ሕክምና መርጐዲ መትሎ ዘካይዱ ደቂተባዕትዮ ስለምንታይ ይበዝሑ'ለዉ - ጥቕሙን ጉድኣቱን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጄሰን ቅርፂ መትሎኡ "ታኒካ ኮካ ኮላ" ክመስል ኣይደለየን ነይሩ።
እዚ ኣገላልፃ፡ ብሕክምና ኣዝዩ ክረጕድ ዝተገበረ መትሎ ቅርፁ ሓፂርን ረጕድን ምስ ዝዀነ ታኒካ ኮካ ኮላ ስለ ዝመሳሰል ዝተውሃበ እዩ።
ጄሰን ብዝገበሮ ሕክምና፡ ርጕዲ መትሎኡ ብ16 ሚእታዊት ወሲኹ።
መጠን መትሎኡ ምውሳኹ፡ "ርእሰ ተኣማንነቱ ክዛይድ" ከም ዝገበረ ይዛረብ።
ኣብ መትሎኡ ተወሳኺ "ንእሽተይ ርጕዲ" ካብ ምውሳኽ ወፃኢ "ኵሉ ነገር ከም ዝነበሮ'ዩ" ይብል።
ኣብ ዓለም ክንደየኖት ሰባት ከም ጄሰን ብምምላእ (filler) ዝካየድ ሕክምና ምርጓድ መትሎ ከም ዘካየዱ ንፁር ኣይኰነን።
እዚ ጉዳይ፡ ከንፈር ንምዕባይ ዝግበር ምምላእ ክንደየናይ ተፈታዊ እናኾነ ምምፅኡ ብግልፂ ምዕዛብ ከም ዝከኣል ኣይኰነን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሰብ ነቲ ሕክምና ክህብ ስለ ዝኽእል፡ ኣብቲ ዓውዲ ጥቡቕ ምቍጽጻር ኣይግበርን፤ ክንደይ ሰባት ከም ዝጥቀምዎ ዘርኢ ወግዓዊ መዝገብ'ውን የለን።
ይዅን'ምበር፡ ሕብሪ መትሎኦም ዝተቐየሮምን ቆርበቱ "ዝተለሓፆምን" ገለ ደቂ ተባዕትዮ፡ ናብ ክፍሊ ሕክምና ህጹጽ ረዲአት ምእታዎም ኣይተረፈን።
ማሕበር ሓኻይም ዩሮሎጂያዊ መጥባሕቲ ብሪጣንያ፡ እዚ ሕክምና ንዝገብሩ ደቂ ተባዕትዮ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ ኣሎ።
ከምዚ እንድሕር ኰይኑ ደኣ፡ ንምንታይ'ዮም ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ሕክምና ዝወስዱ? እንታይ ዓይነት ሓደጋታት'ከ የስዕብ?
ጄሰን፡ መጠን መትሎኡ ብምውሳኹ ሕጕስ'ኳ እንተኾነ፡ ቅርፂ እቲ ርጕዲ "ዝተመጣጠነ" ክኸውን ከም ዝደሊ ይዛረብ።
ነዚ ውሳነ ዝወሰደ ምኽንያት እንከረድእ፡ "ዝዀነ ነገር ከም ዝጐደለካ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንምንታይ ዘይትገብሮ?" ይብል።
ጄሰን ነዚ መጥባሕቲ ሕክምና ንምግባር ቅድሚ ምውሳኑ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት እንታይ ዓይነት ኣማራፂታት ከም ዘለዎ ዘድሊ ትዕዝብቲታት ወሲዱ እዩ።
ጄሰን፡ ብ"ሃያሉሮኒክ ኣሲድ" (hyaluronic acid) ዝወሃብ ዓይነት መትሎ ናይ ምርጓድ ምምላእ'ዩ መሪፁ።
ዋላ'ኳ ንመትሎኡ ዝህቦ ቅርጺ እንተዘይፈተዎ፡ "ምስ ግዜ ሓቒቑ ስለ ዝጠፍእ" ከም ዝመረፆ የረድእ።
መለክዒታት ጽባቐ ደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝተቐየሩ፡ ነዚ ሕክምና ክወስድ ከም ዝወሰነ ድማ ይዛረብ።
"ደቀንስትዮ ጥራይ ኣይኰናን ንባዕለን ክከናኸና ዘለወን፤ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ንባዕሎም ምክንኻን የድልዮም" ይብል።
"ሕብረተሰብ ይልወጥ እዩ ዘሎ፤ ማዕከናት ዜና ንዅሉ ነገር ዝስእልሉ መንገዲ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ልዑል ፅልዋ ዘለዎ እመስለኒ። ሕጂ ፍፁም ዝዀነ (ኣካላት) ናይ ዘለዎ ሰብ ምስሊ ከይረኣኻ ናብ ዝዀነ ክትከይድ ኣይትኽእልን" ብምባል የረድእ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕክምና መግዘፊ መትሎ ዝህቡ ክሊኒካት፡ "ብመጠን መትሎኹም ትሓፍሩ ዲኹም?" ዝብሉ መወዓውዒታት ይረኣዩ።
