እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይተፈትሐ ግድል ቅትለት ኤርትራዊት: ሰብመዚ ጀርመን ንቢቢሲ ትግርኛ ዝሃብዎ መብርሂ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽበ ሽክና ርእሰኪ ናይታ ብዘስካክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ኤርትራዊት ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ መርመራ ይቕጽል ከምዘሎ ሰብመዚ ፖሊስ ጀርመን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም።
"እዚ መርመራታት እዚ ኣይተወድአን ዘሎ፡ ስለዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ውጽኢት የለን" ክብል ሓላፊ ኢንስፐክተር ፖሊስ ኣብ ዞባ ኖርድርሄን-ዌስትፋለን ቲኖ ሻፈር ብኢሜል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣብሪሁ።
ንሓፈሻዊ መርመራን ምጽራይን ናይቲ ዓቢ ስንባደ ዝፈጠረ ቅትለት ብዝምልከት ሓበሬታ ክህበና ኣብ ዝተወከስናሉ'ውን፡ እቲ ጉዳይ ብፖሊስ ቦን ተታሒዙ ከምዘሎ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝሃቦ ሓበሬ ታየለን።
"ንቕትለት ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ዝምልከት መርመራ ብፖሊስ'ዩ ዝካየድ ዘሎ" ብምባል፡ ውጽሪት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ብጋዜጣዊ መግለጺ ክሕበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ርእሲ ኣብ ከባቢ ከተማ ኦልፐ ኣብ ዝርከብ ቨልደን ዝተባህለ ቦታ'ዩ ጓሓፍ ክእክቡ ብዝተፋወሩ ክልተ ሰባት ተረኺቡ።
ፖሊስ ሃገንን ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ሴገንን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ "እቲ ሽክና ናይታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመርቲ ኣብ ምጽራይ ይርከቡ" ኢሎም።
"ቤትጽሕፈት ፖሊስ ሃገን ነዚ ዝምልከት ኣሃዱ መርመራ ኣቚሙ ኣሎ። እቲ ምጽራይ ድማ ናብ ኩሉ ኣንፈት ዝቐንዐ እዩ" ይብል እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝወጸ መግለጺ።
እታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ዕሸል፡ ኣብ መወዳእታ 2025 ከምዝተቐትለት ይዝከር።
በቲ ቅትለት ዝጥርጠር ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ከስካሕክሕ ዝኽእል ትሕዞ ኣለዎ፡
ብ17 ሕዳር 2025 ፈላማ ዝተቖረጸ ኣእዳው ናይታ ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ ኣብ ደረት ጽርግያ ተረኺቡ። በቲ መስመር እትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ዘይንቡር ነገር ድሕሪ ምርኣያ ንፖሊስ ብምሕባራ'ዩ ኣእዳው ሰብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ኣካላት ኣብቲ ኤይ-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ድሕሪ ምርካቡ ብዝተገብረ መርመራ ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ናይታ ጓል 32 ዓመት ዝነበረት ግዳይ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላዳ ድማ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ደብሪ ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓረብያ ህጻናት ተገዲፉ ጸኒሑ። ብኸመይ ናብ ኣፍደገ እቲ ደብሪ ከምዝተወስደ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ህጻን ኣብ መዕቆቢ ቆልዑ ይእለ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብ28 ሕዳር ከኣ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ሬሳ ናይታ ግዳይ 100 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ካልእ ቦታ ተረኺቡ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ፍራንክፈርት ናይ ስንብታ ስነስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተኻየደላ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን ስንባደን ስግኣትን ፈጢሩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ዘለዎ'ዩ።
ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ "ዝተሓላለኸ" መርመራ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብቕትለት ናይታ ኣደ ዝጥርጠር ወዲ 41 ዓመት መጻምድታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ናብ ጀርመን ተሰጋጊሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከብ ዳብሊው-ዲ-ኣር ሓቢሩ'ሎ።
"ብቐዳም ኣብ ጥቓ እቲ ኤ45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ መስመር ጽርግያ ጓሓፍ ንምእራይ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪ፡ ክልተ ሰባት ሓደ ናይ ጓሓፍ ጐማ ረኺቦም። ኣብ ውሽጡ ሽክና ርእሲ ሰብ ጺኒሕዎም።
"መርመራ ተኻይድሉ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ውጽኢቱ ክግለጽ እዩ" ክብል'ውን ጸብጻብ ናይ ማዕከን ዜና ይጠቅስ።
በቲ ቅለት ኣዝዩ ዝሓዘነ ከንቲባ ናይቲ ከባቢ ነቲ ኣብ ከባቢ ቨንደን-ሊሚክ ዝተኻየደ 75 ሰባት ዝተሳተፍዎ ወፈራ ጽሬት ባዕሉ'ዩ ዝመርሖ ነይሩ።
"ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ ክልተ ዓበይቲ ሰባት እዮም ነቲ ጐማ ረኺቦሞ" ዝበለ ከንቲባ ክሪስ ስትራክ "ክትርእዮ ዘሰንብድ ምንባሩ ግን ፍሉጥ'ዩ" ክብል ነቲ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።
ምስቲ ስንክሳር ኮይኑ ዝጸንሐ ሞት ናይታ ኤርትራዊት ግዳይ ብዝተሓሓዝ ምርካብ ናይቲ ሽክና ዓቢ ቓልቦ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ረኺቡ ኣሎ።
ፖሊስ ሃገንን ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ሴገንን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ነቲ መርመራ ብዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።