ሓይልታት ትግራይ ስለምንታይ ብቐሊሉ ተደፊኦም? ካብ በረኻታት ትግራይ ዝረኸብናዮ ምላሽ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዳግማይ ኲናት ትግራይ ብ13 መስከረም 2019 ዓ.ም ብሰለስት ግንባራት ምስተወለዐ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ ስሒቦም ወፂኦም።
ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት ድማ ሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ሓይልታት ሰላም ትግራይን፡ ዝበዝሕ ክፋል'ቲ ክልል፡ተቘፃፂሮሞ።
ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ዕጡቓት ጉጅለታት ኪዳን ዝምስረተን፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘይወግዓዊ ምሕዝነት ፈጢሩ ዘሎን ህወሓት፡ ስለምንታይ ሓይልታቱ ብሓጺር ግዜ ክድፍኡን ክኢሎም- ናይ ብዙሓት ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ፀብለልታ ከምዝፈጠረን እቲ ኲናት ከምዘብቀዐን ክእውጅ እንከሎ፤ መራሕቲ ህወሓት ድማ፡ ስትራቴጂካዊ ወተሃደራዊ ምዝላቕ ከምዝዀነ እዮም ዝራዛቡ።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካን ነበርትን፡ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ካብ በረኻታት ትግራይ ድማ ምለሽ ረኺብና ኣለና።
ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁርቁስ

ምንጪ ስእሊ, TAA
ቴድሮስ ጥላሁን፡ ነባሪ ከተማ መቐለ ዀይኑ፡ ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ዝሰርሕ እዩ። ኣብ ቅዱምን ድሑርን እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል እዩ ነይሩ።
ኵሉ ዓይነት መከራን ሓሳርን ብዓይኑ ርእዩ እዩ፤ ብዙሕ ነገር ድማ ክዕዘብ ፀኒሑ ኣሎ።
ንሱ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣይኰነንዶ እዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቲ ዝቐደመ'ውን ክተርፍ ከምዝነበሮ እዩ ዝኣምን።
"ህዝቢ ዘይተመያየጠሉን ዘይኣመነሉን ዝተሰሓሓተ ናይ ፖለቲካ ፕሮፓጋንዳ ዝፈጠሮ ህውከት እዩ፤ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ፡ ምሁራት ትግራይ፡ ኣደታት ትግራይ ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ትግራይ ከምዘይነበረት ኰይና፡ መሰረተ ልምዓታ ዓንዩ" ኢሉ።
ብድሕሪኡ ድማ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ ንህዝቢ ተስፋ ዝህብ እንተነበረ'ኳ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝተፈጥረ ቁርቁስ ስልጣን እቲ ኩነታት ናብዚ ከምርሕ ከምዝገበሮ ተዛሪቡ።
ቴድሮስ፡ ፖለቲካ'ቲ ክልል ከባብያዊነት ክሕዘ ከምዝተገብረ፡ እቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኣብ መንጐ ጀነራላት ከይተረፈ ምፍልላያት ፈጢሩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ናብዚ ሓደገኛ ኵነታት ከምዘምረሐ ይዛረብ።
"እቶም ኣዚና ነኽብሮም ዝነበረና ጀነራላት ከይተረፈ፡ ናብ ሚድያ ወፂኦም ናይ ሓደ ውድብ ማእገር ኢና ኢሎም፡ ንዝዀነ ዝተፈለየ ርእይቶ ዝሓዘ ሰብ ብምፍርራሕ፡ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተገዛእቲ ኰይኖም። ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ከቢድ ዝዀነ ስምብራት ፈፂሞም" ይብል ቴድሮስ።