እዚ ዓይነት ሕቶ፡ ሰባት ነቲ ሕክምና ክወስዱ ከሻቕሎም ይኽእል።
ብመጥባሕቲ ሕክምና ወይ ብዘይ መጥባሕቲ መትሎ ንምዕባይ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ኣለዉ። ኣብ መትሎ ዝውግኡ ንጥረ ነገራት'ውን ዝተፈላለዩ እዮም።
'ሃያሉሮኒክ ኣሲድ' ዝተብሃለ ጀል ዝመስል ንጥረ ነገር ኣብ ውሽጢ መትሎ ምውጋእ፡ ብብዝሒ ዝተለመደ እዩ። እዚ ንጥረ ነገር ከንፈር ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ሕክምና'ውን የገልግል።
'ሃያሉሮኒክ ኣሲድ'፡ ብተፈጥሮ ኣብ ሰብነት ዝርከብ ሞሎኪዩል ሽኮር እዩ። ማይ ሒዙ ስለ ዝፀንሕ፡ "ናይ ራሕሲ ማግኔት" ብዝብል ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/James Gallagher
ዶክተር ጃቬድ ሑሴን ኣብ ብሪጣንያ ዓባይ ማንችስተር ኣብ ፕሬስትዊች ኣብ ዝርከብ ክሊኒኩ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት መትሎ ዘርጕድ ሕክምና ክህብ ፀኒሑ ኣሎ።
ሕክምና ዘፅነዐ ዶክተር ሑሴን፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ኮስሞቲካዊ ሕክምና ቅድሚ ምዝውዋሩ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።
ኣገልግሎት ምምላእ መትሎ ዝህብ ሰብ ብሕክምና ዝተመረቐ ክኸውን ከም ዝግባእ ዝድንግግ ሕጊ የለን።
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ብዝሒ ነዚ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።
ካብ ክሊ ዕድመ 20ታት ክሳብ 72 ንዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሓከመ ይገልፅ።
ኵነታት ጥዕና እቲ ተሓካሚ፡ ነዚ ሕክምና ንምንታይ ከም ዝደለየ፡ እንታይ ዓይነት ውፅኢት ከም ዝፅበ፡ ከምኡ'ውን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ብምምኽኻር እዩ፡ መስርሕ እቲ ሕክምና ዝጅምር።
እቲ ሕክምና ኣብ ዝወሃበሉ ዕለት፡ ናይቲ ውልቀሰብ መትሎ ላዕለዋይ ክፋልን ብኽልቲኡ ጎኑን፡ ሰለሰተ ግዜ ሃያሉሮኒክ ኣሲድ ይውጋእ።
እቲ መርፍእ ካብ መጀመርታ መትሎኦ ጀሚሩ፡ ክሳብ ምሉእ እቲ ዘንጊ ይኣቱ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/James Gallagher
ካብኡ መትሎኡ ዝተመጠጣነ ቅርፂ ንኽህልዎ 'ማሳጅ' ይግበር። እቲ ተሓካሚ ናብ ገዛኡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ነዚ ምግባር ክቕፅል ኣለዎ።
ዶክተር ጃቬድ ሑሴን ከም ዘረድኦ፡ ዋጋ ናይዚ ሕክምና 3500 ፓውንድ ሕክምና ዝወሰዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ርጕዲ መትሎኦም ካብ 10 ክሳብ 20 ሚእታዊት ይውስኽ።
እቲ ሕክምና ግና ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ከም ምሕባጥ፡ ምቝሳል፡ ማዕረ ዘይኰነ ምምላእ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ጉድኣታት ከጋጥሙ ይኽእሉ።
