ኣብ ሞሮኮ ዝጽንበል ዘሎ ዘይምስምማዕ ኣመሪካን ሩስያን እንታይ እዩ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሞሮኮ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምዕራባዊ ሰሃራ ዝጸንሐ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ስርሓቱ ምዝዛሙ ብሓጐስ ተቐቢላቶ'ላ።

ሩስያ ነቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ እማመ፡ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰላ (ቬቶ) ድሕሪ ምጥቃማ እቲ ቤት ምኽሪ ብዓርቢ ዕማም ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ንረፈረንደም ኣብ ምዕራባዊ ሰሃራ (ሚኑርሶ) ከሐድሶ ኣይከኣለን። ነቲ ተልእኾ ንምንዋሕ ዝቐረበ ረቂቕ እውን እኹል ድምጺ ክረክብ ኣይከኣለን።

እዚ ውሳነ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ዝነውሐ ግዝኣታዊ ምስሕሓብ ኣፍሪቃን ኣብ መንጎ ምዕራባዊ ሰሃራ ግዝኣተይ እዩ እትብል ሞሮኮን ንልዕሊ 50 ዓመታት ንናጽነት እቲ ግዝኣት ክቃለስ ዝጸንሐ ግንባር ፖሊሳርዮን ዘሎ ተሃዋሲ ምቍራጽ ተዅሲ ብዝምልከት ሕቶታት ዘልዕል እዩ።

ምዕራብ ሰሃራ ስለምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?

ምዕራባዊ ሰሃራ ክሳብ 1975 መግዛእቲ ስጳኛ እያ ነይራ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣትላንቲክ ርኡይ ዕቑር ፎስፌትን ሃብታም ማይ መግፈፊ ዓሳን ኣለዋ።

ስጳኛ ካብቲ ግዝኣት ክትስሕብ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን፡ ሞሮኮን ሞሪታንያን ነቲ መሬት ይግብኣና እዩ ክብላ ጀሚረን።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ፡ ታሪኻዊ ምትእስሳር ረኺቡ እምበር ንመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ሳህራ ዝብድህ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ኣይረኸበን።

ኣብቲ እዋን ንጉስ ሞሮኮ ዝነበረ ሓሰን ዳግማዊ፡ ሓምላይ ሰልፊ ብምውዳብ ግብረ መልሲ ሂቡ። ብ6 ሕዳር 1975 ኣስታት 350,000 ሞሮካውያን ሲቪላት ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ጸቕጢ ንምፍጣር ብዝዓለመ ጃምላዊ ሰልፊ ናብቲ መሬት ኣተዉ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ስጳኛ ምስ ሞሮኮን ሞሪታንያን 'ስምምዕ ማድሪድ' ብምፍራም ምምሕዳራዊ ቍጽጽር ከተሰጋግር ተሰማሚዓ። ሞሮኮ ንሰሜናዊ ክልተ ሲሶ፡ ሞሪታንያ ድማ ንደቡባዊ ሳልሳይ ሲሶ ተቘጻጺረን። እንተዀነ እቲ ስምምዕ ንሕቶ ልኡላውነት ኣይፈትሖን።

ኣብ 1973 ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ናጽነት ግንባር ፖሊሳርዮ ነቲ ስምምዕ ተቓዊሙ። እቲ ስምምዕ፡ ከም መግዛእቲ ስጳኛ ብሞሮኮን ሞሪታንያን ምትካእ ገይሩ ርእይዎ።

ሞሪታንያ ኣብ 1979 ሕቶ ይግባኣኒ ኣልዒላ፡ ሞሮኮ ግን ምስ ፖሊሳርዮ ምቅላስ ቀጸለት።

ኣልጀርያ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብን ንመሪሕነታን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ሳህራውያንን ኣብ ጥቓ ከተማ ቲንዱፍ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ብምእንጋድን ቀንዲ መሻርኽቲ ፖሊሳርዮ ኰይና።

ኣልጀርያ፡ መርገጺኣ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳነ ዝተመስረተ ምዃኑ ክትገልጽ እንከላ፡ ሞሮኮ ድማ ንምዕራብ ሰሃራ ከም ዘይነጻጸል ኣካል ግዝኣታ እያ ትርእያ።

ሞሮኮን ኣልጀርያን ኣብ 1963 ብዛዕባ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝወረሳኦ መሬት ኣመልኪቱ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ንሓጺር እዋን ዶባዊ ኲናት ኣካይደን። ርክበን ብወጥሪ ዝተመልአ ኰይኑ ጸኒሑ፡ ምዕራባዊ ሰሃራ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ምስሕሓብ ትርከብ።

ተራ ተልእኾ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ ነይሩ?

