ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ድልዱል ቍጠባን ምርግጋእን ክሰፋን ጸዊዑ

ኣምባሳደር ማሲንጋ ምስ ሓደ ካብ መሪሕነት መጕዚት ምምሕዳር ትግራይ ኣብርሃ ኣብርሃ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ሃገሩ ኣብ ትግራይ ብቝጠባ ዝማዕበለን ደሞክራስያውን መጻኢ ንምህናጽ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ካልኦት ዓለምለኻውያን ልኡኻት ብሓባር ትማሊ 17 ሕዳር ናብ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዑደት እዩ።

እንተዀነ፡ እዚ ምብጻሕ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ደርቂ ኣብ ዘንጸላለወሉ፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብ ዝዓረገሉን ናይ ድሕረ-ዂናት ዳግመ-ህንጸት ብሓያሎ ዕንቅፋታት ኣብ ዝተኸበበሉን ወሳኒ እዋን ዝተኻየደ እዩ።

ኣምባሳደር ማሲንጋ ምስ ሰበስልጣን መጕዚት ምምሕዳር ትግራይን ተወከልቲ ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ዕድላትን ምዕባለን ንምምጻእ ዘድልዩ ረቛሒታት ኣስሚርሉ ኣሎ።

እቲ ኣምባሳደር፡ "ንዅሎም ተቐማጦ ትግራይ ዘርብሕ ቍጠባዊ ዕቤትን ዕድላትን ንምምጻእ፡ ሰላምን ምርግጋእን፡ ኵሉ ዘሳትፍ ኣሰራርሓን ድልዱላት ትካላትን ምህላው፡" ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኡ።

እዚ ዑደት ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቓት ህወሓትን ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ንመላእ እቲ ክልል ናብ ሓድሽ ዙር ጸጥታውን ቍጠባውን ስግኣት ኣብ ዘእተወሉ እዋን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንዝተጐድኡ ወገናት ህይወት ዘድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣመሪካ ድልውቲ ምዃና ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣረጋጊጹ።

እዚ ናይ ኣመሪካ ሓድሽ መብጽዓ ዝወሃብ ዘሎ፡ ኣብቲ ክልል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቘጸሩ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዝርከብሉ እዋን እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ስርቂ ረድኤት እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንሓያሎ ኣዋርሕ ተቛሪጹ ምጽናሑ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ዝሓለፈ ተመኵሮ ኣብ ምምሕዳር ናይዚ ሓድሽ ረድኤት ዓቢ ጥንቃቐ ከም ዝጠልብ ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ ነዊሕ እዋን እኳ እንተኣቝጸረ፡ ናብ ዘላቒ ሰላም ዝወስድ ጐደና ገና ብብዙሕ ማሕለኻታት ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይርከብ።

ብፍላይ ድማ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያስን (DDR) ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት፡ ናይ ጸጥታ ውሕስነትን ዘይምትእምማን ክልተኦም ሓይልታትን ተዓናቒፉ እዩ።

ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ገና ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን፤ ነዚ ቅልውላው'ዚ ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ድማ ዛጊት ጭቡጥ ስጕምቲ ኣይተወስደን።

እዚ መግለጺ ዝወጽአ፡ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋን ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕን ዝርከብዎም ካብ ሸሞንተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣምባሳደራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ ልኡኽ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ መቐለ ድሕሪ ምእታዉ እዩ።

እቶም ልኡኻት ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ብዋና ፈጻሚ ጉዳያት ምምሕዳርን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ፡ ብዋና ፈጻሚ ጉዳያት ቍጠባን ዳግመ-ህንጸትን ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋይ፡ ከምኡ'ውን ብዋና ፈጻሚ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ውዳበን ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ መጕዚት ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ነይሩ።

ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ መጕዚት ምምሕዳር ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ መሓውሩ ዘርጊሑ ኣብ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምርግጋጽ ሰላምን ኣተኲሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ፡ በቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ መንግስታውያን ትካላትን ትሕተ-ቅርጽን ዝበጽሐ ከቢድ ዕንወት ንምዕጋት፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ህጹጽ ናይ ዳግመ-ህንጸት ደገፍ ክገብር ጸዊዑ።

ኣተሓባባሪ እቲ ልኡኽ ዝዀነ ኣምባሳደር ዴንማርክ ሱነ ክሮግስትሩፕ ብወገኑ፡ ዕላማ እዚ ጕዕዞ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኵነታት ብኣካል ንምዕዛብን ንቐጻሊ ዘድሊ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ንምውህሃድን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ትግራይ ኰነ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ቅድሚት ስጕምቲ ንኽወስዳን ናብ ምዕባለ ንኽምለሳን፡ ኣመሪካ ምስ ህዝቢ እቲ ክልል፡ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት መሻርኽትን ብሓባር ከም እትዓዪ ዝገለጸ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣብ ባይታ ክረጋገጽ ዝኽእል ግን እቶም ዝተጠቕሱ ፖለቲካውን ሰብኣውን ዕንቅፋታት ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክፍትሑ እንከለዉ ጥራይ ምዃኑ ይሕበር።