15 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ግ] ኣዘዝቲ ኮርን ልዕሊ ኮርን፡ "ቀንዲ ስልጣን ዝነበሮም ኣመራርሓ" ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡"ክሕደት ከም ዝፈጸመን መሳርሒ ረብሓ ሓይልታት ወጻኢ" ከምዝዀኑን ብምኽሳስ፡ ክእለዩ ምውሳኖም ይዝከር።
ነቲ ብመሰርት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ፡ "ክሒዱ እዩ፡ በንዳ እዩ" ብዝብል ብሄራዊ ክሕደት ተኸሲሱ እዩ ብዕጡቓት ህወሓት ክፈርስ ተገይሩ።
ካብቶም ነዚ ውሳነ ዝተቓወሙ ጀነራላት፡ ብጀነራል በየነ ገ/እግዚኣብሄር [ወዲ ኣንጥሩ] ዝምርሑ፡ ናብ ሓራ መሬት ኢሎም ዝፅውዕዎ በረኻታት ዓፋር ወሪዶም፤ ኣብዚ ኲናት ድማ ኣንፃር ሓይልተታት ትግራይ ተሰሊፎም።
ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ኣቶ ብስራት ኣማረ፡ እቲ ውድብ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ድሕሪ ምምቓሉ፡ እቲ ምክፍፋል ብኸመይ ናብ ሓይልታት ፀጥታ ከምዝለሓኸ ይትንትን።
ኣብ መወዳእታ፡ ብደብረፅዮን (ዶ/ር)ን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረ እግዚኣብሄርን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ካብ ህዝቢ ዝተነፀሉ ውሱን ሓይሊ ከምዝዀነን፡ እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ [ጀነራላት] ክልተ ዝተፈላለየ መርገጺ ክሕዙ ከምዝተገደዱን ይዝክር።
ሓደ ወገን "እዚ ውዳበ እዚ ናትና እዩ፤ ክፈርስ የብሉን" ብምባል ሓላዊ ህወሓት ኮይኑ ቀፂሉ፣ እቶም ዝተረፉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ድማ ነዚ ብምቅዋም፡ ናብ በረኻ ኣምሪሖም" ይብል።
እዚ ድማ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ዝብሃል ፀረ ህወሓት ዕጡቕ ጉጅለ ክምስረት ምኽንያት ከምዝዀነ የዘኻኸር።
ህወሓት፡ ንባዕሉ ምስ ግዜ ዝሰማማዕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከሰጉም ኣይከኣለን ኢሉ ዝነቕፍ ኣቶ ብስራት፡ "እቲ ዝነበሮ ፀቢብ ኣተሓሳስባ ዓቂቡ ክወድቕ መሪፁ" ይብል።
ቴድሮስ'ውን ተመሳሰሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ።
"ናብ ተጋደልቲ ክንዲ ቆላሕ ምባል፡ ዝበረሰት ትግራይ ኣብ ክንዲ ምህናፅ፡ ናብ ዝበኣሰ ዕግርግርን ናይ ስልጣን ቁርቁስን ኣትዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ጀነራላት ተገማሚዖም፤ እቲ ናይ ሕዚ ስዕረት እዚ ዝወለዶ እዩ" ይብል።
ዋና ስራሕ መካየዲ ኤጀንሲ መራኸቢ ብዙኃን ትግራይ፡ ኣቶ ኣባዲ ገ/ስላሰ ግን፡ ካብ ዘይተፈልጠ በረኻታት ትግራይ ኰይኑ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ብስልኪ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብፍላይ ድሕሪ ቆቦ ዝተገብረ ውግእ ከምዘየለን፡ ሙሉእ ንሙሉእ ምንስሓብ ሰራዊት ከምዝዀነን እዩ ዝዛረበ።
ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ስዕረት ኣጋጢሙ ዝብል ድማ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ።
