ኤርትራ፡ እተካይዶ ዘላ ጻውዒት 'ክተት' ኣብ ውሽጥን ወጻእን

Published
ንባብ: 9 ደቓይቕ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብፍላይ ወተሃደራዊ ድልውነት፡ ብተዛማዲ ዝሓየለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወፍሪ ጐስጓሳትን ጻውዒታት ክተትን ዘወሃሃደ ምንቅስቓሳት ከተካይድ ትርአ ኣላ።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ኣንጻር እቲ ካብ ኢትዮጵያ ይመጽእ ኣሎ ዝብልዎ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ "ተጻባኢ ትረኻታትን ወራርን"፡ እታ ሃገር ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ትከላኸል ምህላዋ ይምጕቱ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብ፡ ጻውዒት ወተሃደራዊ ክተት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጽዑቕ ግፋ ዜጋታት ይካየድ ከም ዘሎ ዝገልጹ ጸብጻባት፡ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ዝፍኖ ተረርቲ መልእኽትታትን፡ ማዕረ-ማዕረ'ዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝነብሩ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ጽዑቕ ሰሚናራትን ጐስጓሳትን፡ እቲ ዞባ ናብ ካልእ ዓቢ ግጭት የምርሕ ከይህሉ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ዋላ እኳ ኲናት ብዕሊ እንተ ዘይተኣወጀን ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጥታዊ ግጭት ከም ዝተኻየደ ብናጻ ኣካል እንተ ዘይተረጋገጸን፡ ስፍሓት ናይቲ ምድላዋት ግን ኣብ ባይታ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ ዝብል ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

'ክተት' እንታይ ኣበጊስዎ?

ብርግጽ ኣብ ኤርትራ 'ክተት'፡ 'መኸተ' ዝብሉ ቃላት ልሙዳት ኰይኖም ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ዝተኣወጀ ኲናትን ጻውዒት ክተትን ዜጋታት እታ ሃገር ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ቀጻሊ ኵነተ-ኲናትን እዮም ኣሕሊፎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ቃለመሕትታቱን ሃገራዊ መደረታቱን፡ ህዝቢ ክኸትት ጻውዒት ከቕርብ ተሰሚዑ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ለካቲት 2021 ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "... ኣብ ኵሉ መዳያት ማለት ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ድሕነታዊ ጉዳያት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክመጽኡ ዝኽእሉ ምዕባለታትን ናይ ዞባ ኵነታትን ክተት፡ ዕጥቅኻ ሸጥ [ኣብል!]" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋናት ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ዝኸተተን ህይወቱ ዝኸፈለን ኤርትራዊ መንእሰይ ቍጽሩ ብዕሊ ኣይፍለጥን፤ ስድራቤታት እውን ክሳብ ሕጂ ኵነታቶም ብወግዒ ኣይተነግራን። ሕጂ ድማ እቲ ናይ ክተት ጻውዒት ዳግማይ ይስማዕ ኣሎ።

ቀጥታዊ ድሕረ-ባይታ ናይዚ እዋናዊ ምዕባለ ግን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝምድናታተን እዩ።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዝህብዎም መግለጺታት ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝፈታተኑ ምዃኖም ብምምጓት ብተደጋጋሚ ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብውሕዱ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከም ዝግብኣ ብተደጋጋሚ ከፈራርሑ ጸኒሖም፤ ገለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣካላት እታ ሃገር እውን ንመስርሕ ወግዓውነት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ርእይቶታት ክህቡ ተሰሚዖም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ቍጠባውን ንግዳውን ድሌት ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዝብገስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉዳይ "ብሰላማውን ሓባራዊ ረብሓ ብዘለዎን መንገዲ" ክፈትሖ ከም ዝደሊ፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ናይ ምፍጻም መደብ ከም ዘይብሉ እውን ብኻልእ ገጽ ይስማዕ እዩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኤርትራ ንዕጡቓትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዳ ተእቱን ጠንቂ ስእነት ሰላም እያን ክብሉ ክኸሱ ይስምዑ እዮም። ኤርትራ ነዚ ክስታት "ከም መመሳመሲ ንዂናት" ብምግላጽ ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ እያ።

