምብጻሕ" ዝብል ኣገላልጻ ኣይቅበሎን። "'ጕሉሕ ጕድኣት ዘይምብጻሕ' ዝብል መምርሒ እዩ ዘሎ እምበር፡ ኣብ ዝዀነ ኣህጉራዊ ስምምዓት ምሉእ ብምሉእ ጕድኣት ዘይምብጻሕ ዝብል የሎን፡" ኢሉ።

ኣቶ ፈቅኣሕመድ'ውን ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ እቶም ቃላት "ቋንቋ ግብጺ እዮም፡" ኢሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጥቅምቲ ምስ ካይሮ ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ን"ድሕነት ማይ ግብጺ" ከም ዝድግፍን እዚ መርገጺኡ ድማ "ነቲ ግድብ ኢትዮጵያ'ውን ከም ዘጠቓልል" ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Council of the European Union

መግለጺ ስእሊ, ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጥቅምቲ ምስ ካይሮ ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ን"ድሕነት ማይ ግብጺ" ከም ዝድግፍን እዚ መርገጺኡ ድማ "ነቲ ግድብ ኢትዮጵያ'ውን ከም ዘጠቓልል" ኣፍሊጡ።

እዚ "ለውጢ መርገጺ" ንኢትዮጵያ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ከም መግለጺ ኣቶ ፈቅኣሕመድ፡ እዚ ቻይና ዘርኣየቶ መርገጺ ናብ ግብጺ ከም ዝዘንበለት ዘርኢ እዩ።

"ቻይና ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዘለዋ ርክብ፡ ግብጺ ከተሳልጠለይ እያ ዝብል እምነት ክህልዋ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ግብጺ ቅድሚ 70 ዓመት ንዴሳዊት ቻይና ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ዓረባዊት ሃገር ብምዃና፡ "ውዕለታ ከም ምምላስ" ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

መሃንድስ ጌድዮን ብወገኑ፡ ከምዚ ዓይነት ናብ ግብጺ ዝዘንበለ መርገጺ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ከም ዘይኰነ ይገልጽ፤ "ኣመሪካ'ውን ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ተመሳሳሊ መርገጺ ኣርእያ እያ፡" ብምባል የዘኻኽር።

ንሱ ወሲኹ፡ ዓበይቲ ሃገራት ዝወስድዎ መርገጺ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ይዅን እምበር፡ "ቻይና ትዅን ኣመሪካ ምስ ሃገርና ዘለወን ርክብ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኰነን፡" ብምባል ነገራት ኣብ መስርሕ ክእረሙ ከም ዝኽእሉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣቶ ፈቅኣሕመድ ድማ ቻይና ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ብዘይምዃና፡ "ተዘዋዋሪ ጸቕጢ ክትፈጥር ትኽእል ትኸውን እምበር ወሳኒት ኣካል ኣይኰነትን፡" ይብል።

ኢትዮጵያ ብዘለዋ ብዝሒ ህዝባን መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣን፡ ኵለን ሓያላን ሃገራት ምስኣ ክሰርሓ ከም ዝደልያ ድማ ይገልጽ።

"ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጽልዋ ከተሕድር እትኽእል ዓባይ ሃገር እያ፡" ብምባል ድማ የጠቓልል።