"ኣብ ዝሓለፈ 2013 ዓ.ም ናብ ናይ ፀላኢ ናይ ኲናት ተበግሶ ኣቲና ናብ ሙሉእ ዓወት ከይንሰጋገር ገይሩና እዩ" ዝበለ ኣቶ ኣባዲ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከይድገም ጥንቃቐ ከምዝገበረ ተዛሪቡ።
"ፀላኢ ሕዚ'ውን ከምኡ ዓይነት ትልሚ ነይሩዎ፤ ሰራዊትና ነቲ ኩነታት ምስ ገምግሞ፡ ኣብ 2013/15 ዓ.ም [ግ] ዝገበርናዮ ክንደግሞ የብልናን ዝብል እዩ ወሲኑ፡ 'ፀሊም መንገዲ ሒዞም ተር ኢሎም ይእተዉ'ሞ ኣብ ዝጠዓመና ቦታን ግዜን ክንገጥሞን መሊስና ክንድምስሶም ኢና' ብዝብል እዩ እቲ ምስሓብ ተኻይዱ"።
"ስለዚ ካብ ደቡብ ትግራይ ንደሓር ኣብዘሎ፡ ኣብ ኩለን ከተማተት ትግራይ ክኣቲ እንከሎ ብዘይ ዝዀነ ተኹሲ፤ ሰራዊት ትግራይ ከፊቱ እዩ ኣሕሊፉዎ። ሰራዊት ትግራይ ምንም ጫፉ ኣይተነኽአን፤" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግፋን ህዝባዊ ቅረታን
ካብ መንግስቲ ፌዴራል ሕጋዊ ሰብነት ዝሰኣነን እናተመቓቐለ ዝመፅአን ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሄራዊ ሓደጋ ብምእዋጅ፡ ብሓይሊ መናእሰያት ናብ ምግፋፍ ምእታዉ ፀብፃባት የመልክቱ፤ ቢቢሲ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ሰፊሕ መርመራ ምክያዱ ይዝከር።
ህወሓት፡ ኣብቲ ሓድሽ ዝወፅአ ኣዋጅ ብሄራዊ -መኸተ፡ ብሄራዊ ሓደጋ ስለዘንፀለለወ፡ ዓቕሚ ዘለዎ መንእሰይ ትግራይ ኣብ መኸተ ክዓስል ግዴታ ከምዘለዎ እዩ ኣዊጁ።
እቲ ከይዲ ብህዝቢ ተቓውሞ ዝገጠሞ ዀይኑ፡ ብዙሓት መናእሰያት መረበቶም ገዲፎም ክስደዱን ክመዛበሉን ኣገዲዱዎም። ኣብ ልዕሊ ነበርትን ወለድን ድማ ሰፊሕ ቅረታ ፈጢሩ ነይሩ።
መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝዀነ ነጣፊ ፖለቲካ ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ እዚ ሰራዊት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣስተዋፀኦ ዝገበረሉ ኣይኰነን ኢሉ እዩ ዝኣምን።
"ርግፅ እዩ፡ እቲ ሰራዊት ባዕሉ እቲ ዝነበረ እዩ፡ ክንደይ ታሪኽ ዝሰርሐ ሓይሊ እዩ፡ ሕዚ ግን ፖለቲካዊ ስንቂን ቅኒትን ዘይብሉ ሰራዊት፡ ናይ ግፋን ናይ ሓይልን ኣዋጅ ወፂኡሉ፤ ከምዚ ለያቡ፡ መንነቶም ተሸፊኖም ዝሰርቁ፡ ካብኡ ብዘይፍለ መንገዲ መንእሰይ ብሓይሊ እናገፈፈ እናሰረቐ ዝወስድ ዝነበረ ስለዝዀነ ብህዝቢ ከም ፀላኢ ክረአ ጀሚሩ" ይብል።
ሰለዚ፡ ኣብርሃ፡ ካብዚ ብምብጋስ፡ ነቲ ናይ ቀረባ እዋን ውግእ፡ "ቀዲሙ ብስዕረት ዝተጀመረ' ክብል እዩ ዝገልፆ ።
"ብስዕረት ዝተጀመረ ውግእ እዩ ዝብለሉ ምኽንያት፡ እቲ ሰራዊት ልዕሊ ሒደት መዓልታት ምውጋእ ስኢኑ፡ ነናብ ዓዱ ዝኸደሉ ምኽንያት ግልፂ እዩ፤ ካብ ላስታ ጀሚሩ ክሳብ ማእኸል ትግራይ ብእግሩ እዩ ኸይዱ፡ ኣብ ዘይኣምነሉ ተገፊፉ ዝኣተወ ሰራዊት ስለዝዀነ ከምኡ ምግባሩ ዝገርም ኣይኰነን" ኢሉ።
"ህይወት ዝኣክል ክትከፍል፡ ንምንታይ ክተከፍል ከምእትደሊ ክትፈልጥ ኣለካ፤ እዚ ዝበሃል ዓላማ ዘይብሉ ግን ህይወቱ ዝኸፍል ተጋዳላይ ፅንኩር ኩነታት እንትገጥሞ፡ ፀኒዑ ክዋጋእ እዩ፡ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ"።
ህወሓት ደጊፉ ዝነጥፍ ኣባዲ ገብረስላሰ ግን፡ "ክተንሳሕብ እንተለኻ ግን፡ ዓሰርተ ይዅን ሽሕ ሰብ ነናብ ገዝኡ ዝኸይድ ኣይሰኣንን፤ እንተ ኹሉ ሰራዊትና ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡ እቲ ከምኡ ኰይኑ ዝነበረ'ውን ናብ ሰራዊቱ ተመሊሱ ኣሎ፤ ምስ ፀላኢ ምትእስሳራት ዝነበሮም'ውን ናይ ፅሬት ገምጋም እናተኻየደ ፀኒሑ እዩ" ይብል።