ከም ረኽሲ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ሓደጋታት'ውን ከጋጥሙ ይኽእሉ። ከምዚ ዓይነት ጐድናዊ ሳዕቤን፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ናይ ምምላእ ሕክምና ከጋጥም ዝኽእል'ዩ።
ካብዚ እንተገዲዱ ግን፡ መትሎ ንኽግተር ኣብ ዘድልዩ ጠቐምቲ ኣካላትን ሰራውር ደምን ጉድኣት ክበፅሕ ይኽእል።
ሓኻይም መጥባሕቲ ስግኣቶም ይገልፅሉ ዘለዉ እዚ ሕክምና ምሃብ ምቾት ይህብ እንተድኣ ኰይኑ ሕቶ ዝቐረበሉ ዶክተር ጃቬድ ሑሴን፡ ዝተወሰኑ ሰባት ንምንታይ ከም ዝሰግኡ "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝርደኦ" ይዛረብ።
"እዚ ፍርሒ ምኽኑይ እዩ፤ እንተዀነ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መረዳእታታት ይውስኹ ኣለዉ፤ ውፅኢታት'ውን ንረክብ ኣለና" ይብል።
እዚ ሕክምና ንደቂ ተባዕትዮ ዝህቦ "ረብሓ" ከም ዘሎ'ውን ይገልፅ።
ነገራት ናብ ዘይተደለዩ ኣንፈት ዝኸዱ እንተድኣ ኰይኖም፡ ነቲ ምምላእ መትሎ ብቕልጡፍ ምሕቓቕ ሓዊሱ "ብኡ ንብኡ ግብራዊ ዝኸውን መደብ" ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"እቲ ደስ ዝብል ነገር ግን ነዚ መደብ ንምትግባር ዘገድድ ኵነታት ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን" ይብል። ቢቢሲ ነዚ ርእይቶ ብናይ ባዕሉ መንገዲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኣብ ካልእ ቦታ ሕክምና ምስ ተገበረሉ "ኣመና ዝተበላሸዎ" ሓደ ተሓካሚ ምኽሪ ደልዩ ናብኡ መጺኡ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ዘይቅኑዕ ዓይነት ምምላእ ተገይሩሉ ከም ዝነበረ ዶክተር ጃቬድ ሑሴን ይዛረብ።
እቲ ሕክምና ኣብ ውሽጢ መትሎ ንዝርከቡ ሰራውር ደም እቲ ተሓካሚ ብምጉድኡን ቆርበቱ ይመውት ስለ ዝነበረን፡ "ዘንጊ መትሎኡ ክፅልም ከም ዝጀመረ" ይዛረብ። እቲ ውልቀሰብ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲአት ሕክምና ተላኢኹ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/James Gallagher
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣማኻሪ ኣንድሮሎጂን ሓኪም መጥባሕቲ ሕክምና ዩሮሎጂን ዝዀነ ፕሮፌሰር ቫይባቭ ሞድጊል፡ በዚ ሕክምና መትሎኦም ንዝተበላሸዎም ደቂ ተባዕትዮ ሓኪሙ እዩ።
"እዚ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ነቲ ተሓካሚ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል።
ፕሮፌሰር ቫይባቭ፡ "ህዋስ ቆርበት መትሎኡ ብምማቱ ይፅልምን ይለሓፅን" ንዝነበረ ውልቀሰብ፡ ሕክምና ከም ዝሃበ ይዝክር። "ደቂ ተባዕትዮ 'ብሉፅ ክኸውን'ዩ' ኢሎም ብምሕሳብ ይኸዱ። እንተኾነ ክኸዱ እንከለዉ ካብ ዝነበርዎ ኩነታት ዝያዳ ሓጐስ ስኢኖም ክምለሱ ይኽእሉ" ብምባል የጠንቅቕ።
ሽሙ ዝተቐየረ ኣሌክስ*፡ ካልእ ዓይነት መግዘፍ መትሎ ንምርካብ ናብ ጀርመን ተጓዒዙ ነይሩ።
