እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ደንበ ተቓውሞ ሱዳን ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ ተበግሶ ዘተ ሰላም እወታዊ ምላሽ ሂብሉ

ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝገደደሉ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝርከቦም ተቓወምቲ ሱዳን፡ ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ብኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበ ናይ ዘተ ተበግሶ ተቐቢሎሞ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ኣሰቃቒ ተኸታታሊ ቅትለት ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽአ ገበነኛ ከመይ ተታሕዘ?
  • ብሪጣንያ፡ ናይ ምስጓጕ መጠንቀቕታ ዝነበሮ ኤርትራዊ ብጾታዊ ዓመጽ 13 ዓመት ተፈሪዱ
  • ዝለሓዀ ሰነድ ዘቃልዖ ምስጢር ሞስኮ፡ ኣብ ኵናት ዩክረይን ዝሃለቑ ወተሃደራት ሩስያ ክንደይ በጺሖም?

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ልዕሊ ሲኣይኤ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ

    ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ)ን ቤትጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን፡ ምስጢራዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ናይ መረዳእታ ስርዓተን ዘቃልዐ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዘጋጠመን ምፍላጠን ጋዜጣ ‘ኒው ዮርክ ታይምስ’ ጸብጺባ።

    እታ ጋዜጣ ንሓለፍቲ ኣመሪካን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ምንጭታትን ብምጥቃስ ከም ዘረድኣቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ቅሉዕን ምስጢራዊ ዘይኰነን ምንጭታት ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምእካብ ኣብ ዘገልግል ክፉት መርበብ መረዳእታ እዩ ኣነጻጺሩ።

    እንተዀነ፡ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን ምስጢራውያንን ዝዀኑ ሰነዳት ኣብ ሓደጋ ከም ዘይወደቑ ተገሊጹ።

    እዚ ቅሉዕ ናይ መረዳእታ መርበብ፡ ንንግዲ ዝቐርቡ ዓበይቲ ዝተኸዘኑ ዳታታት፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕዝቶታት፡ ናይ ሳተላይት ኣሳእልን ካልእ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ሓበሬታታትን ዘጠቓልል እዩ።

    እዞም መረዳእታታት ንበይኖም ክረኣዩ እንከለዉ ተራ ይመስሉ እኳ እንተዀኑ፡ ምስ ካልኦት መረዳእታታት ተደሚሮም ክትንተኑ እንከለዉ ግን ንኣገደስቲ ምስጢራት ሃገር ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ከም ዘለዎም እቲ ጸብጻብ የረድእ።

    እዚ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝቃላዕ ዘሎ፡ ምኒስትሪ ሕርሻን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራን (ኤፍቢኣይ) ዝርከብዎም ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምእንጋዶም ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ስለያ እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

    ምኒስትሪ ሕርሻ ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ኰይኑ፡ እቶም ሰርሰርቲ (ሃከርስ) ነቲ ንሓረስቶት ክፍሊት ንምፍጻም ዘገልግል ናይቲ ምኒስትሪ ስርዓተ-መረዳእታ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ብተመሳሳሊ፡ ኤፍቢኣይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝጥቀመሉ መዝገብ ገበን ናይ ድሕነት ጥሕሰት ከም ዘጋጠሞ ኣረጋጊጹ፡ መርመራ የካይድ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ትካል ድሕነት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ኣዝዩ ምስጢራዊ ውሽጣዊ መርበብ ርክብ ንግዜኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ።

    እንተዀነ፡ ሓለፍቲ እቲ ትካል እቲ ምቍራጽ ብሰንኪ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይኰነ ኣነጺሮም ኣለዉ። እዚ ኣብቲ ትካል ስለያ ዘጋጠመ ምቍራጽ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መደበራት ነፈርቲ፡ ባንክታትን ካልኦት ኩባንያታትን ዓበይቲ ቴክኒካዊ ጸገማት ድሕሪ ምኽሳቱ ዝሰዓበ እዩ።