እቲ ሰራዊት ተበቲኑ ዝብል ኰነ፡ በቢከባቢኡ ኣፅዋራት ሰባት ማሪኽና ዝብል ድማ ውፁእ ሕሶት ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ምክትል ህወሓት ኣቦመንበር ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን፡ ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣቶ ሚካኤል ኣስገዶምን ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ "እቲ ውግእ ተዛዚሙ ኣሎ" ንዝብል ምግለፂ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ርእይቶ ሂቦሙሉ።
እቶም ኣምራርሓ እቲ ውድብ፡ ሰራዊቶም ተኣምራዊ ኢሎም ዝገለፅዎ፡ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ንምፍናው ተዳልዮም ከምዘለዉ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ከባቢ ኰይኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ።
ከምቲ ናታቶም ኣገላልፃ፡ እቲ ኲናት ኣይተዛዘመን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዛጊድ ኣይተጀመረን ዝብል እዩ።
ኣቶ ኣባዲ ገ/ስላሰ'ውን፡ ኣብ ገጠራት ቆላ ተምቤን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ 'ሰራዊት 'ፀላኢ'፡ መጥቃዕቲ ከምዝተጀመን፡ ዝበዝሕ ገጠራት ዕሸላት ከተማታትን ትግራይ ኣብ ኢድ ሰራዊቶም ከምዝርከባን ተዛሪቡ።
"ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ወዲአ ኣብ ዝበሎ መዓልቲ፡ ናብ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ክሰጋገር እዩ፡ ክሳብ ሽዑ ግን ኣሃዱታት ትግራይ ብናይ ባዕለን መንገዲ መጥቃዕቲታት ይፍፅማ" ከምዘለዋ ኣብሪሁ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ብሓሙሽተ እዚታት ተወዲቡ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።
ብኣንፃሩ፡ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተሸምረረ ከምዝመፅአን፡ ኣብ ዝወዓሎ ከምዘይሓድርን፡ ናይ ምውጋእ ሞራል ከምዘይብሉን ተዛሪቡ።
ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ወተሃደራዊ ዀነ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትግራይ ከምዘየለ'ውን ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Redwan Hussien
ናብ ኣደባበይ ዝወፅአ ህዝቢ
ሓይልታት መንግስቲ፡ ዝበዝሓ ከተማታት ትግራይ ምስተቘፃፀሩ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ዶ/ር ኣብርሃም በላይን ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ዝርከቡዎም ሰብስልጣን መንግስቲ ፈዴራል ናብ ትግራይ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብ ክልቲአን ዓበይቲ ከተማታት [መቐለን ዓዲግራትን] ድማ ምውቕ ዝበለ ህዝባዊ ኣቀባብላ ክግበረሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተራእዩ።
ንድሕንቱ ክንብል ስሙ ዝተቐየረ ዳንኤል፡ ነባሪ ዓዲግራት ሓደ ካብቶም ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ነቶም መራሕትን ሰራዊትን ዝተቐበሉ እዩ።
"ቅድሚ ሕዚ ከምቲ እትፈልጦ ተገዲድካ እዩ ዝውፃእ ነይሩ፡ ሕዚ ግን ማንም ዘገድደካ ኣካል የለን፤ ናይ ልብኻ እትገልፀሉ ሰዓት እዩ ነይሩ። እቲ መንእሰይ እውን ከምቲ ዝረእኻዮ እዩ ደስ ዝብል ኣቀባብላ እዩ ገይሩሎም"።