እዚ ይዅን ግን፡ እቲ ዓብላሊ ትረኻ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን ልዑላውነት ኤርትራን ኰይኑ ምጽንሑ ብሰፊሑ ይፍለጥ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተመደቡ ኣምባሳደራትን መራሕቲ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታትን ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ሃገሩ ኣብ ዞባዊ ኵነታት ዘለዋ ስክፍታታት ኣብሪሁ ነይሩ።

ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኤርትራ፡ እቲ ምኒስተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ይመጽእ ኣሎ ዝበሎ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ተጻባኢ ፖሊሲታት ብምጥንቃቕ፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንዘተ ዘይቀርቡ ምዃኖም ዝገልጽ መርገጺ ኤርትራ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ርእሲኡ ኣዲስ ኣበባ ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ክብል'ውን ምኒስተር ዑስማን ከሲሱ ነይሩ።

"ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና፡ ሚዛን ዘይወሃቦም ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ምእንጋድ፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊን ሎጀስቲካዊ ደገፍ ምሃብ ቀጺልዎ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ መብርሂ፡ ኤርትራ ስክፍታታታ ንናይ ወጻኢ መንግስታት፡ ንኣህጉራውያን ውድባትን ንህዝቢ ውሽጢ ዓድን ንምርዳእ ዝጀመረቶ ዝተወሃሃደ ወፍሪ መጀመርያ ተገይሩ ይውሰድ።

ካብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ብተወሳኺ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዶብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሱዳንን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ዞባውያን ኣሰላልፋታትን ንስግኣት ጸጥታ ኤርትራ ዝያዳ ኣጋዲዶምዎ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ኲናት ሱዳን ዝረአ ዘሎ ናይ ደገ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንዞባዊ ርግኣት ከቢድ ሓደጋ ይፈጥር ከም ዘሎ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

በዚ ድማ ኤርትራ ብደቡብ ጥራይ ዘይኰነስ ብምዕራባዊ ዶባታ እውን ዝመጽእ ጸጥታዊ ጸቕጢ ንምምካት ሃገር-ለኸ ድሉውነት እተሐይል ዘላ ትመስል ዝብል ገምጋማት ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝካየድ ዘሎ ጻውዒታት ክተትን ጐስጓሳትን

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝወጹ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሰበ-ስልጣን ኣብ መላእ እታ ሃገር ጻዕርታት ክተት ኣሐይሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ምንጭታትን ነበርትን፡ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ጻውዒታት፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ክሊ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕቝር ሰራዊትን ዝምልከቶም ዜጋታት ዝግበር ምጽራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየዱ ጽዑቓት ግፋታት፡ ከምኡ'ውን ሰፋሕቲ ስጕምትታት ድልውነት ይርኣዩ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

እቲ ክተት ኣብ ወተሃደራዊ መዋቕራት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን። መንግስታዊ ትካላት፡ ከባብያዊ ምምሕዳራትን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ውድባትን፡ ዞባውያን ምዕባለታት ንምብራህን ዜጋታት ንሃገራዊ ጻዕርታት ድልውነት ክድግፉ ንምትብባዕን ኣኼባታትን ሰሚናራትን የካይዱ ከም ዘለዉ ይንገር።

ተዓዘብቲ ከም ዝጠቕስዎ፡ ኤርትራ ብታሪኽ ናይ ደገ ስግኣት ኣብ ዝረኣየሉ እዋናት ንምሉእ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ኣገባብ እያ ክትጥቀም ጸኒሓ።

እዚ እዋናዊ ወፍሪ እውን "ወተሃደራዊ ድልውነት ምስ ሃገራዊ ሓድነት" ንምድልዳል ዝዓለመ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ብምውህሃድ፡ ተመሳሳሊ ቅዲ ዝኽተል ከም ዝመስል ኣብ ብዙሕ መዳያት ይርአ።

ንብዙሓት ኤርትራውያን - ብፍላይ ንመንእሰያትን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣባላት ንዘለዎም ስድራቤታትን - እዞም ምዕባለታት ተዘክሮታት ዝሓለፉ ኲናታት ብምቕስቃስ ካልእ ዝተናውሐ ግጭት ከይለዓል ዓቢ ጭንቀትን ስክፍታን ፈጢሮምሎም ከም ዘለዉ ነበርትን ምንጭታትን ይገልጹ።

ማዕከናት ዜና ኤርትራ እንታይ ይብላ ኣለዋ?

ቀንዲ ኣካል ናይቲ ጻዕሪ ክተት፡ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና - ራድዮ ድምጺ ሓፋሽን ኤሪ-ቲቪን ሓዊሱ - ዝምራሕ ቀጻሊ ወፍሪ ሓበሬታ እዩ።

ወግዓውያን ማዕከናት ዜና ኣብ ልዑላውነት፡ ሃገራዊ ናጽነትን ዞባዊ ጸጥታን ዘተኰሩ ስሩዓት ዓንቀጻትን ርእሰ-ዓንቀጻትን ከቕርባ ይስምዓ ኣለዋ።

ሃገራውያን ደርፍታትን ታሪኻውያን ዶኩመንታሪታት እዋን ብረታዊ ቃልሲ ይዅን ኣብ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998–2000 ዝነበሩ ፍሉያት ፍጻመታት ብምዝርጋሕ ድማ ንህዝቢ ብስነ-ልቦና ንዘይርጕጽ እንተታት ከዳልዋ ይርኣያ።

ካብቶም ዝቐረቡ መልእኽትታት ብፍላይ ትዅረት ዝሰሓበ፡ እቲ ብ12 ሕዳር ኣብ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና "ኵሉንትናይ ንዓኺ"፡ መመሊሱ ዝዅላዕ ሃገራዊ ክብሪ!" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ሓተታ እዩ።

እቲ ሓተታ ንታሪኽ መኸተ ሓርነታዊ ቃልስን ንገንዘባውን ፖለቲካውን ኣበርክቶ ዲያስፖራን እናዘከረ፡ ንሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ኲናት ኣዊጁ መዋጽኦ ኣብ ዘይርከቦ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ" ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዕሊ ወራር ኣዊጁ'ሎ" ክብል ከሲሱ።

ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነቲ ወራር "ብዝሓረዮ ቋንቋ" ክምልስሉ ድሉዋት ምዃኖም ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ዝግበር ምድላዋት "ንዝተስገደደ ኲናት ንምውጋድ... እንተ መጸ ድማ ንምስዓሩ ጥራይ" ምዃኑ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ ተንተንቲ ነዚ ጽሑፍ ብጥንቃቐ እዮም ዝርእይዎ። እቲ ሓተታ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐርብ ተሪር ሃገራዊ ቃና ዘለዎ ሓውሲ መዓልታዊ ሓተታ እምበር፡ ንዝተፈጸመ ጭቡጥ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝሕብር ፍሉይ ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ገይርካ ምውሳዱ ኣሻማዊ እዩ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ መልእኽትታት ዝተረረን ፍልይ ዝበለን ቃና ምጥቃሙ፡ ኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ናይ ምፍርራሕን ምክልኻልን መጠንቀቕታ ንምሕላፍን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ሃገራዊ ስምዒት ንምንቕቓሕን እተካይዶ ዘላ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስግጋሩ ከም ዘመልክት ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኣብ ዲያስፖራ ዝግበር ንጥፈታትከ?

እቲ ናይ ክተት ጻዕሪ ካብ ዶባት ኤርትራ ሓሊፉ፡ ናብቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን እውን ዝበጽሐ እዩ።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንማሕበረሰባት ኤርትራ ዘሳተፉ ተኸታተልቲ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ህዝባዊ ንጥፈታት ይካየድ ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ።

ውድባት ዲያስፖራ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ኣጋጣሚታት ከም መተሓላለፊ ጐስጓስ፡ ምእካብ ገንዘብን ዲፕሎማስያዊ ደገፍን ኰይነን ናይ ምግልጋል ነዊሕ ታሪኽ ከም ዘለወን ዝፍለጥ እዩ።

ፍሉይ ትዅረት ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታትን ፍጻመታት ምድግጋፍን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ ንልዑላውነት ኤርትራ ከኽብሩን ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝቐንዐ ዝዀነ ስግኣት ክቃወሙን ክጽውዑ ተሰሚዖም።

ስፍሓት ናይዚ ብጻዕቂ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ እቲ መንግስቲ ንተሳትፎ ዲያስፖራ ኣንጻር እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ ከም ወሳኒ ኣካል ሰፊሕ ግብረ-መልሱ ከም ዝርእዮ ዘመልክት እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ነቐፍትን ተቓወምትን ነዞም ንጥፈታት ከም መቐጸልታ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ገይሮም እዮም ዝርእይዎም።

ኣብ ዶብ ዘሎ ምዕባለታት

መብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ክተት ኣብ ፖለቲካን ህዝባዊ መልእኽትታትን ዘተኰረ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ባይታ ዝረኣዩ ምዕባለታት ግን ቀንዲ ጠንቂ ሻቕሎት ኰይኖም ኣለዉ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት - ብኽልቲኡ ወገን - ጻዕቂ ምውፋር ወተሃደራት፡ ከበድቲ ኣጽዋርን ዕርድታት ምክልኻልን ይረአ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስትራተጅያውያን መስመራት ዶብ ዝረአ ዘሎ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብ፡ ዝዀነ ንእሽቶ ጸጥታዊ ጐንጺ ናብ ዘይተሓስበ ዓቢ ግጭት ከይዓርግ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ መላእ እቲ ዞባን ከቢድ ፍርሒ ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ሓሓሊፉ "ቀጥታዊ ውግኣት፡ ደብዳባት ከቢድ ብረት፡ መጥቃዕትታት ድሮንን ነፈርቲ ውግእን" ከም ዘሎ ዝገልጽ ዝናፈስ ወረታት ቀጺሉ ኣሎ።

ብዛዕባ'ዚ ግን ክልቲአን ሃገራት ብወግዒ ዝበላኦ ነገር የሎን፤ ቢቢሲ እውን ብወገኑ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ኣብ ባድመ "ሓያል ውግእ ከም እተወልዐን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ለቒቑ ከም ዝወጽአን፡ እታ ከተማ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወትን" ዝገልጹ ዘይተረጋገጹ ዜናታት ምርኵስ ብምግባር፡ ኣብቲ ከባቢ ብሸነኽ ትግራይ ዘለዋ ዓድታት ንዝነበሩ ነበርትን ወሃቢ-ቓል ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኣዘራሪቡ ነይሩ እዩ።

እቲ ካብ ባይታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን ካብዚ ዝተጋነነ ወረታት ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ ክርዳእ ክኢሉ።

ከም ሓበሬታ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዘራረብናዮም ምንጭታት፡ ኣብቲ ዞባ ሓያል ውግእ ዝተኻየደ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን (ቲዲኤፍ) እምበር፡ ኣብ ባድመ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ዝተገብረ ዝዀነ ይዅን ግጥም ከም ዘየሎ እዩ።

እቲ ዝሰዓበ ምዕባለታት እውን ዛጊት ካብዚ ዝተገልጸ ብዙሕ ዝተፈልየ ከም ዘይኰነ ይግለጽ። እዚ ይዅን ግን ምትእኽኻብ ሰራዊትን ኣጽዋራትን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ወጥርታት ሰፊኑ ከም ዘሎ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስን ዞባዊ ኣሰላልፋን ኤርትራ

ማዕረ-ማዕረ እዚ ጻዕርታት ክተትን ጐስጓሳትን፡ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን መድረኻት ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታታ ኣሐይላ ኣላ።

ኣብ ዞባዊ ደረጃ፡ ኤርትራ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዘለዋ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምቅርራብ ኣዕሚቓቶ ትርከብ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ጐድኒ ሓዱሻይ መድረኽ ዘተ ኣስዋን ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ድሕንነት ቀይሕ ባሕርን ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም ኣለዉ።

