እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ገማግም የመን ዳግም ዝተቐልቀለ ጭውያ መራኽብን ስግኣት ጸጥታን
ሸፋቱ ባሕሪ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ዝርከብ ገማግም የመን ሓንቲ ታንከር ከም ዝጨወዉ፡ ትካል ድሕነት ማሪታይም ዓባይ ብሪጣንያን ሰበስልጣን ጸጥታ ሶማልን ኣፍሊጦም።
እዚ ፍጻመ'ዚ፡ እቲ ንዓመታት ሃዲኡ ዝጸንሐ ዞባ ዳግም ናብ ስግኣት ሸፋቱ ባሕሪ ይምለስ ከም ዘሎ ዘመልክት ተወሳኺ ምልክት ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ እታ መርከብ ናብ ምብራቕ ትጐዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን "ፍቓድ ዘይብሎም ዕጡቓት ውልቀ-ሰባት" ከም ዝደየብዋን ካልኦት መራኽብ ድማ ብጥንቃቐ ክጐዓዛ ከም ዝተመኸራን ሓቢሩ።
ካብቲ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ (ሶማል) ዝዀኑ ሰበስልጣን ጸጥታ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሶማላውያን ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ሰለስተ ሰበስልጣን ጸጥታ ፑንትላንድ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እታ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተጨወየት መርከብ፡ ኤምቲ ኣስታና (MT Astana) ዝተሰምየት ታንከር እያ።
እታ ባንዴራ ታንዛንያ ዘንበልበለት መርከብ፡ ካብ ወደብ ጋራዓድ (ፑንትላንድ) ዝተበገሱ ሸውዓተ ዕጡቓት፡ ካብ ገማግም የመን ኣስታት 120 ኪሎሜተር (65 ናውቲካል ማይል) ርሒቓ ከላ እዩ እቲ ጭውያ ተፈጺምዋ።
እዚ ፍጻመ'ዚ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ግንቦት ኣብ ጥቓ ወደብ ቃና ዝተፈጸመ ጭውያ መርከብ ኤምቲ ዩሬካ (MT Eureka)፡ ኣብ ገማግም የመን ዝተፈጸመ ካልኣይ ጭውያ መርከብ እዩ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለያ ሃገራዊ ሓይልታት ባሕሪ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ስርሒት፡ እዚ ከባቢ እዚ ካብ ጭውያታት ዳርጋ ናጻ ኰይኑ ነይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ እቲ ስግኣት ብናህሪ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ይምለስ ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ይቐርብ ኣሎ።
ተንተንቲ ማሪታይም ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ዳግመ-ምልዓል ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ምስቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዕጡቓት ሑቲ የመን ዝተፈጠረ ዘይርግኣት ዝተኣሳሰር እዩ።
ዓለምለኻዊ ሓይልታት ባሕሪ ቆላሕታኦም ናብቲ ብሑቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ጸጥታ ተጠቒሞም ስርሒታቶም የካይዱ ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ሸፋቱ ዝጨወውወን ንኣሽቱ መራኽብ ከም "ኣደ መርከብ" (Motherships) ብምጥቃም፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሒቖም ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ የኽእሎም ኣሎ።
ገሊኦም ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ መንጎ ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልን ዕጡቓት ሑቲን ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥን ቴክኒካዊ ደገፍ ናይ ምርካብን ጥምረት ይፍጠር ከም ዘሎ ስግኣት ኣሎ።
እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭውያ መራኽብ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ንግዲ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ብሰንኪ እዚ ስግኣት እዚ፡ ናይ መድሕን ዋጋ መራኽብ ይውስኽ ከም ዘሎን መራኽብ ድማ ካብቲ ዝሓጸረ መንገዲ ወሽመጥ ዓደን ወጺአን ነዊሕ ጕዕዞ ክመርጻ ይግደዳ ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ነቲ ኵነታት ንምቍጽጻር ይንቀሳቐስ እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ ሶማልን የመንን ግን ንሸፋቱ ባሕሪ ምቹው ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።