ድሕሪ ናይ 16 ዓመታት ውግእ፡ ሞሮኮን ፖሊሳርዮን ኣብ 1991 ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ ተሰማሚዖም። እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ንምፍላይ ድማ እቲ መሬት ብሑጻ መንደቕ ተኸፊሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንምክትታልን ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ግዝኣት ረፈረንደም ንምውዳብን ንሚኑርሶ መስሪቱ። ሳህራውያን ኣብ መንጎ ናጽነትን ምስ ሞሮኮ ምውህሃድን ክመርጹ እዮም ትጽቢት ተገይሩ።

እቲ መረጻ ኣብ 1992 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ እኳ እንተነበረ፡ ፈጺሙ ኣይተኻየደን። ክልቲኦም ወገናት መን ንክሳተፍ ብቑዕ ምዃኑ ክሰማምዑ ስለዘይከኣሉ፡ ኣብ መንነት መረጽቲ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ።

ኣብ 2007 ሞሮኮ ንርእሰ-ምሕደራ ዝምልከት እማመ ኣቕሪባ፤ እዚ ድማ ሳህራውያን ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከመሓድሩ፡ ራባት ድማ ኣብ ልዕሊ ምክልኻልን ዝምድናታት ወጻኢን ቍጽጽር ክትሕዝ ዝብል እዩ።

ግንባር ፖሊሳርዮን ኣልጀርያን ነቲ ውጥን ብምንጻግ፡ ናጽነት ከም ኣማራጺ ዘጠቓለለ ረፈረንደም ክካየድ ዝብል መርገጺ ሒዞም።

እንተዀነ ንዓመታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ዘተ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን።

ፖሊሳርዮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዳግማይ ይጅምር ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሕዳር 2020 ፈሺሉ።

ድሕሪ ነዊሕ ሞሮኮ ዘካየደቶ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ግን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 እቲ ውጥን ርእሰ-ምሕደራ ዝድግፍ ውሳነ፡ ነቲ ዘካትዕ መሬት "ዝበለጸ ተግባራዊ" መፍትሒ ምዃኑ ክድግፍ ኣድሚጹ።

መብዛሕትኦም ሳህራውያን ኣብቲ ብሞሮኮ እትቈጻጸሮ ክፋል ምዕራባዊ ሰሃራ ክነብሩ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዘለዉ ይግመት።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ኣመሪካ ስልጣን ሚኑርሶ ንተወሳኺ ዓመት ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪባ፤ እቲ እማመ ግን ካብቲ ልሙድ ምሕዳስ ንላዕሊ እዩ ነይሩ።

ካብ ስም እቲ ተልእኾ "ረፈረንደም" ዝብል ቃል ኣውጺኡ፡ ነቲ ሞሮኮ ዘቕረበቶ ናይ ርእሰ-ምሕደራ እማመ ንተወሳኺ ዘተ እንኮ መሰረት ዝገብር እዩ ነይሩ።

እቲ እማመ ካብ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዊሱ ካብ 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ 11 ደገፍ ረኺቡ፤ ሩስያ ግን ንሞሮኮ ኣዝዩ ምቹእ እዩ ብምባል ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰላ ተጠቒማ።

ብድሕሪኡ ሩስያ፡ ኵነታቱ ከይተቐየረ ስልጣን ሚኑርሶ ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪባ። እዚ እማመ እውን ፈሺሉ፡ ክልተ ደገፍ ጥራይ እዩ ረኺቡ።

ስልጣን ሚኑርሶ ኣብ መወዳእታ ቀዳም 31 ጥቅምቲ ኣኽቲሙ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጽባሒቱ እቲ ተልእኾ ናብ ምኽታም ግዜኡ ከምዝኣተወን፡ ምትሕልላፍ ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ካልእ ንብረትን ዝከታተል ዝተቐነሰ ጕጅለ ከምዝጸንሕን ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ህዝቢ ሳህራዊ መሰል ርእሰ ውሳነ ክኽበር ኣለዎ ብምባል፡ ዳግማይ ተጻብኦታት ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ግንባር ፖሊሳርዮ ንእማመ ኣመሪካ ኮኒኑ። ወኪል እቲ ግንባር ሲዲ ዑመር፡ ሩስያ መሰል ቬቶ ምጥቃማ ኣመስጊኑ፤ እቲ እማመ ኣመሪካ "መሰረታት መስርሕ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፍርስን ዞባውን ዓለምለኻውን ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን" ክብል ገሊጽዎ።

ሞሮኮ ብወገና፡ ድሕሪ ደጊም ጉዳይ ምዕራብ ሰሃራ ብባይቶ ጸጥታ ክረአ የብሉን ብምባል፡ ኣባላትን መሳርሕታትን ናይቲ ተልእኾ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ካብቲ ግዝኣት ክወጹ ከምዘለዎም ገሊጻ።

ሚኑርሶ 155 ወተሃደራዊ ኣባላት ዝነበርዎ ኰይኑ፡ ኣብ ሰነ ኣብ ዝጅምር ፋይናንሳዊ ዓመት 62 ሚልዮን ዶላር ክውድእ ትጽቢት ከምዝነበረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሞሮኮ ንምንታይ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ብምኽታሙ ትጽንብል ኣላ?

ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ሞሮኮ፡ ስልጣን ሚኑርሶ ክሕደስ ዘይምኽኣሉ ብሓጎስ እዩ ተቐቢልዎ።

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ናይቲ ግዝኣት ዝኾነት ላዩነ፡ ሰባት ባንዴራታት ሞሮኮ ስእሊ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይን ሒዞም ክጽንብሉ ዘርእዩ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ተዘርጊሖም ኣለዉ።

"እቲ ውሳነ፡ ራባት ነቲ ምስሕሓብ ክፈትሕ ዘይክእል ዓለምለኻዊ ኣገባብ እትብድሃሉ ዕድል'ዩ" ክብል ሞሮካዊ ክኢላ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ኢሳም ላሩሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ወሲኹ ሞሮኮ ሕጂ ንእማመ ርእሰ-ምሕደራ ንምድፋእን እቲ ዘተ ካብ ረፈረንደም ናጽነት ብምርሓቕ ናብ ርእሰ-ምሕደራ ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ሞሮኮ ንምስግጋርን ዝያዳ ቦታ ከምዘለዋ ገሊጹ።

እቲ ውሳነ ግን ሕጋዊ ደረጃ ምዕራብ ሰሃራ ዝቕይር ወይ ድማ ንልኡላውነት ሞሮኮ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝበጽሕ ኣይኮነን።

ምዕራባዊ ሰሃራ ኣብ ዝርዝር ርእሰ ምምሕዳር ዘይብለን ግዝኣታት ሕቡራት ሃገራት ተቐሚጣ ክትቅጽል ከላ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ካም ሳህራዊ ዓረብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ (SADR) ንናጽነታ ብወግዒ ኣፍልጦ ሂቡ ክቕጽል እዩ።

እዚ ውሳነ ግን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሞሮኮ ዝገበረቶ መርገጺ ድሕሪ ምድጋፈን'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣመሪካ ኣብ 2020፡ ኣብ መንጎ ሞሮኮን እስራኤልን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምምስራት ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ልኡላውነት ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ሰሃራ ኣፍልጦ ሂባ እያ።

ፈረንሳ እውን ነቲ ኣብ 2024 ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ መሰረት ዝኾነ ውጥን ርእሰ-ምሕደራ ሞሮኮ ከምዝደገፈቶ ይዝከር።

ሞሮኮ ሳህራዊ ዓረብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ብምቅዋም ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወጺኣ ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ምጽናሓ ኣብ 2017 እያ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዳግማይ ተጸንቢራ።

ካብ ሸዑ ጀሚሩ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረት ንመርገጺኣ ደገፍ ንምህናጽ ጻዕሪ ከተካይድ ጸኒሓ እያ። ብውሕዱ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ንራባት ንምድጋፍ ኣብቲ ግዝኣት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ከፊተን ኣለዋ።

እዚ ኵነታት ናብ ዳግማይ ግጭት ከምርሕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

እቲ ስግኣት ምኽታም ሚኑርሶ ዳግማይ ውግእ ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል እዩ።

እቲ ተልእኾ ንወተሃደራዊ ምዕባለታት ብምክትታልን ሓደጋ ምብራኽ ንምንካይ ክሕግዝ ምጽንሑ ይንገር።

ኢሳም ላሩሲ፡ እቲ ተልእኾ ምኽታሙ፡ ጸጥታዊ ክፍተታት ክፈጥር ከምዝኽእል ይኣምን።

"ምኽታም ሚኑርሶ መበገሲ ግጭት ኣይፈጥርን'ዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ግጭት ድሮ ኣሎ፤ እንተኾነ ነቲ ድሮ ተበላሽዩ ዘሎ ሃዋህው ጸጥታ ከጋድዶ ይኽእል'ዩ" ይብል።

ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢንተርነት እውን ክትዕ ኣበጊሱ ኣሎ።

ሓያሎ ሞሮካውያን፡ ንልኡላውነት ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ሰሃራ ንምቅላስ ድልዋት ምዃኖም ብምእዋጅ፡ ብኪነታዊ ምስሊ ዝተመስርሑ ኣሳእል ኣካፊሎም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናስር ቡሪታ፡ ምኽታም እቲ ተልእኾ ማለት ምዝዛም እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ማለት ከምዘይኮነን፡ ራባት ድማ ተወፋይነት ከምዘለዋን ገሊጹ።

ፖሊሳርዮ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገብር ኣየነጸረን ዘሎ።

ዝዀነ ይዅን ዳግማይ ዝጅምር ግጭት ንኣልጀርያ ክስሕባ ተኽእሎ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ምስ ሞሮኮ ዝተፈጠረ ወጥሪ ልዑል ኰይኑ ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ሰሃራ ዘለወን ክርክር ከም ቀንዲ መንቀሊ ብምጥቃስ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብዓቢኡ ከምዝወሰኸ ይጠቅስ።

ኣልጀርያ 25.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ኣውጺኣ፡ እዚ ድማ ልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ እቲ ሞሮኮ ዘውጽኣቶ 6.3 ቢልዮን ዶላር እዩ።