እቲ መልእኽቱ፡ ንህወሓት ተቓውሞ ንምግላፅ ድዩ ዋላስ ንመንግስትን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ድጋፍ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልናሉ።
"እቲ ህዝቢ ኣብ ሓያል ጭቆና እዩ ነይሩ፤ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓይሊ እናነገረ እዩ ዘቐትል ነይሩ፤ ናይዚ [ህወሓት] ግን ሰብ ብዘይ ድሌቱ ገዛ ንገዛ እናንኳሕዀሐ ሰንሰን ኣቢልዎ እዩ። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ካብ ገዛ ኣይወፅእን ነይሩ። ከይግፈፍ ፈሪሑ ኣብ ገዛ ተዓፅዩ እዩ ዝውዕል ነይሩ፤" ይብል።
እዚ ምትእኽኻባት፡ ካብ ላዕሊ ካብ ሓለፍቲ መንግስቲ ዝተወደበ ዶ ይኸውን፡ ክንብል ዝሓተትናዮ እቲ ነባሪ፡
"ከምኡ ኣይኰነን፤ ማንም ኣየገደደናን፤ ብሱሩ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ተፈሊኻ ዝኸውን ነገር የለን፡ ዝብል ስምዒት እዩ ዘሎ። እቲ ቁጠባ'ውን ከቢድ እዩ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ኣብ ስራሕ የለን፤ ሰንሰን ኢሉ እዩ፤ ስለዚ ዝገዝኣ ይግዘአና ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
እዚ ስምዒት ኣብ እንዳቡን ኰና ኣብ ዝኰነ ማሕበራዊ ርክባት ይንፀባረቕ ከምዘሎ እቲ መንእሰይ ኣስተውዒለ ይብል።
መንእሰይ ቴድሮስ ጥላሁን ብወገኑ፡ ምስ ስምዒት እቲ ህዝቢ ኣመልኪቱ ዝስዕብ ሓሳብ ኣንፀባሪቑ።
"ህዝቢ፡ 'ጭቆና በቃይ ዝተቓለስናሉ ዓላማ ሓምሺሽክምዎ ኢኹም' ኢሉ እዩ ወፂኡ፡ ሕዚ ንሰራዊት መንግስት ሓይልታት ሰላምን ክድግፍ ወፂኡ። ምበር ዝኹሉ ህዝቢ ደጋፊ ቲዲኤፍ ዝነበረ እዩ። ሕዚ ህዝቢ ዝቕበሎ ዀይኑ መፂኡ፤ ሓይልታት ሰላም ደቁ እዮም፡ ደቅኻ እንትኣትዉ ድማ ሃህ ኢልካ ኢኻ ትቕብሎም"ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ምስ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈፀምዎ ግፍዕን በደልን ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሰኒዱ ይርከብ።
እንተዀነ እቶም ርእይቶ ወሃብቲ፡ ህወሓት ኣብ ውሽጡ ዝበቘለ ናይ ስልጣን ቁርቍስ፣ ህዝቢ ዘይደገፎ ግፋ መንእሰይን ስጉምቲ-ሓይልን ቅቡልነት ኣስኢኑዎ ነዚ ከምዝበቕዐ እዮም ዝትንትኑ።
"ኣብ ዝዀነ ቃልሲ ዝደለኻ ኣፅዋር ተዓጠቕ፡ ምስ ህዝቢ ተፃሊእኻ ክትዕወት ኣይትኽእልን። ካብ ህዝቢ ተነፂሎም እዮም ነይሮም፤ ህዝቢ መሪሩዎ እዩ፤ ኲናት በቃይ ይኣኽለኒ ኢሉ" ይብል ቴድሮስ።
ደገፍቲ ህወሓት ብወገኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከታማተት ትግራይ ክኣትው፡ ዕልል እናበለ ብሓጐስ ዝተቐበለ ህዝቢ፡ ብፕሮፖጋንዳ ዝተደናገረ ከምዝዀነ እዮም ዝኣምኑ።
ኣቶ ኣባዲ፡ ምስቲ ኣቀባብላ ገለ ብዝምልከት፡ ጌታቸውን ከምኡ ዝበሉ ሰባት ዘደናገርዎ ህዝቢ የለን ክትብል ኣይትኽእልን ኢሉ።
"ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዝዀነ ሰብ ንጌታቸው ክቕበል እንተሎ፡ 'ህዝቢ ትግራይ ክንደይ እዩ፡ ኣበይ ይነብር' ኢልካ ምሕሳብ የድሊ፥ ከምዚ ዝበለ ሰብ ግን ኣይሰኣንን፤ ንዕኡ ዝመስሎ ዝሓስብ ሰበ ብዙሕ እዩ፤ ህወሓት ድማ ኣብ ጉዕዛኣ ዝፈጠረቶም ጌጋታት ኣሎ፡ እዚ መኸተ ድማ ከቢድ ነገር ስለዝኰነ፡ ዝፈጠሮ ሃሰያን ምስልቻውን ክህሉ ይኽእእል እዩ" ኢሉ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