እቶም ምኒስተራት ናጽነት ምንቅስቓስ መራኽብን ድሕንነት ኣህጉራዊ መስመራት ባሕርን ክረጋገጽ ብምዝርራብ፡ ሓላፍነት ምምሕዳርን ሓለዋ ድሕንነትን ቀይሕ ባሕሪ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ከም ዝወድቕ ደጊሞም ንዝጸንሐ መርገጺኦም ኣስሚሮምሉ።

ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ግብጽን ኤርትራን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ብስግኣት ብምርኣይ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምትሕብባረን የዕሙቓ ኣለዋ።

ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን መሰረት ዞባዊ ርግኣት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን ተራኺቡ ዘትዩ እዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት እውን ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ንፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንባይቶ ጸጥታን ስክፍታታት ኤርትራ ብወግዒ ብምሕላፍ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝዀነ ዘተ ኣብ ምኽባር ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክምስረት ከም ዘለዎ ኣስሚራትሉ።

ብወገን ሩስያን ቻይናን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ "ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት" ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ኤርትራ ብዛዕባ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ኣብ ዝዀነ ይዅን ዘተ ከም ዘይትኣቱ ገሊጻ።

ብ9 ሕዳር ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝወጸ ሓተታ፡ "ልዑላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር "ዘይግሃስ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱን ፍጹምን" ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓደሙ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ክልቲኦም "ድሌት እንተ ኣርእዮም" ኣብ መንጐኦም ዘተ ንምክያድ ድልዋት ምዃኖም ኣብ ዘፍለጡሉ እዋን እውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብ21 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢትዮጵያ "ክልቲኦም ወገናት ብቕንዕና ዝኣምንሉ ዘዛቲ ጉዳይ የሎን" ብምባል፡ ተዓዘብቲ ንዕድል ሽምግልና ዘጽብብ ገይሮም ዝገለጽዎ ተሪር መርገጺ ኣንጸባሪቑ እዩ።

ኤርትራ ንዂናት ድያ ትዳሎ ዘላ?

ኣብዚ እዋን ኤርትራ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንምጅማር ከም ዝወሰነት ዘርኢ ጭቡጥ መርትዖ የሎን፤ ሰበ-ስልጣን እውን ብዕሊ ኲናት ኣይኣወጁን።

ይዅን እምበር፡ ጥምረት ናይቲ ኣብ ዶብ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ድልውነት፡ ተረርቲ ሓተታታት መንግስታውያን ማዕከናት ዜና፡ ዞባዊ ምቅርራብ ምስ ግብጽን ሱዳንን፡ ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስን ክተት ዲያስፖራን፡ እቲ መንግስቲ ንዝተናውሐ እዋን ክስዕቡ ንዝኽእሉ ተኽእሎታት ይዳሎ ምህላዉ የመልክት።

እቲ ምፍጣጥ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኰይኑ ድዩ ክቕጽል ወይስ ናብ ዝኸበደ ኵነታት ክምዕብል እዩ ዝብል ገና ብርግጸኛነት ምዝራብ ዝከኣል ኣይኰነን።

ጻዕርታት ዓበይቲ ሃገራትን ውድባትን እንታይ ውጽኢት ሒዙ እዩ ክመጽእ እውን ብሕጂ ዝርአ እዩ። ንግዚኡ ግን ስጕምትታት ኤርትራ፡ ነቲ ዞባዊ ሃዋህው ጸጥታ እናኸፍአን ሓደገኛ እናዀነን ይመጽእ ከም ዘሎ ገይራ ከም እትርእዮ የመልክቱ።

እዚ ኵሉ-መዳያዊ ወፍሪ ክተት፡ ዜጋታት ንምድላው፡ ዞባውን ኣህጉራውን ደገፍ ንምእካብን፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ዝወጽእ መልእኽቲ ኤርትራ ማእከላይ ኰይኑ ዘሎ ሓሳብ - ማለት ልዑላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንዘተ ዘይቀርቡ ምዃኖም - ንምድልዳልን ዜጋታት ኣብዚ ክሳተፉ ንምጽዋዕን ዝዓለመ ሰፊሕ ጻዕሪ ዘንጸባርቕ እዩ።