'ሓው ንቤትካ ኣየንድድን' - ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢማራትን ዝተወልዐ ሓድሽ ወጥሪ

ፕረዚደን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ፕረዚደንት ሶማልያን - ዝተላገበ ስእሊ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምግሃስ ልዑላውነትን ብምህናጽ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ መደበራትን ከሲሱ።

እቲ ምስሕሓብ ግን ካብ ናይ ቃላት ኲናት ንላዕሊ፡ ምስ ስትራተጅያዊ ወደባት ቀይሕ ባሕርን ውሽጣዊ ፖለቲካ እታ ሃገርን ዝተኣሳሰረ እዩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይ ፍቓድ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሃገሩ ወተሃደራዊ መደበራት ይሃንጽን ካብ ምቍጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት የዋድድን ከም ዘሎ ብምግላጽ ዘስመዖ ተሪር ነቐፌታ፡ ነቲ ንኣዋርሕ ዝሻሕከረ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ጥርዚ ኣደይብዎ ኣሎ።

እዚ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ መደረ፡ ተራ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝካየድ ዘሎ ስትራተጅያዊ ውድድር መርበብ ወደባትን ኣብ ሶማልያ ዘስግእ ዘሎ ውሽጣዊ ምፍራስን ዘቃልዐ ዓሚቝ ቅልውላው እዩ።

ቃና 'ክሕደት' ዝሓዘለ መደረ

ፈደራላዊ መንግስቲ ሞቓዲሾ ምስ ኣቡዳቢ ዝነበሮ ስምምዓት ካብ ዘፍርስ ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ'ውን፡ ኢማራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ እትገብሮ ዘላ ናይ ጣልቃ ምእታው ስጕምቲ ከም ዘየቋረጸት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ገሊጹ።

ኣቡዳቢ ንገለ ዞባዊ ምምሕዳራት ብገንዘብን ብፖለቲካን ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዝዕንድሩ ብምግባር "ናይ ውክልና ኲናት" ተካይድ ከም ዘላ ዝኸሰሰ እቲ ፕረዚደንት፡ "ካብ ሃገራዊ ሰንሰለት ኣዘዝቲ ወጻኢ ዝቘመ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ንስልጣንን ሓድነትን ትካላት ጸጥታ ሃገርና የዳኽሞ እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ህዝብታት ዘሎ ኣብ እስልምና፡ ባህልን ንግድን ዝተሰረተ ዘመናት ዘቝጸረ ታሪኻዊ ዝምድና ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ኣብ እዋን ምፍራስ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኢማራት ንኣሽሓት ዜጋታታን ንግዳዊ ትካላቶምን ተቐቢላ ምንባራ ኣይከሓደን።

ይዅን`ምበር፡ እቲ ናይ "ሕውነትን ምትእምማንን" ዝምድና ብሰንኪ ስሱዕ ምግሃስ ልዑላውነት ከም ዝተበላሸወ ብምምራር፡ "ሓው ንቤትካ ኣየንድድን፣ ንንብረትካ ብዘይ ፍቓድካ ኣይገዝእን፣ ንስድራቤትካ ድማ ኣይመቓቕልን እዩ፡" ኢሉ።

ካብ መንግስቲ ኣቡዳቢ ብዛዕባዚ ክሲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ግን የሎን።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን
መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳእር ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን (ዒሮ)

በርበራን ቦሳሶን፡ ስትራተጅያዊ ወደባትን ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ህላወን

እቲ ኣብ መንጎ ሞቓዲሾን ኣቡዳቢን ዝተወልዐ ምስሕሓብ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ ወደባትን ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ዝተሰረተ እዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ፡ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ካብ የመን ሃዲሙ ንዝወጽአ መራሒ ተፈንጪሊ ጕጅለ ዓዳሩስ ኣልዙበይዲ፡ ኢማራት ብዘይ ፍቓድን ፍልጠትን ፈደራላዊ መንግስቲ ብመሬት ሶማልያ፡ ብፍላይ ድማ ብኸተማ በርበራ ኣቢላ ብምስጢር ከም ዘሕለፈቶ ኣቃሊዑ።

"መሬት ሶማልያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሕለፈሉ ጐደና፡ ብገንዘብ ዝዕደግ ሸቐጥ፡ ወይ ብድላይካ ዝእተወሉ ስፍራ ኣይኰነን፡" ክብል ድማ ብተሪር ቃና ገሊጽዎ።

