ቅዋም ሃገር ዝቐየረ ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ብዓብላሊ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ቀዳማይ ወግዓዊ ውጽኢት ከም ዘርእዮ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብ97.8% ድምጺ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ነታ ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ እትርከብ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሻድሻይ ግዜኡ ክመርሕ ስልጣን ረኺቡ ኣሎ።
እቲ እንኮ መወዳድርቱ ኰይኑ ዝቐረበ መሓመድ ፋራሕ ሳማታር 2.19% ድምጺ ጥራይ ረኺቡ። እቲ ምርጫ ብመብዛሕትኦም ተቓወምቲ ኣቐዲሙ ተነጺጉ እዩ።
ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገለ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ቃል ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ክሳዕ 75 ዓመት ንዝብል ዝነበረ ቅዋም ኣብ ሕዳር ብምቕያር፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ንምርጫ ቀሪቡ።
እቲ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ጐስጓሱ፡ ከባቢ ሃገሩን ማእከላይ ምብራቕን ብግጭት ተሓሚስሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንጅቡቲ ርግኣት ከም ዘውሕሰላ ተመባጺዑ።
ኣብ መስመር ባብ ኤል-መንደብ እትርከብ ጅቡቲ፡ ንመስመር ስወጽ ከም ኣፍደገ ኰይና ተገልግል፤ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ጃፓንን ድማ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።
ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ክልተ ፕረዚደንታት ጥራሕ እያ ርእያ።
ገለ ነቲ ካብ 1977 ክሳዕ 1999 ዝመርሐ ቀረባ ዘመዱ ሓሰን ገለድ ኦፕቲዶን ተኪኡ እዩ ኣብ ግንቦት 1999 ናብ ስልጣን መጺኡ።
ከም ዳሂር ኣሕመድ ፋራሕ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዓበይቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብታ ሃገር ናጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ የሎን ብምባል ካብ 2016 ኣትሒዞም ኣብ ምርጫታት ካብ ምስታፍ ክነጽጉ ጸኒሖም።
ኣብ ቤቱ ኰይኑ ንዓወቱ ዝጸንበለ ገለ፡ "እቲ ዝተረኽበ ዓወት ናይ መላእ ሃገር እዩ፡" ኢሉ።
ሰበስልጣን ናይታ ሃገር፡ ልዕሊ 80% ዝተመዝገቡ መረጽቲ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ምርጫ ድምጾም ከም ዝሃቡ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ባይቶ ሓንቲ መንበር እኳ ዘይብላ ሰልፊ ዝመጽአ ሳማታር፡ ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።
እቲ ውጽኢት ብምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ገለ ንተወሳኺ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘመን ስልጣን ቃለ-ማሕላ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ብዳኛታት ቤትምኽሪ ቅዋም ክረጋገጽ ኣለዎ።
ነቲ ናይ 2021 ምርጫ እውን ብተመሳሳሊ መጠን ድምጺ እዩ ተዓዊትሉ ነይሩ።
ኣብ 2010፡ ባይቶ ጅቡቲ ገደብ ዘመን ስልጣን ፕረዚደንት ከም ዝተርፍ ብምግባር፡ ዘመን ስልጣን ካብ ሽዱሽተ ናብ ሓሙሽተ ዓመት ከሕጽሮ ከሎ፡ ንዕድመ ተወዳደርቲ ድማ ክሳዕ 75 ዓመት ገዲብዎ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ገለ ናብ ምርጫ ምእንቲ ክቐርብ ኣብ ሕዳር ናይ ቅዋም ለውጢ ገይሩ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


