ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ግብጺ ገይሹ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ መዘንኡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ንምዝርራብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ግብጺ ከምዝገሸ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ወግዓዊ መገሽኡ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ቁጠባን ካልእን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካይድ ተፈሊጡ።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣገደስቲ ጉዳያት ብዝያዳ ክዘራረቡ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ መግለጺ፤ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ፤ ከምኡ'ውን፡ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሑ ክዘራረቡሉ ምዃኖም የማነ ገብረመስቀል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጄነራላቱን ታሪኻውያን ጸላእትና ኣብ ስሳታት ዝጀመሩዎ ናይ ጽምዶ ወፍሪ ብባንዳታት ደቂ ሃገርን ሰላም ኢትዮጵያ ክዘርጉ ምስ ዝተዓጥቁ ሓይልታት ንዘካይድዎ ዘለው ርኡይ ተጻብኦ ክንሰብር ብምሉእ ዓቕምና ተዳሊና ኣለና ኣብ ዝብልሉ ዘለው ሳልስቲ እዩ ዝገይሽ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ግብጺ ናይ ሓሙሽተ መዓልታ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣ'ሲሲ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ይዝከር።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ጸጥታዊ ውሕስነት ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝተዘራረቡሉ እዋን ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ከም መቐጸልትኡ ከኣ ኤርትራን ግብጽን ብቀዳም 16 ግንቦት ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪሞም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ መቐበል ኣጋይሽ ደንደን ዝተኻየደ ናይ ምፍርራም ስነ ስርዓት ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራን ግብጽን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ብደረጃ መራሕቲ ይዅን ምኒስተራት ጽዑቕ ርክባት ይካየድ ምህላው ይፍለጥ።

ኣብ መፋርቕ ምያዝያ እውን ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ ኤርትራ ምስ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ዕደናን ሓባራዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ እዩ።