እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2026፡ ኤርትራ ብዘይ ደቂ ኣንሰትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን'ያ ክትሳተፍ
ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ከተማ ኪሱሙ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026 ኣትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተፈሊጣ።
እዛ ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያ እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕተዮ 5 ኣብ ናይ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ሒዛ'ያ ናብ ኬንያ ነቒላ ዘላ።
እቶም ኣብ ናይ ኤሊት ተመሪጾም ዘለዉ እቲ ነዚ ውድድር ኣብ 2025 ኣብ ኬንያ ከተማ ድያኒ ዝተዓወተሉ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄብሮን ብርሃነ፡ ናታን መድሃኔ፡ ኖሆም ዘርኣይን ከምኡ ድማ እቲ ዓሚ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ ዝነበረ ዓወት ኣማንን እዮም።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ ያፌት ሙሉጌታ፡ ኤቨን የማነ፡ ንፍታሌም ኤፍሬም፡ ሜሮን ምስግናን ህያብ ሃብቶምን'ዮም ንኤርትራ ብምውካል ክወዳደሩ'ዮም።
ሓለቓ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኰይኑን ናይ ዓሚ ናይ ቻምፕዮንነት ክብሩ ንምዕቓብን ናብ ኬንያ ዘምርሕ ዘሎ መርሃዊ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ብኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝተገበረሎም ምፍናው፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ጽዑቕ ምድላዋት ገይራ ዓብላልነታ ብምቕጻል ዓወት ሒዛ ከምእትምለስ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ከተማ ድያኒ ጀሚሩ ኣብ ክዋለ ኣብ ዝተዛዘመ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2025 መርሃዊ ቅዱስን ዓወት ኣማንን ቀዳማይ ካልኣይን ኰይኖም ብምእታው ኣብ ናይ ኤሊትን ትሕቲ 23 ዓመት ክልተ ወርቂ መዳልያ ምውሳዶም ይዝከር።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብተኸታታሊ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትከውን ምኽኣላ'ውን ኣይርሳዕን።
ዓሚ ብመርሃዊ ቅዱስ ክትዕወት እንከላ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብተኸታታሊ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ፡ ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣብ 2024 ከኣ ኣብ ኬንያ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ምኽኣሉ ዝዝከር'ዩ። በዚ መሰረት ሄኖክ ምሉእብርሃን እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ'ዩ።
ሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ምዕዋቱ ከኣ እቲ ክብረ ወሰን ብኻልእ ሰብ ክስበር ዓመታት ከምዝወስድ ይግመት።
ብዘይካ'ዚ ኣብ 2019 መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2018 ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ 2016 ከምኡ 2013 ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኣብ 2012 ከምኡ ከኣ 2011 ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2010 ከኣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኖም ይዝከር።
ኤርትራ ብጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘይትውከለሉ ውድድር
ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብኽልቲኡ ጾታ ኣብ ናይ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ከምኡ ከኣ ናይ ኢሊት ናይ ጽርግያን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር የካይድ።
ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ደቂ ኣንሰትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ተሓናፊጾም ዘካይድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ይካየድ'ዩ።
ሎሚ ዓመት ብዘይ ደቂ ኣንስትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ናብ ኬንያ ከተማ ኪሱሙ ተምርሕ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንምንታይ ብደቂ ኣንስትዮን ኣብ ኵሉ ምድባት ከምኡ ከኣ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ክትሳተፍ ከምዘይመረጸት ዝተሓበረ ነገር የለን።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስዮ ኣብ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ኤሊትን ኣብ ናይ ጽርግያን ናይ ግዜ ውድድርን ሽዱሽተ ወርቂ መዳልያ ከምኡ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ክልተ መዳልያታት፡ ኣብ ናይ 'ሚክስድ ሪለይ' ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ስለዘይብላ ስለዘይትወዳደር ብድምር ሸውዓት ክትዕወተሎም እትኽእል ወርቂ መዳልያታት'ያ እትኸስር ዘላ።
በዚ መሰረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታን ንምርካብ ክልተ መዓልታት ጥራይ'ዩ ጸወታ ክህልዋ።
ኣብ 21 ጥቅምቲ ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመተን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሰንበት ኣብ ዝካየድ መዛዘሚ ጸወታ ከኣ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ኤሊትን ናይ ጽርግያ ውድድር ክትጻወት'ያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነዚ ውድድር ካብ 2010 ጀሚራ ብዓብላልነት'ያ ክትቅልሶ ጸኒሓ።
እቲ ብዘይ ብኩራት ክትሳተፈሉ ዝጸንሓት ከኣ ቻምፕዮን ኣፍሪቃን ዙር ርዋንዳን'ዩ።
ኣብ ዙር ርዋንዳ ከም ሃገራዊት ጋንታ ልዕሊ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ስለዘይትኽእል እቲ ዕድል ጸቢብ'ዩ።
ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ግን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ኣብ ጁንየር፡ ጥሕቲ 23 ዓመት ከምኡ ከኣ ኢሊት ብውሕዱ ኣኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ሒዛ ክትሳተፍ ስለእትኽእል ክሳብ 24 ተቐዳደምቲ ናይ ምጽዋት ዕድል ይህልዎም'ዩ።
ብፍላይ ከኣ እቶም ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ኣብ ካልእ ክወዳደሩ ዕድል ስለዘይብሎም ነዛ ውድድር ዓመት ዓመት ሃንቀው ኢሎም'ዮም ዝጽበይዋ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ
ኣብ ታሪኽ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ እቶም ዝበዝሑ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም።
እቲ ቀዳማይ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክኸውን እንከሎ፡ ሄኖም ምሉእብርሃን ሰልስተ ግዜ፡ ናትናኤል ብርሃነን ተስፎም ዑቕባማርያምን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ከክልተ ግዜ ተዓዊተምሉ።
ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ 14 ውድድራት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ነቲ 11 ክትዕወተሉ እንለላ እቲ ዝተረፈ ሰለስተ ከኣ ደቡብ ኣፍሪቃውያን'ዮም ተዐቂተምሉ፡ ርያን ጊብሰን [2021]፡ ዊል ስሚት [2017]ለዊስ መንከስ [2015]።
- 2025- መርሃዊ ቅዱስ
- 2024- ሄኖክ ምሉእብርሃን
- 2023- ሄኖክ ምሉእብርሃን
- 2022- ሄኖክ ምሉእብርሃን
- 2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን
- 2019፡ መኽሰብ ደበሳይ
- 2018፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት
- 2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም
- 2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንከስ
- 2013፡ ተስፎም ዑቕባማርያም
- 2012፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2011፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2010፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት