ባይቶ ኤውሮጳ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ብህጹጽ ክፍታሕ ጸዊዑ

ጋዜጠኛን ደራስን ዳዊት ይስሓቕ
መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛን ደራስን ዳዊት ይስሓቕ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ባይቶ ኤውሮጳ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ን25 ዓመታት ተኣሲሩ ዝርከብ ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ብህጹጽን ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ዅነትን ክፍታሕ ዝሓትት ውሳነ ብልዑል ደገፍ ኣሕሊፉ።

እቲ ባይቶ ብሓሙስ ኣብ ዘጽደቖ ውሳነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዳዊት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ፡ ብህይወት ምህላዉ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ከቕርብን ኣብ ኣየናይ ቦታ ከም ዝርከብ ሓበሬታ ክህብን ጠሊቡ።

ብመሰረት እቲ ብ529 ድምጺ ደገፍ፡ ብ2 ተቓውሞን 25 ተዓቅቦን ዝጸደቐ ውሳነ፡ ስድራቤት ዳዊት ይስሓቕ፡ ሕጋውያን ተጣበቕቱ፡ ናይ ሽወደን ቆንስላውያን ወከልትን ናጻ ሰብ-ሞያ ሕክምናን ብህጹጽ ክበጽሕዎ ፍቓድ ክወሃቦም ተሓቲቱ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጺሙ ንዝበሃል ናይ ስቓይ ኵነታት ናጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ዜጋታትን ዝፈጸሙዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ስልታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብትሪ ኰኒኖም። ኵሎም ናይ ሕልና እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን እውን ጸዊዖም ኣለዉ።

እዚ ተበግሶ ብኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ኢቪን ኢንሲር ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ዳዊት ይስሓቕን ስድራቤቱን ምእንቲ ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከፊሎም እዮም። በዚ ሎሚ ዝሓለፈ ውሳነ ኣቢልና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ጸቕጢ ነዕብዮ ኣለና'" ኢላ።

ኣስዒባ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሽወደን ኰይኑ ንዳዊት ንምፍታሕ ጭቡታት ስጕምትታት ክወስድ ከም ዘለዎ ኣገንዚባ።

እቲ ባይቶ ንሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካያ ካላስ፡ ምስ ሽወደንን ካልኦት ኣባላት ሃገራትን ብምትሕብባር ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ከተዛይድ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሕብረት ነቲ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ዝምድናታት ክጥቀመሉ፡ ቤትምኽሪ ኤውሮጳ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቶም ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ኣካላት ዒላማ ዝገበረ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን እገዳ ከንብር ኣተሓሳሲቡ።

ነቲ ተበግሶ ዝመርሐት ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ኢቪን ኢንሲር
መግለጺ ስእሊ, ነቲ ተበግሶ ዝመርሐት ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ኢቪን ኢንሲር

ዳዊት ይስሓቕ ኣብ 1987 ናብ ሽወደን ተሰዲዱ ኣብ 1992 ዜግነት ዝረኸበ ኰይኑ፡ ኤርትራ ናጽነታ ምስ ኣወጀት ኣብ ሽወደን ዘጥረዮ ጋዜጠኛዊ ተመኵሮ ሒዙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ነይሩ። ኣብኡ ድማ መስራትን ኣዳላውን ናይታ ሽዑ ዝነበረት ጋዜጣ "ሰቲት" ብምዃን ኣገልጊሉ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ መስከረም 2001 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ'ቶም ደሞክራስያዊ ጽገናን ትግባረ ቅዋምን ዝሓተቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ገዳይም ተጋደልትን (ጕጅለ 15) ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ብሕቲ ሰፊሕ ስጕምቲ ክወስድ እንከሎ፡ ዳዊት ይስሓቕ ካብ መንበሪ ቤቱ ተወሲዱ ተኣሲሩ።

ካብቲ እዋን'ቲ ኣትሒዙ ድማ ብዘይ ዝዀነ ክስን ፍርድን ተቐዪዱ ይርከብ። ዳዊት ኣብ ሕዳር 2005 ንሕክምና ተባሂሉ ንሓጺር መዓልታት ተፈቲሑ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኡንብኡ ግን ዳግማይ ተኣሲሩ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ተመሊሱ።

ምስ ዳዊት ይስሓቕ፡ ካልኦት መራሕትን ጋዜጠኛታትን ናይተን ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ ተኣሲሮም እዮም። ካብዚኣቶም ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሹዋ)፡ ስዩም ጸሃየ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ስዒድ ዓብደልቃድርን ዩሱፍ መሓመድ ዓሊን ይርከቡዎም።

እዞም ጋዜጠኛታት እዚኣቶም'ውን ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንርብዒ ዘመን ብዘይ ፍርዲ ካብ ዓለም ተገሊሎም ኣብ ፍሉያት ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሓለውቲ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበሩን ኣብ በረኻታት ዒራዒሮ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዘለው ይገልጹ

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሓለውቲ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበሩን ኣብ በረኻታት ዒራዒሮ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ምእሳሮምን ብዛዕባ ሃለዋቶምን ዝገለጹ እኳ እንተ'ለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ ህይወቶምን ኵነታቶምን ዛጊት ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።

መንግስቲ ሽወደን ንዳዊት ንምፍታሕ ንዓመታት ዝተኸተሎ "ብዘይዋዕዋዕ ዝግበር ዲፕሎማሲ"፡ ዝዀነ ውጽኢት ስለ ዘየምጽአ፡ ካብ ስድራቤቱን ተጣበቕቲ ናጽነት ፕረስን ብርቱዕ ነቐፌታታት ክወርዶ ጸኒሑ እዩ።

ዳዊት ይስሓቕ ካብ መላእ ዓለም ብዘይ ፍርዲ ዝነውሐ ዓመታት ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ሓደ ኰይኑ፡ ኣብ ዘየለወሉ ናይ ዩኔስኮ ዓቢ ሽልማት ናጽነት ፕረስ ዝርከቦ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ሽልማታት ተዋሂቡዎ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንዳዊት ይስሓቕን መተኣስርቱን ብዝምልከት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ዝቐርበሉ ናይ ምፍታሕ ጻውዒታት፡ "ኣብ ልዑላውነት ሃገር ምትእትታው" ከምኡ'ውን "ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት" ብምባል ብተደጋጋሚ ነጺጉዎ እዩ።