ብተወሳኺ፡ ትካል ሓለዋ መሰላት ደቂ-ሰብ (Human Rights Watch) ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሳሶን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ መደበርን ወተሃደራዊ ህላወ ኢማራት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ ትካል ከም ዘረጋገጾ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ንፕረዚደንት ፑንትላንድ ጥራይ ዝእዘዝ ፖሊስ ሓለዋ ባሕሪ ፑንትላንድ (PMPF) ተዕጥቖን ትድግፎን ኣላ።

እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ፡ ዕሱባት ወተሃደራት ኮሎምብያ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምስላፍ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ብቦሳሶ ኣቢሎም ከም ዝሓለፉ ኣቃሊዑ።

ኢማራት ነዚ ንዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ ኣላ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ዓቢ ትካል ወደባት ዲፒ ዎርልድን ጨንፈሩ ፒ ኤንድ ኦ ፖርትስን (P&O Ports) ንወደባት በርበራን ቦሳሶን ንነዊሕ ዓመታት ዘመሓድርዎም ዘለዉ ኰይኖም፡ ሞቓዲሾ ግን ንሃገራዊ ድሕነት ዝጸሉ ኵሉ ውዕላት ወደባት ብፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ክጸድቕ ከም ዝግባእ ትማጐት።

እቲ ቍልዒ ፍሕፍሐ፡ ስምምዕ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ እስራኤልን

እዚ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝተባላሸወ፡ ኣብ ጥሪ 2024 ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ምክራይን ኣፍልጦ ምሃብን መዘክር ምርድዳእ ምስ ፈረመት እዩ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ ንልዑላውነት ሶማልያ ዝጥሕስ እዩ ብምባል ዝተቘጥዐት ሞቓዲሾ፡ ብ12 ጥሪ ንስምምዓት ጸጥታ፡ ምክልኻልን ቍጠባን ዝተጠቓለለ ምስ ኢማራት ዝነበራ ኵሉ ውዕላት ሰሪዛ፡ ሰማያዊ ክልላ ድማ ካብ ወተሃደራውያንን ናይ ጽዕነትን ነፈርቲ ኢማራት ዕጹው ገይራቶ ነይራ።

ፑንትላንድ፡ ጁባላንድን ሶማሊላንድን ንውሳነ ሞቓዲሾ እኳ እንተ ነጸግዎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ኢማራት ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ናይ ድሕሪት መጋረጃ ሓይሊ ኰይና ከም ዝሰርሐት ይኣምን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እስራኤል ንናጽነት ሶማሊላንድ ቀዳመይቲ ብምዃን ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን`ውን፡ ሃገራት ዓረብን ምስልምናን ነቲ ውሳነ ብሓባር ኰኒኖም መግለጺ ከውጽኡ እንከለዉ፡ ኢማራት ነቲ መግለጺታት ካብ ምፍራም ሓንጊዳ ምንባራ ሓሰን ሸኽ ብምረትን ብኽስን ኣዘኻኺሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኢማራት ኣብቲ ናይ እስራኤል ውሳነ ዓቢ ኢድ ከም ዝነበራን ንናጽነት ሶማሊላንድ ተተባብዕ ከም ዘላን ብምጥቃስ፡ ካብ ተመኵሮ ሊብያን የመንን ብምብጋስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሶማልያ'ውን ንምፍራስ ተሰሪሓ ከም ዘላ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓድሽ ናይ ሓይልታት ምትፍናን

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን ከምኡ'ውን ህንዳዊ ውቅያኖስ ስትራተጅያዊ ናይ ንግድን ወተሃደራውን መርበብ ወደባት ናይ ምቍጽጻር ሰፊሕ ራእይ ኣለዋ።

እዚ ድማ ካብ ወደብ በርበራን ቦሳሶን ክሳብ ደሴት ሶኮትራ (የመን) ዝዝርጋሕ እዩ። ብኣንጻሩ፡ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኢማራት ዘለዎ ዝምድና እናተበላሸወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሚዛኑ ንምሕላው ገጹ ናብ ቱርክን ግብጽን ኣቢሉ ኣሎ።

