ፈጺሙ ቃንዛ ዘይስምዖም ሰባት፡ መርገም'ዶ በረኸት?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ስቲቨን ፒትን ሓዉን፡ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ኣመሪካ እዮም ተወሊዶም፤ ኣብኡ እውን ዓብዮም።

ኵሉ ህዋሳዊ ርድኢታቶም ንቡር እዩ - ግን ፈጺሙ ቃንዛ ኣይስምዖምን።

ስቲቨን ፒት ከምዝብሎ፡ ንመጀመርያ ግዜ ወለዱ ዝዀነ ጌጋ ከምዘሎ ክፈልጡ እንከለዉ ወዲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ወርሒ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ፒት ብኣስናኑ መልሓሱ ክነክስ ጀሚሩ። ወለዱ፡ ናብ ሓኪም ህጻናት ወሲዶም ተኸታታሊ መርመራታት ክግብረሉ ገይሮም።

ኣብ መጀመርታ ኣብ እግሩ መወልዒ ሽጋራ ገይሮም ቆርበቱ ተንኪፎምዎ፤ ዝዀነ ግብረ መልሲ ኣይሃበን።

ዝተፈላለየ መራፍእ ወጊኦምዎ። ሽዑ እውን እንተዀነ፡ ግብረ መልሲ ኣይሃበን፤ ወይ ዝተሰምዖ ነገር ኣይነበረን።

ብድሕሪኡ'ዩ ሳሕቲ ዝርአ ዓሌታዊ [ጀነቲካዊ] ኵነታት ከምዘሎ ኣብ መደምደምታ በጺሖም።

ዶክተር ኢንጎ ኩርት፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ኣቸን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ጀነቲክስ ደቂ ሰባት፡ ካብ ስቴፋን ቤትዝ ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ቅምሶ ደም ወሲዳ።

ስቴፋን ቤትዝ እውን፡ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ውሑዳት ኣማኢት ሰባት ጥራይ ዘጋጥም ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ክስተት ኣለዎ።

ንሱ፡ ብተፈጥሮኡ ቃንዛ ኣይስምዖን።

እዚ ኵነታት ኮንጀኒታል ኢንሰንሲቲቪቲ ቱ ፔይን ወይ ሲኣይፒ ብዝብል ስም ይፍለጥ።

ቤትዝ፡ ኣብ ኢዱ ዝፈልሐ ማይ እንተዝፈስስ፡ ዝስምዖ ቃንዛ የለን።

ኰይኑ ድማ ብዘይ መደንዘዚ መጥባሕቲ ክገብር ይኽእል ማለት እዩ፣ ዝኾነ ዓይነት ቃንዛ ክስምዖ ኣይክእልን።

ብኻልእ ኩሉ መገዲ ህዋሳዊ ርድኢታቱ ንቡር እዩ። ሓደ ክፍሊ ኣዝዩ ውዑይ ምስ ዝኸውን ይርህጽ፣ ቁሪ ክኸውን እንከሎ ይንