እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ራማ ሓያለ ሰላማውያን ከም ዝቐተለ ተገሊጹ
ኣብ ከተማ ራማ ዓዲ-ደርባዕተ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እንተ ወሓደ 18 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓያሎ ድማ ከም ዝቘሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም መጥቃዕትታት "ንወተሃደራዊ ዒላማታት ዘይኰነስ፡ ንሰላማውያን ከባቢታት ዒላማ ዝገበሩ" እዮም ክብሉ ድማ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ሓይልታቱ ብዛዕባ'ዚ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።
እቲ ከባቢ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እንታይ ከም ዝመስል እውን ቢቢሲ ብናጻ ወገን ከጻርዮ ኣይከኣለን።
እቶም ምስ ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱ ሓይልታት "ሰላም ትግራይ"ን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት እውን ከም ዝንቀሳቐሱ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ከም ሓበሬታ ነበርትን መሰኻኽር ዓይንን፡ ካብ 18 ክሳብ 20 [ኣ.ግ] ናይዚ ወርሒ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ብምውቃዕ ከቢድ ክሳራ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ኣውሪዱ ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ብ18 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክቐትል እንከሎ 13 ካልኦት ኣቝሲሉ፤ ኵሎም እቶም ዝቘሰሉ ድማ ናብ ሕክምና ተወሲዶም።
ብ19 ዝተኻየደ ካልኣይ መጥቃዕቲ ንሓንቲ መኪና ብምህራም ክልተ ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ሰለስተ ካልኦት ድማ ብኸቢድ ኣቝሲሉ ኣሎ። ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታላት ከም ዝተሰጋገሩ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም።
እቲ ዝኸፍአን ዘስካሕክሕን ፍጻመ ዘጋጠመ ግን፡ ንግሆ 20 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ካብቶም መሰኻኽር ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ። ነበርቲ ከም ዝበልዎ፡ ካብ ሰዓት 01:00 ክሳብ 01:30 [7:00 – 7:30] ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓያለ ሰባት ብድሮን ተወቒዖም።
ነበርቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ብድሮ'ኡ "ሓንቲ ማሸላ ዝጸዓተት ኣይሱዙ ዝዓይነታ መኪና፡ ብድሮን ተሃሪማ፡ ኣብ ሰብ ጉድኣት ኣይወረደን ነይሩ።"
እንተዀነ ንጽባሕቱ ንግሆ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ሰዓታት፡ መራሕ መኪና ሓግዙኒ ብምባል ነቲ ዝፈሰሰ መሸላ ክልዕሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተኣከቡሉ እዩ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድሮን ወሪዱ።
ኣብቲ ቦታ 12 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ እቶም ክልተ ብዝወረዶም መውጋእቲ ህይወቶም ብምሕላፉ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም 14 በጺሑ።
በዚ ሓበሬታ መሰረት እዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት መጥቃዕትታት ሓፈሻዊ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ብውሕዱ ናብ 18 ከብጽሖ እንከሎ፡ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ድማ ቍስላት ኣለዉ።
ዒላማ ዝዀኑ ሰላማውያን ከባቢታት
እዞም መጥቃዕትታት ኣብ ራማ ዓደ-ርባዕተን ከባቢኣን ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ "ሰላማውያን ቦታታት" ከም ዘጋጠመ ነበርቲ ሓቢሮም።
ካብቶም ዒላማ ዝዀኑ ቦታታት፡ ናይ ሓደ ሓጐስ ጸጋይ ዝተባህለ ነባሪ ምዃኑ ዝግለጽ መንበሪ ገዛን ቤት-ብልዕን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ባንኪ ኣቢሲንያ ዝርከብ ከባቢ ይርከብዎም። እቲ ህንጻ ባንኪ በቲ ነታጒ ጐድናዊ ዕንወት ከም ዝበጽሖ እቶም ነቲ ፍጻመ ብዓይኖም ዝረኣዩ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።
"ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ይኹን ወተሃደራዊ ዒላማ ኣይነበረን" ዝበለ ሓደ ነባሪ፡ እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ብጽኑዕ ኣረጋጊጹ።
እዚ ክስታት እዚ ብነጻ ወገን ኣይተረጋገጸን ዘሎ፤ ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን እውን ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት ዛጊት ዝሃብዎ መግለጺ የለን።
ኣብዚ ኵነታት፡ ካልእ ዝኸፍአ ኵነታት ግዳያት ናይ ምውጻእ ዝነበረ ጸገም ምዃኑ ይግለጽ።
መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝሕብርዎ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ መካይንን ኣምቡላንሳትን ነቶም ዝቘሰሉ ንምግዓዝ ከቢድ ብድሆ ኣጋጢሙ እዩ።
ነበርቲ፡ ነቶም ዝቘሰሉ ሰባትን ሬሳታትን ኣብ ዓድዋን ከባቢኣን ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ንምጕዓዝ፡ ብፈረስ ዝስሕባ ዓረብያታት ክጥቀሙ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።
ሓያሎ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ትርኢት ብምግላጽ፡ እቲ ብርቱዕ ሓይሊ ነታጒ ንገለ ሬሳታት ኣዝዩ ስለ ዝበጣጠሶ፡ ንስድራቤታት ሬሳ ናይ ምልላይ ጻዕሪ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑዎም ነይሩ ይብሉ።
ስድራቤታት ነቶም ዝሞቱ ንምልላይ ንነዊሕ ሰዓታት ክሳቐዩ እንከለዉ፡ መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ድማ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕትታት ኣብ ከቢድ ስንባደ ይርከብ።
ዝዓቢ ዘሎ ሰብኣዊ ስግኣት
እዚ ዝተጸብጸበ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሮ ኣብ ዘይውሑስ ከባቢ ዝነብሩ ዘለዉ ነበርቲ ዘሎ ፍርሒ ኣጋዲድዎ ኣሎ። እዚ መጥቃዕትታት ንሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ብዛዕባ ዝመጽእ ተወሳኺ ግጭትን ስግኣት ኣእትይዎም ከም ዘሎ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ንሰላማውያን ሰባት ዝያዳ ሓለዋ ክግበረሎምን፡ ብዛዕባ ኵነታት እዚ መጥቃዕትታት ድማ ጽጹይ መርመራ ክካየድን ጸዊዖም ኣለዉ።
ቢቢሲ ነዚ ቍጽሪ ግዳያት ኰነ እቲ መጥቃዕትታት ብፍሉይ ንሰላማውያን ቦታታት ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝብል ክስታት ካብ ነጻ ወገን ኣየረጋገጾን። ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን እውን ብዛዕባ እዚ ክስታት ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን።