ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ መራሒ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራረቡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ኤርትራ ሓጺር ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ "ክልተኣዊን ሓባራዊ ንክልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ሓፈሻዊ ጉዳያትን" ከምዝተላዘበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

"ጀነራል ቡርሃን፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንዘለዋ መትከላዊ መርገጺ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ" ይብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ብወገን ካርቱም ወይ ፓርት-ሱዳን ግን ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ዝተዋህበ ሓበሬታ ዛጊት የለን።

ኣስመራ ግን እቲ ምብጻሕ "ኣካል ናይቲ በብጊዜኡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ዝግበር ምምኽኻር" ምዃኑ ገሊጻ'ላ።

ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ዝኾነ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብታ ከተማ ንሓጺር ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ኣማሲያኡ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ እቲ ሚኒስተር ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ናብ ምብራቕዊ ዞባ ሱዳን ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይልታቱን ህዝቢን ኣተባቢዑ ምንባሩ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ'ውን ናብ ኣስመራ ብምኻድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ዞባዊ ጉዳያትን ተላዚቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣስመራ፡ ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ደው ኢሉ፡ እቲ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ኣብ መንጐ ሱዳናውያን ብዝግበር ልዝብን ብደገፍ ጐረባብቲ ሃገራትን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ግጭት ሱዳን ኣብ መንጐ ብጀነራል ኣልቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣልሰሪዕ ጀነራል ዳጋሎን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጸግዒ ኣል-ቡርሃን ከምዝወሰደ ዝንገረሉ መራሒ ኤርትራ፡ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኲናት ናብ "በሪ ኣማን" ከብጽሖ ሓላፍነት ከምዘለዎ'ዩ ዝኣምን።

ኤርትራ ንጉዳይ ሱዳን ንምርግጋእ ከምእትሰርሕ'ኳ እንተገለጸት፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ትህብ ከምዘላ ግን ንጹር ኣይኮነን።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ኣብ ሰነ 2025 ንኤርትራን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብምጥቃስ መጠንቀቕታ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሕመድቲ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኰይኑ ብቪድዮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ዘካይዶ መጥቃዕትታት ኣብ ሱዳን ጥራይ ከም ዘይድረት ብምግላጽ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲታት'ውን ከም ዘይንሕፎም ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ዛጊት ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተፈናቂሎም ይርከቡ።

ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎም ከምዘሎ'ውን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት የመልክቱ።