እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብብርኪ ዓለም መዓልታዊ ክንደይ መግቢ ይባኽን? ብኸመይ ምጉዳል ይከኣል?
ጀረን ኦዝካን ዝተባህለት ቱርካዊት ጸሓፊትን ፈጣሪት ፅልዋን፡ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት፡ ብዛዕባ እትገዝኦ መግቢ ኣዝያ ግድስቲ ምዃና ትዛረብ።
ብመሰረት ኦዝካን፡ ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ንሳ-ወይ እቶም ምስኣ ዝነብሩ-ብጭቡጥ ዝበልዕዎ መጠን መግቢ ጥራይ እያ ትገዝእ።
ካብ 2019 ጀሚራ ድማ፡ "ዜሮ-ብኽነት" ናብራ ክትነብር ጸኒሓ።
እዚ ማለት ድማ ነቲ እትድርብዮም ወይ እተባኽኖም ነገራት ኣጉዲላቶ ኣላ ማለት እዩ፣ እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ድማ መግቢ ይሕዝ።
"ናብ ሓድሽ ገዛ ምግዓዝ ኣዝዩ በዳሂ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምኽንያቱ መዓልታዊ ልምድኻ ዳግማይ ንምልማድ ግዜ ስለ ዝወስድ። ሕማም ወይ በዓላት'ውን ልምድታትካ'ውን ክዘርግ ይኽእል'ዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ዜሮ ብኽነት ዘለዎ ኣነባብራ ኣካል ህይወተይ'ዩ" ትብል።
ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) ኣብ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዛ 645 ሚልዮን ሰባት ምስ ጥምየት ዝቃለሱላ ዓለም፡ ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ቶናት መግቢ ከም ዝጓሓፍ ኣመልኪቱ።
ብኽነት መግቢ ሓዊሱ ምውጋድ ጎሓፍ፡ ኣብ'ቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣንታልያ-ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሎሚ ዓመት ዓለማዊ ዋዕላ ክሊማ (COP 31) ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ተገሊፁ ኣሎ።
ኦዝካን እቲ ዋዕላ ነዚ ጉዳይ ዝህቦ ዘሎ ኣቓልቦ ብሓጎስ ትቕበሎ፤ እንተኾነ ግን ናብ ዓወት ይመርሕ ድዩ ኣይመርሕን ኣብ ዝብል ጥርጣረ ኣለዋ።
"ክጋገ ይኽእል እየ፡ ንቕሓት ግን ብተግባርን ተሓታትነትን ክስዕብ ኣለዎ"።
ስክፍታ ኦዝካን ነቲ ሰፊሕ ብድሆ ዘንጸባርቕ ኰይኑ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ 30 ሃገራት ጥራይ እየን ምጉዳል ብኽነት መግቢ ኣብ መደብ ስጉምቲ ክሊማ ዘእተዋኦ።
ኣብ ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) ኣብ ስርዓታት መግቢ ከተማን ብኽነት መግብን እትሰርሕ ክለመንታይን ኦኮነር፡ "ኣብዚ ዋዕላ ምክልኻልን ምንካይን ብኽነት መግቢ ዝምልከት ዘተ ካልኦት ሃገራት ነዚ ኣብ ሃገራዊ ስትራተጂታት ክሊማኦም ከዋሃህድዎ ክሕግዛ ተስፋ ንገብር" ኢላ።
ብማእከላይ ሓደ ሰብ ክንደይ መግቢ የባኽን?
ብመሰረት መረዳእታ ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሰብ ብማእከለይ ኣብ ዓመት 79 ኪሎ መግቢ ኣብ ገዝኡ ይድርቢ። እዚ ማለት ብደረጃ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተወሓደ ሓደ ቢልዮን መግቢ ይባኽን።
ስድራቤታት ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጸገም ኮይኖም፡ 60 ሚእታዊት ናይቲ ብኽነት ይሕዙ።
ትካላት ኣገልግሎት መግቢ - ከም ቤት መግብታትን ቤት ትምህርቲ ካፈተርያታትን - 28 ሚእታዊት ኣበርክቶ ክገብሩ እንከለዉ፡ ኣብያተ ክርስትያን ድማ 12 ሚእታዊት የበርክቱ ።
ብኽነት መግቢ ብደረጃ ቤተክርስትያን፣ ኣብ ቤት መግቢን ኣብ ውሽጢ ስድራቤታትን ይፍጠር። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መላእ ቀረብ ሰንሰለት መግቢ እውን ካብ ምፍራይ ክሳብ ተጠቃሚ ይባኽን።
ኣብ ትካል ሃብቲ ዓለም ተመራማሪት ዶክተር ሊዝ ጉድዊን "ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ርኡይ መጠን መግቢ ዝባኽነለን ሃገራት እያ" ትብል።
ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እውን ብዙሕ መግቢ ይድርብያ እየን፣ እዚ ድማ እዘን ሃገራት እዚኣተን ንሃልኪ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ኣብ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ መግቢ ኣዝየን ዝምርኮሳ ምዃነን ዘርኢ እዩ።
ዶክተር ጉድዊን ከም ዝብሎ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መረዳእታ ኣብ መንጎ ሃገራት ቅኑዕ ምውድዳር ንምግባር ኣጸጋሚ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ብፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) ዝተ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብደረጃ ስድራቤታት መግቢ ብኸመይ ብቐጻሊ ከም ዝባኽን ዘርኢ እዩ።
"ቅድሚ ሕጂ ብኽነት መግቢ ምስ ሃብታማት ሃገራት፡ ዋሕዲ መግቢ ድማ ምስ ድኻታት ሃገራት ምትእስሳር ልሙድ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ከምኡ ዘይኰነስ፤ እቲ ጸገም ዓለምለኻዊ'ዩ" ትብል ኦኮነር።
ኦኮነር ወሲኻ፡ ምኽንያታት ብኽነት መግቢ፡ ብሓቂ ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ምዃኑ ይዛረብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብተን ሙቐት ዝበዝሓን ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ መዝሓሊ ወይ ካልእ መግቢ ንኽዝሕል ዝሕግዝ ሜላታት ኣብ ዘይብሉ ቦታታት፡ መግቢ ቀልጢፉ ምብስባሱ ዘይተርፍ እዩ።
ብኽነት መግቢ ንፕላኔትና'ኸ ይጒድእ ድዩ?
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኽነትን ክሳራን መግብን ካብ 8 ክሳብ 10 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ልቀት ዝስዕብ እዩ።
ነዚ እዩ ድማ ክሳብ 2030 ብኽነት መግቢ ብፍርቂ ምጉዳል ሓደ ካብ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዘሎ።
መግቢ ኣብ መጉሓፊ ኦክስጅን ምስ ዝብስብስ፡ ሚቴን ዝተብሃለ ሓያል ጋዝ - ግሪንሃውስ- የፍሪ።
"ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት፡ እዚ ጋዝ ካብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብ84 ዕጽፊ ዝጎድእ'ዩ" ክብል ኦኮነር ይገልጽ።
ስለዝዀነ ድማ፡ ምጉዳል ብኽነት መግቢ፡ ኣብቲ ንለውጢ ክሊማ ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ፡ "ኣዝዩ ቅልጡፍ ውጽኢት" ንምርካብ ዝሕግዝ መንገዲ ምዃኑ ይምጉት።
መግቢ ንምፍራይ ሰፊሕ መሬት፣ ማይ፣ ጸዓትን ካልእ ጸጋታትን የድሊ። መግቢ ክንድርቢ ከለና እዞም ጸጋታት እዚኣቶም እውን ይባኽኑ። እዚ ብግዲኡ ንከባብያዊ ኢሚዛናዊነት ኣበርክቶ ይገብር።
ብኻልእ ወገን ድማ ምንካይ ብኽነትን ምጉሓፍን መግቢ፡ መጠን ቀረብ መግቢ ይውስኽ።
ብመሰረት ኦኮነር እዚ ንዋጋታት መግቢ ንምንካይ ይሕግዝን ዋጋታት ብዝያዳ ርትዓዊ ይገብሮን።
ኣብ ገዛና እንድርብዮ መግቢ ብኸመይ ምጉዳል ይካአል?
ንለውጢ ክሊማ ከም ኣገዳሲ ፀገም እትቘፅር ኦኮነር፡ ምጉዳል ብኽነት መግቢ፡ ውልቀሰባት ዝጭበጥ ለውጢ ዘምጽኡሉ መንገዲ ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል 'ፕሮጀክት ድራውዳውን' እውን፡ ምጉዳል ብኽነት መግቢ ንለውጢ ክሊማ ንምምካት ክንወስዶ እንኽእል ቁልፊ ስጉምቲ ምዃኑ የጉልሕ።
ኣብ ትካል ጸጋታት ዓለም ተመራማሪት ዶክተር ሊዝ ጉድዊን ምስዚ ኣረኣእያ ትሰማማዕ፣ ኣብ መዓልታዊ ልምድታትና ዝግበር ንኣሽቱ ለውጥታት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ትሕብር።
ስለዚ፡ ነቲ እንገዝኦ ምግቢ መዝገብ ምሓዝ ጽቡቕ መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም እንገዝኦም ፍርያት ናይ ምውዳእ ግዜኦም ምፍታሽ ወሳኒ እዩ። ኣብ ገለ ፍርያት ዝተረኽበ "best before" ዝብል ዕለት ንጽሬት እምበር ንውሕስነት የመልክት። ነዚ ዕለት ምሕላፍ ንጣዕሚ ወይ ቅርጺ ናይ ሓደ ፍርያት ክቕይሮ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንኽትጥቀመሉ ግን ውሑስ ኮይኑ ይቕጽል።
"ብዙሓት ሰባት ግን ሓደ ፍርያት ዕለት ምስ ሓለፈ ይድርብይዎ፤ እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ይብል ጉድዊን።
ብመሰረት ኦኮነር፡ ኣብ ውሽጢ ቀረብ ሰንሰለት ይኹን ብደረጃ ስድራቤታት - ብኽነት መግቢ ንምንካይ ብዝገበሮ ጻዕሪ ብፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) ኣፍልጦ ዝረኸበት እንኮ ሃገር ጃፓን ጥራይ እያ።
ነዚ ድማ እታ ሃገር ብናይ ንቕሓት ምዕባይ ወፍሪታት፡ ትካላት ንግዲ ብዛዕባ ጎሓፍ ጸብጻብ ክህባ ዘገድድ ጠለባት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንግስታውን ውልቃውን ጽላታት ምትሕብባር ብምምዕባል እያ ኣመዝጊባቶ።
ዓባይ ብሪጣንያ እውን ብኽነት መግቢ ብ22 ሚእታዊት ከምዝነከየት ይንገር።
ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ቀረብ ሰንሰለት ብኽነት መግቢ ኣበይ ከምዘጋጥም ብምልላይን ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ዕላማ ዝገበረ ስጉምቲ ብምውሳድን እዩ።
ካልኦት ሃገራት ማለት ደቡብ ኣፍሪቃ: ኢንዶነዥያ: ሜክሲኮ: ከምኡውን ብራዚል: ሕጂ ተመሳሳሊ ኣገባባት ይኽተላ ኣለዋ።
ኣብ ገለ መዳያት ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፡ ዓለም ብሓፈሻ ነቲ ዝተቐመጠ ሸቶ ከተማልእ ኣይከኣለትን።
"ክሳብ 2030 ብኽነት መግቢ ብፍርቂ ክንቅንስ ዝኽእለሉ መንገዲ የለን" ይብል ጉድዊን።
ጉድዊን፡ ትካላት ንግዲ ካብ መንግስታት ንላዕሊ ርኡይ ለውጢ ከምዘርኣያ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ኩባንያታት መግቢ ሸቶታት የቐምጣን ብኽነት ንምንካይ ዝተፈላለየ መደባት የተግብራ ከምዘለዋን ትገልጽ።
ይኹን እምበር መንግስቲ ትካላት ንግዲ ብዝሒ ዝባኽን መግቢ ንምዕቃንን ንምሕባርን ዝያዳ ክሰርሕ ከምዘለዎ ይኣምኑ። እዚ ድማ ኣብ መንጎኦም ውድድር ከዕቢን ናብ ምምሕያሽ ዘምርሕን ይመስሎም።
ብተወሳኺ ብኽነት መግቢ ንምክልኻል ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ ስርዓተ መግቢ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ። ውልቀሰባት እውን በቲ ኣብ ገዛውቶም ዝኽተልዎ ኣሰራርሓ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ።
"ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዝደርበናዮ ናባና ይምለስ" ትብል ጉድዊን።