ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ ርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ካርቱም ካብቲ ንዓመታት ዘሕለፈቶ ኣዕናዊ ኲናት ንምጽጋን ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ንኽልተ ዓመት ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ምሸት እገዳ (ሰዓት ሕላፍ)ን ህጹጽ ኵነታትን ትማሊ ሓሙስ ምልዓሎም ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን መራሒ እታ ሃገርን ሌተና ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብታ ከተማ ንቡር ናብራ ንምምላስ ኣብ ካርቱም ዝጸንሐ ናይ እገዳ ስጕምትታት ክፈኵስ ትእዛዝ ምስሃበ ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዩ እዚ ስጕምቲ ተወሲዱ ዘሎ።
እቲ ውሳነ ኣብ ኣኼባ ኮሚቴ ጸጥታ ካርቱም ከም ዝሓለፈ ዝገለጸ ሱና፡ ኣብ መላእ ግዝኣት ካርቱም ዝካየድ ናይ ዙረት ሓለዋ ጸጥታን ኬላታትን ግን ከም ዝቐጽል ኣፍሊጣ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ ድማ ኣብ ወጋሕታን ምሸትን ዝንቀሳቐሱ ነበርቲ ወረቐት መንነት ክሕዙ ግዴታ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ብዘይካ እቶም ሕጋዊ ቪዛ ወይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ካልኦት ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ናብ ካርቱም ከይኣትዉ ምእጋዶም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ሱዳን እቲ ናይ ግዜ እገዳን ህጹጽ ኵነታትን ንፈለማ እዋን ኣብ ግንቦት 2024 እዩ ተነቢሩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ግዝኣት ካርቱም ይቈጻጸርዎ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ እቲ ውሳነ ነቶም ምስቲ ሓይሊ ኰይኖም ይዋግኡ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን ወጻእተኛታት ንምቍጽጻር ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ መጋቢት 2025 ጀሚሩ ሰራዊት ንካርቱም ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምቊጽጻሩ፡ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ርእሰከተማ ሰፊሕ ስርሒታት ሃድን ክካይድ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ስርሒታት'ዚ ነቶም 'ሕቡኣት ወሃዮታት' ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ተባሂሎም ዝጥቀሱ፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ወጻእተኛታትን ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ገበነኛታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



