ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸዊዓ

ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ኣዋጅ ኵናት" እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ብመሰረት ዓንቀጽ 7" ስጕምቲ ክወስድን ሓቲታ።

እዚ ዝተገልጸ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዕለት 9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወግዓዊ "ኣዋጅ ኵናት" ከም ዝኣወጀ ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ እዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ኵነት ከቢድ ዕንወት ክስዕብን ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርግን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ "ስጕምቲ እወስድ ኣለኹ" ኢሉ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ምፍላጡ፡ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ክትኣልሞ ዝጸንሐት ናይ ወራር ኵናት ንምትግባር ዘውጽኣቶ ወግዓዊ መግለጺ ምዃኑ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንጥሕሰት ልዑላውነት ሓንቲ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሃገር ብምስምስ "ርእሰ-ምክልኻል" ከተመኻንዮ ምፍታና፡ መሰረት ዘይብሉን ንኣእምሮ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ዝንዕቅን ተግባር ክትብል ገሊጻቶ።

እዚ ዝቐረበ ጥርዓን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ "ሰራዊት ኤርትራ ናብ መሬተይ ኣትዩ ኣሎ" ብምባል ኣድላዪ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ንሕቡራት መንግስታት ብወግዒ ካብ እተፍልጥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ኣብቲ ናይ ኤርትራ ደብዳበ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ ኢትዮጵያ "ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ብሓይሊ እትጥቀመሉ ዘላ ኣጀንዳ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ብግልጺ ዝጥሕስ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

እዚ እቲ "ትልሚ ኲናት ኢትዮጵያ" ንመሰረታዊ ዓንድታት ውዕል ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝነጽግ ተግባር ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ፡ እቲ ደብዳበ ነቲ ምክትል ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ብ27 መስከረም ዝሃቦ መግለጺ ከም መወከሲ ጠቒስዎ ኣሎ፤ "ቀንዲ ዕላማ እዚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ምብጻሕ እዩ፤ መቐለ ድማ ናብ ዓሰብ ንምኻድ መዕረፊ መስመር ጥራይ እያ" ዝብል መግለጺ ሂቡ ክብል ከሲሱ።

በዚ መሰረት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንተግባራት ኢትዮጵያ ብትሪ ንክዅነን ብመሰረት ዓንቀጽ 7 ናይቲ ትካል ስጕምቲ ንኽወሰድን ጸዊዓ።

በቲ ካልእ ሸነኽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኵነት ካብዚ ብዝተፈለየ መልክዕ እዩ ኣቕሪብዎ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ኤርትራ ነቲ ናይ 'ምትዅታኽ ተግባራታ' ናብ ዝልዓለ ደረጃ ከምዘደየበቶ ብምጥቃስ "መካናይዝድ ኣሃዱታት ዝርከብዎም ወተሃደራታ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣእትያ ኣላ፤ እዚ ንሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዝሽፍን ኰይኑ ካብ 30 ክሳብ 60 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ናብ ውሽጢ ሰራዊታ ኣእትያ ኣላ" ኢሉ።

ምኒስተር ጊደዮን ጢሞትዮስ ኣብ ደብዳበኡ፡ "ኤርትራ ወራሪት እያ፣ ኤርትራ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ተግባር ምጥቃዕ ፈጺማ፣ ኢትዮጵያ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ያ" ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ክሲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ብመስመር ባድመ-ሸራሮ-ሽመልባ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይን ምብራቓዊን ዞባታት ትግራይ ኣብ ከባቢታት ራማ፡ ዓድዋ፡ ዛላምበሳ፡ ዓዲግራትን ዕድጋ-ሓሙስን ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝብል እዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ እዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍሕፋሕ "ከቢድ ስግኣት" ከም ዘለዎም ገሊጹ'ሎ።

ጉተረዝ፡ ኵሎም ወገናት ብህጹጽ ተዅሲ ደው ንኸብሉን ናብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ተመሊሶም ብዘተ ፍታሕ ከናድዩን ተማሕጺኑ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ኣሎ ብዝብል ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ኵለን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ንክቍጠባን ንድሕነት ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት ከኽብራን ኣዘኻኺሩ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ደብዳበታት፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ልዑላውነት ብምጥሓስን ንርግኣት እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ይካሰሱ ምህላዎም ዘርኢ እዩ።