ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝሰገረሉ ሰልፊ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ዝተሰምየ ምትእኽኻብ ኣንጻር ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል ንምቅዋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸውዖ ሰልፊ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ክካየድ ኣርፊዱ።

ኣብቲ "ሓፈሳ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኽበ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምንጻል ዝሓንጸጾ ስልቲ ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ፡ "እቲ ጕጅለ" ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆናን ኣፈናን ብምዅናን፡ መንእሰያት ትግራይ ነቲ ብህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ክቃወምዎ ኣተሓሳሲቡ።

ህወሓት "ጽምዶ" ብዝብል ስም ዝጀመሮ ስልቲ ንሃገር ዘፍርስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንህዝቢ ትግራይ ካብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

"ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝፈቱ እዩ፤ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ እውን ጠጠው ይብል፡" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ ነዚ ጕጅለ ክቃለሶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ንኽትግበር ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ከም ዝግባእ ብምሕባር፡ ህዝቢ ትግራይን መንእሰያትን ነቲ "ካብ ሕጊ ወጻኢ" ክብሉ ዝጸውዕዎ ህወሓት ንምጥፋእ ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ።

ብኣንጻሩ፡ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ነቲ ሰልፊ "ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓን ፍትሓዊ ቃልስን ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ" ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተዳለወ "ናይ ጥፍኣት ሰልፊ" እዩ ክብል ትማሊ ኣብ ዘውጽኡ መግለጺ ኰኒኑዎ።

እቲ ቢሮ፡ ስርዓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽን ሓድሽ ኲናት ንምውላዕን" ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ሰልፊ ድማ ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ዝተኣለመ ሽርሒ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ-ቓል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ንምቕጻልን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ንምዕንቃፍን ዝዓለመ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ብምስታፍ ንመንነቶምን ታሪኾምን ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ኣተሓሳሲቡ።

ነቲ ሰልፊ ዘዳሉ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብዝብል ዝተመስረተ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ለውጢ ክልላዊ መንግስቲ ንምምጻእ ዝሰርሕን መስርሓት ስግግር ንምምችቻእ ከም ዝንቀሳቐስን ይገልጽ።

ዕላማ እቲ ሰልፊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ይኸይድ ንዘሎ ቅልውላው ንምዅናንን ንፈደራላዊ መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን መልእኽቲ ንምሕላፍን ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣባል ፈጻሚት ስራሕን ሓላፊት ቤትጽሕፈትን ህወሓት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ወተሃደራዊ ግፋ፡ 'ፍጹም ሕሶትን ጸላእቲ ዝመሃዙዎ ኣጀንዳን' ክትብል ብምንጻግ፡ ንመግለጺታት መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቒፋ ምንባራ ኣይርሳዕን።

ንሳ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ እያ ትኸስስ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሰንኪ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ሎሚ ንግሆ ሰዓት 11 ጀሚሩ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዘእትዉ ዓበይቲ ጐደናታት ንተሽከርከርቲ ዕጹዋት ከም ዝዀኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካብ መገናኛ፡ ቦሌ፡ ጎተራ፡ ሜክሲኮን ኣራት ኪሎን ዝመጽኡ ጐደናታት ክሳብ መወዳእታ እቲ መደብ ንመጓዓዝያ ዕጹዋት ኰይኖም ኣርፊዶም።

ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ድማ ኣብቲ ከባቢ ተሽከርከርቲ ደው ምባል ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ምዃኑ ተገሊጹ።