መትሎኡ ነዊሕ መሲሉ ንኽርአ፡ መትሎኡ ምስ ዓፅሚ ምሕኹልቱ ዘተሓሕዝ ጅማት ንክቑረፅ ዝገብር መጥባሕቲ ሕክምና ገይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ስብሒ ተኣኪቡ፡ ኣብ ውሽጢ መትሎኡ ተወጊኡ።
ሕክምና ምስ ተገበረሉ ካብ ድንዛዘ ኣብ ዝነቕሓሉ፡ ዘይጽወር ቃንዛ ከም ዘጋጠሞ ይዝክር።
"ከቢድ ቍስሊ ኣጋጢሙኒ፣ ላዕለዋይ ክፍሊ ኣእጋረይ ምሉእ ብምሉእ ናብ ቢጫ ሕብሪ ተቐይሩ ነይሩ። ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብትኽክል ክስጕም ኣይክእልን ነይረ" ይብል።
ድሒሩ፡ ኣሌክስ*፡ ናብ ናይ ፕሮፌሰር ቫይባቭ ሞድጊል ክሊኒክ ከይዱ ሕክምና ተገይሩሉ። "ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ዕድል ኣይረኽቡን፤ ኣነ ዕድል ገይረ" ብምባል ይዛረብ።
ኣሌክስ ከም ዝብሎ፡ ቀደሙ'ውን እንተዀነ መጠን መትሎኡ "ንእሽተይ ኣይነበረን"።
ይዅን'ምበር ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባን ወሲባዊ ፊልምን ምርኣዩ፡ ካብዚ ዝበለፀ ገዚፍ መትሎ ምውናን "ተባዕታይነት" ከም ዘጐናፅፍ ክኣምን ከም ዝደረኾ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዝሒ መትሎ ዘርጕድ ሕክምናታት ዘርኢ ወግዓዊ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብሰንኪ ናይ ኦንላይን 'ትረንድ'፡ መወዓወዒታትን ማሕበራዊ ሚድያን፡ ብዝሒ ነዚ ሕክምና ዝወስዱ ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ፕሮፌሰር ሞድጊል ይዛረብ።
እዚ ኵነታት፡ ማሕበር ዩሮሎጂካል ሓኻይም ብሪጣንያ፡ ነዚ ሕክምና ዝምልከት ሓድሽ ለበዋ ንኸውፅእ ደሪኹ።
ፕሮፌሰር ሞድጊል፡ ንመስርሕ እቲ ሕክምና ዝምልከት ዘለዉ "ሓበሬታት ኣዝዮም ውሑዳት ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዘውፃእናዮ መምርሒ (ተሓከምቲ) እዞም ሕክምናታት ክወስዱ ሓሳብ ምቕራብ ከም ዘይንኽእል ይገልፅ" ኢሉ።
3750 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተሳተፉሎም 36 መፅናዕቲታት ገምጋማት እንተ ተኻየደ'ኳ፡ ሕጂ'ውን "ኵነታት ውሕስነት" እቲ ሕክምና ክሳብ ሕጂ ንፁር ከም ዘይኰነ እቲ መምርሒ ይገልፅ።
እኹል ሓበሬታ ካብ ዘይተረኸበሎም እቲ ሓደ፡ እቲ ዝግበር ምምላእ ኣብ ዝተናውሐ እዋን፡ ኣብ መትሎ እንታይ ይፈጥር ዝብል እዩ።
ከንፈር ንምዕባይ ከም ዝካየድ ናይ ምምላእ ሕክምና፡ ብተመሳሳሊ እቲ ከይዲ ኣብ መትሎ ንምፍፃም ዝተፈለየ ብቕዓት ኣየድልን ዝብል'ውን፡ እቲ ካልእ ስግኣት ዘበገሰ ጉዳይ እዩ።
እቲ ሕክምና ምሉእ ብምሉእ ምእጋድ "ምናልባት ኣዝዩ ዝኸበደ" ስጕምቲ ከም ዝኸውን ዝዛረብ ፕሮፌሰር ሞድጊል፡ እዚ ሕክምና ዝቕፅል እንተዀይኑ ግና፡ እቲ ዓውዲ "ልዑል ቍፅፅር ከም ዘድልዮ" ይገልፅ።
ደቂ ተባዕትዮ ጥቕሙን ሓደጋኡን ፈሊጦም ንኽውስኑ፣ ሕክምና ምርጓድ መትሎ ዝተኻየደሎም እዋናት ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ እዋን ሓበሬታት፡ ብደረጃ ሃገር ክስነዱ ከም ዘለዎም'ውን የገንዝብ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