ሞቓዲሾ ምስ ቱርኪ ናይ 10 ዓመት ስምምዕ ጸጥታ ባሕሪ ዝፈረመት ኰይና፡ ባሕረኛታት ቱርኪ ንገማግም ባሕሪ ሶማልያ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ግብጺ ዝተላእከ ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ሰራዊትን ኣብ ሶማልያ ምዕራፉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ደምበታት ኢማራት-ኢትዮጵያን ሶማልያ-ግብጺ-ቱርኪን ዝተወልዐ ዞባዊ ምትፍናን ኣብ ባይታ ዘርኢ እዩ።

እቲ ዘስግእ ቍጠባውን ሰብኣውን ሳዕቤን

እዚ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ምሉእ ቍጠባዊ ምብታኽ እንተ ኣምሪሑ፡ እቲ ዝኸበደ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ ሶማልያ እዩ።

ኣብ ዱባይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ዝነብሩ ኰይኖም፡ ናብ ዓዶም ዝሰድዎ ሓዋላ ንብዙሓት ስድራቤታት ቀለብ ናብራ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ሶማልያ ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸራ ጥሪት ናብ ኢማራትን ሃገራት ወሽመጥን ትሰድድ። ስለዚ፡ እዚ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ እንተ ተበቲኹ፡ ኣብ ተራ ጓሶት፡ ሰደድቲ ጥሪትን ማሕበረሰብ ንግድን ዘውርዶ ቍጠባዊ ሃስያ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ውሽጣዊ ምክፍፋልን ናይ ዘተ ተስፋታትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ሶማልያ'ውን ከቢድ ፖለቲካዊ ምፍጣጥ ፈጢሩ ኣሎ።

ምኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ፊቂ፡ ምስ ኢማራት ይሰርሑ ኣለዉ ዝበሎም ናይ ተቓውሞ ፖለቲከኛታት ብኽሲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ኢማራት ዘዕጠቐቶም ዕጡቓት ድማ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራውያን ጕጅለታት ክስየሙ ጸዊዑ።

ፊቂ፡ ኣብ ሞቓዲሾ ንዝርከባ ራድዮታት ኢማራት ፍቓደን ተሰሪዙ ክዕጸዋ'ውን ጸዊዑ እዩ።

ይኵን`ምበር፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ተቓወምትን ብዛዕባ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ሃገራዊ መረጻ ዘሎ ዘይምስምማዕ ገና መዕለቢ ኣይረኸበን።

ቀዳም ኣብ ሞቓዲሾ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ መረጻ፡ ተቓወምቲ ዓለምለኻዊ ሽምግልና ብምጥላብ ካብቲ መኣዲ ዘተ በዂሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ መደምደምታ መደረኡ፡ ምክብባር እንተ ደኣ ሃልዩ ናይ ዘተ ኣፍደገ ገና ርሑው ምዃኑ ብምሕባር፡ "ምክብባር፡ ግቡእ ዋጋ ምሃብ፡ ማዕርነት፡ ከምኡ'ውን ንልዑላውነትን ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ምሉእ ኣፍልጦ ሒዝኩም እንተ መጺእኩም ኣፍደገና ርሑው እዩ።

እንተዀነ፡ ነዚ ጥውይዋይ መንገዲ ክትቅጽልዎ እንተ መሪጽኩም፡ ሶማልያ ብመሰረት ሕግታትና ዝእዝዞን ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝፈቕዶን ኵሉ ኣገባባት ተጠቒማ ሃገራ፡ ልኡላውነታን ሃገራዊ ሓድነታን ከም እትከላኸል ፍለጡ፡" ብምባል ደምዲሙ።

በቲ ሓደ ወገን ኢማራት ንፑንትላንድን ሶማሊላንድን እትህቦ ደገፍ ኣብ ምውጋእ ሸፋቱ ባሕርን ግብረ-ሽበራውያንን ዘተኰረ ወፍሪ ልምዓት ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ግን እዚ ኣገባብ'ዚ ንልኡላውነት ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ዘፍርስ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓይልታት ውድድር፡ ሶማልያ ሓድነታ ዓቂባ ክትወጽእ ድያ ወይስ ናብ ዝገደደ ናይ ውክልና ኲናት ክትሽመም፡ ናይ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ዝውስኖ ክኸውን እዩ።