እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ን18 ግዜ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ዝጸብጸበ ጋዜጠኛ፡ መሲዶ ማራዶና?
ምስቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኤንሪኬ ማካያ ማርኬዝ ስእሊ ክልዓል ዘይደሊ ሰብ የለን።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ሊዮነል ስካሎኒ እኳ፡ ቅድሚ ምስ ጆርዳን ዝገበርዎ ጸወታ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ምስ ኣብቅዐ፡ ምስዚ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ጋዜጠኛ ስእሊ ንምልዓል ደው ኢሉ እዩ።
"ማካያ" ብዝብል ስም ዝፍለጥ እዚ ጋዜጠኛ፡ ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ ዝሰርሓሉ ናይ ሞያ ዘመኑ፡ ብተኸታታሊ ን18 ዋንጫ ዓለም ብምጽብጻብ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።
ናይ መጀመርታ ተመኵሮኡ ኣብ 1958 ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም እዩ ነይሩ። ሽዑ ፔለ ወዲ 17 ዓመት ኰይኑ ንዓለም ዝተላለየሉ ግዜ ነበረ።
ማካያ ሽዑ ወዲ 24 ዓመት ኰይኑ ናብ ሽወደን ምስ ተላእከ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ስራሓቱ ኣብ መንጎ ብራዚልን ኦስትርያን ዝተገብረ ጸወታ ምንባሩ ይዝክር።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣብ ኣእምሮኡ ተቐሪጹ ዝተረፈ፡ ኣርጀንቲና ብቸኮስሎቫክያ 6 ብ 1 ዝተሳዕረትሉ እዩ።
"ከም ዓቢ ውርደት እዩ ኣብ ዝኽረይ ተቐሪጹ ዘሎ፡" ይብል ማካያ፤ "ብዛዕባ ቸኮስሎቫክያ ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ኣይነበረናን፡ ተገሪምና ጥራይ ኢና ተሪፍና፡" ክብል ተዘክሮኡ የካፍል።
ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት፡ ማካያ ኩዕሶ እግሪ ብመሰረቱ ክቕየር ከሎ ተዓዚቡ እዩ።
ብዛዕባ ፔለ፡ ማራዶና፡ ሜሲን ካልኦት ብዙሓትን ተጻወትቲ ጸብጻብ ኣቕሪቡ እዩ።
ተለቪዥን ናብ ድጂታል ተቐይሩ፣ ስታቲስቲክስ ብቕጽበት ክረክብ ጀሚሩ፣ ዋንጫ ዓለም ድማ ዓለምለኻዊ ትርኢት ኰይኑ።
እንተዀነ ማካያ፡ ዛጊት ሓደ ነገር ኣይቀየረን - ብታህዋኽ ውሳነ ዘይምሃብ።
እዚ ፍልስፍናኡ፡ ኣብ 2018 ስካሎኒ ኣሰልጣኒ ኣርጀንቲና ኰይኑ ክምዘዝ ከሎ'ውን ተንጸባሪቑ እዩ።
ኣብ ራድዮ ዲኤስ ስፖርትስ ተንታኒ ዝዀነ ማካያ፡ "ሽዑ ዓቢ ትጽቢት ኣይነበረንን፣ ምኽንያቱ፡ ንዕኡ ይፈልጦ ኣይነበርኩን፡" ይብል።
ስካሎኒ ግን ንኣርጀንቲና ናብ ዓወት ኮፓ ኣመሪካ፡ ፊናሊሲማን ዋንጫ ዓለምን መሪሑዋ እዩ።
ሜሲ ወይስ ማራዶና?
ኣርጀንቲና ዳግማይ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሓ ኣላ፤ ሎሚ ረቡዕ ምስታ ናይ ነዊሕ ግዜ መናሓንሕታ ዝዀነት ዓዲ እንግሊዝ ክትገጥም ድማ ትዳሎ ኣላ።
ማካያ፡ ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ 2022 ዘመዝገበቶ ዓወት ክትደግሞ ኵሉ ዕድላት ከም ዘለዋ ይኣምን።
ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብሉጽ ተጻዋታይ ታሪኽ መን እዩ? ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ማካያ ንጹር መልሲ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።
"እቲ ሕቶ ፍሽኽ ዘብል እዩ። ንተጻወትቲ ብታሪኽ ክትመዝኖም ኣይከኣልን እዩ፡" ይብል።
"ግዜ ተቐይሩ እዩ፡ ተኸላኸልቲ ተቐይሮም፡ ኵሉ ተጻዋታይ ድማ ፍሉይ እዩ። ዝፈትዎ ተጻዋታይ ክገልጽ እኽእል እየ፡ እዚ ግን እቲ ተጻዋታይ ኣብ ታሪኽ ብሉጽ እዩ ማለት ኣይኰነን፡" ክብል የረድእ።
ሜሲን ማራዶናን ንምውድዳር "ከቢድ" ምዃኑ ዝገልጽ ማካያ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ናይ ባዕሎም ግዜን ኵነታትን ዝተፈላለየ ብድሆታት ከም ዝነበሮም ይዛረብ።
ድሕሪ ናይ 70 ዓመት ሞያዊ ጕዕዞ፡ ጡረታ ዝወጽኣሉ ግዜ ዝቐረበ ይመስል።
"ኣብ ዝዀነ ግዜ ጡረታ ክወጽእ እየ" እናበለ ይስሕቕ።
"ሕጂ ጡረታ እወጽእ ኣለኹ... ስለዚ እዚ መስመር ዓጽየ ንኻልእ ግዜ ክሓድጎ እየ፡" ብምባል ብዋዛ ይዛዝም።