    ተወሳኺ፤

  2. ኤርትራ፡ ኣብ ከረን ብሓደጋ ምህማም መሬት ህይወት ኣርባዕተ ቈልዑ ሓሊፉ

    ኣብ ከተማ ከረን፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ናይ ኣርባዕተ ቈልዑ ህይወት ክሓልፍ እንከሎ፡ ክልተ ድማ ብህይወት ከም ዝደሓኑ መንግስታዊት ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ሓቢራ።

    እቲ ሓደጋ ብ21 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብታ ከተማ ምምሕዳር ከባቢ 02 ‘ሓንሽ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዘጋጠመ ምዃኑ፡ እታ ጋዜጣ ንሓላፊ መርመራ ገበን ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ከረን ኣቶ ሚካኤል የማነ ብምጥቃስ ጸብጺባ። እቶም ናይቲ ሓደጋ ግዳይ ዝዀኑ ቈልዑ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 7 ክሳዕ 17 ዓመት ዝርከቡ እዮም።

    ርእሰ-ከተማ ዞባ ዓንሰባ ዝዀነት ከረን፡ ካብ ዋና ከተማ ኣስመራ ብኣንፈት ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣስታት 91 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ብብዝሒ ህዝባ ድሕሪ ኣስመራ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኤርትራ እያ።

    እታ ኣብ መንጎ ኣኽራናት ተዓቚባ እትርከብ ውዕውዕቲ ከተማ፡ ብኣገዳሲ ንግዳዊ መስመራ፡ ንጡፍ ናይ ሕርሻ ዕዳጋታታን ፍሉይ ማእከል ባህላዊ ብዙሕነትን ብምዃን ትልለ።

    ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ከረን ሓላፊ መርመራ ገበን ኣቶ ሚካኤል፡ ወለዲ ንምንቅስቓስ ደቆም ብቐረባ ክከታተሉ፡ ከምኡ’ውን ነበርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ቈልዑ ዝጻወትሎም ከባቢታት ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ውሑሳት ምዃኖም ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤

  3. ደንበ ተቓውሞ ሱዳን ብኢትዮጵያ ንዝቐረበ ተበግሶ ዘተ ሰላም እወታዊ ምላሽ ሂብሉ

    ጕጅለታት ተቓውሞ ሱዳን፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንምዕጋት፡ ናይ ሱዳናውያን ሓድሕዳዊ ዘተ ንምእንጋድ ዘቕረቦ ተበግሶ ትማሊ እወታዊ ምላሽ ሂቦምሉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቱ ንዅሎም ወተሃደራውያን፡ ፖለቲካውያንን ስቪላውያንን ጕጅለታት ሱዳን ኣብ ሓደ ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ ንምእካብ ዝዓለመ "ቅኑዕ" ናይ ሰላም ተበግሶ ምጅማሩ ገሊጹ ነይሩ።

    እቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኪዳን ‘ምስራሕ ሱዳን’ (ታሲስ)፡ ብዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝምራሕ ተቐናቃኒ ‘መንግስቲ ሰላምን ሓድነትን’፡ ከምኡ’ውን ስቪላዊ ምምሕዳር ዝድግፍ ‘ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት ሰውራ - ተቓውሞ’ (ስሙድ) ነቲ ጻውዒት ዝነኣዱ ኰይኖም፡ ምስቲ ተበግሶ "እወታዊ ተሳትፎ ንምግባር ድሉዋት" ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እዚ ተበግሶ ዝቐርብ ዘሎ፡ ብሰራዊት ሱዳን ዝምራሕ መንግስትን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሃገራቶም ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ይድግፉ ኣለዉ ብዝብል ሓድሕድ ክስታት ድሕሪ ምልውዋጦም፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    እቲ ብሰራዊት ሱዳን ዝድገፍ መንግስቲ ዛጊት ነቲ ጻውዒት ዘተ ወግዓዊ ምላሽ ዘይሃበሉ ኰይኑ፡ ገለ ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፉ ተንተንቲ ግን፡ እቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝቐረበ ተበግሶ፡ ሃገሩ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ "ንምጕልባብ" ዝዓለመ ፈተነ እዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

    ተወሳኺ፤

  4. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ረቡዕ ክዀነልኩም ንምነ። ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ተፈላለየ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ከነቕርበልኩም ኢና።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትና እነቕርቦ ዝተፈላለየ መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኹም።