እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኣኼባታት እንታይ የመልክት?
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ብጻዕቂ ዝካየዱ ዘለዉ ህዝባዊ ኣኼባታትን መግለጺታትን ኣዘራረብቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድዱን ንዂናት ዝደፍኡን ከይኰኑ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
እቶም 'ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት' ብዝብል መሪሕ ቃል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝካየዱ ዘለዉ ኣኼባታት፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝምርሑ ዀይኖም፡ ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ይለዓሉ ከምዘለው ይዝረብ።
ኣብቲ ክልል ወፍሪ ብዝመስል፡ ከምዚ ዓይነት ፃዕቒን ክብደትን ዘለዎም ዘይተለምዱ ኣኼባታት ዝካየዱ ዘለዉ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናተጋደደ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ገለ ተዓዘብቲ፡ እቲ ምዕባለታት ነቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፈኸም እናበለ ዝመፅአ ወጥሪ፡ ናብ ካልእ ጫፍ ዝወስድ ይመስል ክብሉ ስግኣቶም ክገልፁ እንከለዉ፤ ካልኦት ድማ ምስ ነበርቲ ምምኽኻር ኣወንታዊ ውፅኢት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ፍታሕ ከምዘምፅእን ተስፋ ይገብሩ።
ነዚ ኵነታት ኣመልኪትና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት - መምህር ኣብርሃ ተኽሉ ከምኡ ድማ ኣብ ካናዳ - ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ መምህርን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተልን ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ ርእይቶኦም ክህቡና ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ወሃብቲ ርእይቶ እንታይ ይብሉ?
ፕሮፌሰር ጌታቸው ብፍላይ ካብቶም ዓበይቲ ኣመራርሓ ህወሓት ዝስምዑ ዘለዉ መደረታት፡" ብዘሕዝን መልክዑ ናብ ኲናት ተቓሪብና ከምዘለና እዩ ዝስመዐኒ" ይብል።
ነዚ ርእይቶኡ ከብርህ እንከሎ፡ ኣብቲ መግለፂታት ይዅን ኣብቲ ዘረባታት "ኣብ መቓብር ጄኖሳይዳዊ ስርዓት" ዝብል ኣገላልፃ ምጥቃሞም፡ ከምኡ'ውን፡ ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ደቀን ዘሰወኣ ከይተረፋ ነቶም ዝተረፉ ደቀን ከቕርባ ምእማንን ምድፋእን ብዝመስል መልክዑ እዩ ዝቐርብ ዘሎ ኢሉ።
ብኣንፃሩ፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝዀነ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳን ኣብዘን ክልተ ሰለስተ መዓልታት ከምዝስተብሃለ ይዛረብ።
"ስለዚ ናይ መወዳእታ ዝመስል ኵነታት ኢና ንርኢ ዘለና፤ ምናልባት ግን ምንም [ኲናት ዝተርፈሉ] ዕድል የለን ክብል ኣይደልን" ይብል።
እቲ ሓደ ከም ኣወንታዊ ዕድል ዝርእዮ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካን ብሕብረት ኣውሮጳን ዝግበር ፀቕጥን ናይ ሰላም ድፍኢትን ከም ኣብነት የልዕል።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ - ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ምርኻቡን፡ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ምግባሩን ዝዝከር እዩ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ተመሊሱ ከምዝኸይድ ፀብፃባት የምልክቱ።
ንፕሮፌሰር ጌታቸው እዚ ኣወንታዊ መገዲ እንተዀነ'ኳ፡ ንህወሓት ካልእ ዓይነት ዝተጋገየ መልእኽቲ የሕልፍ ከይህሉ ድማ ስግኣቱ ይገልፅ።
"እዚ ብኽልቲኡ መልክዕ ዝረአ እዩ፤ ብሓደ ገፅ ናብቲ ኲናት ምፅጋዕ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፤ ካልኣይ ድማ፡ ኣብቲ ኣኼባታት'ውን ከምዝስማዕ ዘሎ፡ 'ሻላ ዝተወንዘፈ ቤት ምኽርና ዝመለስና'፡ 'ሓይልና'ውን ስለዘርአና' ተመላሊሶም ይርእዩና ኣለዉ' ንዝብል ፕሮፖጋንዳ ይጥቀምሉ እዮም ዘለዉ፡" ኢሉ።
ስለዚ ነቲ ኲናት ንምጕህሃር'ውን ክኸውን ይኽእል ፅዕንቶ ንምፍጣር'ውን ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝዛረብ።
ብኻልእ ገፅ ድማ ይብል፡ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ "እቲ ክሳብ ሕዚ ውጥም ቅልቅል ዝብል ዝነበረ፡ ምስ [መንግስቲ ኤርትራ]፣ ምስ ፋኖ ከምኡ ድማ ኦላ- ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝግበር ርክባት ዕላዊ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሉ" ብምባል፡ ካብ ዶ/ር ደብረፅዮንን ካብ ምክትሉ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄርን ዝተሰምዑ መደረታት ከም መረጋገፂ ገይርካ ከምዝውሰድ ኣረዲኡ።
"ስለዚ ከም ተስፋ፡ ምናልባት ዲፕሎማስያዊ ዓወት ንምብራኽ ዶ ይኸውን ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ከም ትንታነ ክርእዮ እንከሎኹ ግን፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኣራት ኪሎ ዝስማዕ ዘሎ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ፡ እቲ ኲናት ሰሙናት ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክጅመር ይኽእል እዩ።"
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፡ መምህር ዝዀነነን ንህወሓት ደጊፉ ብዙሕ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥን ኣቶ ኣብርሃ ተኽሉ ብወገኑ፡ እቲ ተኣካባይ ነበርትን ንዅሉ ዘሳተፈን ምዃኑ ይዛረብ።
"ዕላማ ናይቲ መድረኽ ብሓፂሩ፡ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይን-ኢትዮጵያን መብርሂ ሂብካ፡ ኣብኡ ዝተመስረተ ምርድዳእ ገይርካ፡ ንቐፃሊ ክውሰዱ ዝኽእሉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስጕምቲታት ምድላው ምግባር እዩ" ኢሉ።
ንሱ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ'ውን ኲናት ጠጠው ከምዘይበለ እዩ ዝምጕት። ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ተነቢሩ ዝርከብ ክልከላ ባጀት፡ ነዳድን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ዝቐፀለ ግፍዕን ከም መረዳእታ ገይሩ የቕርብ።
ኣብዝሓ ኣብዞም ህዝባዊ ኣኼባታት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላትን ደገፍትን ህወሓት ምዃኖም ምንጭታት ቢቢሲ ትግርኛ ይዛረቡ።
እቲ ወጥሪ ይጓሃሃር ዘሎ ይመስል ምስ ዝብል ትንታነ'ቲ ፕሮፌሰር ድማ ይስማማዕ።
ኣቶ ኣብርሃ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ፡ ብሓይልን ብግፋን ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ምልመላን ዝተኣሳሰር፡ ሕቶ ኣቕሪብናሉ ከምዚ ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"እዚ መሰረታዊ ሕቶ እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከየእመንካ ብሓይሊ መልጢ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ተርእዮታት ኣጋጣሚታት ኣሎ፤ ከምኡ ዓይነት ኣረእያ'ውን ኣሎ፤ ስለዚ ኣብ ኣፈፃፅማ ከምኡ ዓይነት ነቲ መንፈስ ዝዘርግ ኵነታት ከምዝነበረ ንፁር እዩ" ኢሉ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣካይዳ ኣብ ትግራይ ዘይተለምደን፡ ካብ ላዕሊ ኣንፈት ዘይተውሃቦን ከምዝዀነ እዩ ዝምጕት። እቲ ናይ ሎሚ ቕነ ምይይጥ'ውን ዓላማኡ ኣብዚ ጉዳይ ምርድዳእ ንምፍጣር ምዃኑ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ንሱ ካብ ላዕሊ ኣንፈት ዝተቐመጠሉ ኣይኰነን ይበል 'ምበር፡ ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዝነቕፍዎ፡ ንብዙሓት ሰብኣዊ መሰላት ንሓደጋ ዘሳጥሕ፡ ኣዋጅ ወፂኡሉ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ እዩ ዝእመን።
ዘካትዕ ዘሎ ዘረባ ዶ/ር ደብረፅዮን
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እታ ክልል ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነብሳ ንምክልኻል ምስ ካልኦት ሓይልታት ምሕዝነት ከም ዝፈጠረት ኣብ ከተማ መቐለ ምስ መናእሰይ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተዛሪቡ ኣሎ።
ዶ/ር ደብረፅዮን፡ እዞም 'መሓዙት ኣለውና' ብዝብል ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ድዮም ናይ ደገ ሓይልታት ኣይገለጸን።
ይዅን'ምበር፡ ኣንጻር እቲ ሓባራዊ ጸላኢና ዝበሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክቃለሱ ዝጸንሑ ጕጅለታት ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ፡"ሎሚ ከም ቀደም በይንና ኣይኰናን፡ ብዙሓት መሓዙት ኣለዉና" ዝበሎ፡ ንብዙሓት ሰባት ምስቲ ምስ ኤርትራ ክጀማመር ዝፀንሐ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝግበር ርክባት ዶ ይኸውን ዝብል ትርጕም ይህብ ኣሎ።
"ሰልፊ ብልጽግና [ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ]፡ ድሕሪ ሕዚ ምስ ትግራይ ጥራይ ኣይገጥምን። ነቲ ስርዓት ከም ስግኣት ዝርእይዎ ካልኦት ሓይልታት ኣለው። ዋላ'ኳ ኣብ ዓርስና ንተኣማመን እንተዀንና፡ ነዚ ስርዓት ከወግዱ ዝደልዩ መሓዙት ኣለዉና። ሰልፊ ብልጽግና ንዓኣቶም'ውን ናይ ህላወ ስግኣት እዩ፡ ምስዞም ሓይልታት ምሕዝነት ፈጢርና ኣለና፡" ኢሉ።
ኣብ መደረኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድልውነት ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቡ።
"እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲ ክንፈትሖ እንተዘይክኢልና ብሓይሊ ክንፈትሖ ክንግደድ ኢና። ንዕኡ ድማ ሰራዊትና ብምጥንኻር ዓቕምና ክንሃንፅ ኣለና" ኢሉ።
ቅድም ክብል ህወሓት፡ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ባንኪ፡ ቀረብ ነዳዲ፡ ባጀት፡ መድሓኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ሓዊሱ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ገደብ ብምግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ይኸስስ ነይሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ'ዩ ዝብል ክሲ ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ መንግስቲ ምድላዋት ኲናት ይገብርን ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ብሰንኪ ሕቶ ኣፍገ ባሕሪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ዝርከብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነዞም ክስታት ኣይቅበሎምን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ኰይኑ፡ "ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ . . . ንምዝርራብ ጻዕሪ ከድሊ'ዩ፡" ኢሉ።
ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ፡ ብምባል ድማ ኣቢይ፡ "ካብ ሰላም ወጻእ ዘሎ ኵነታት ኣይጠቕመናን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል "ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድልየት ኣሎ፡ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ኢና እምቢ ኢልና፡" ክብል ተሰሚዑ።
ኣብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም [ግ] ተጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን - ምስ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ምስላፎም ዝዝከር እዩ።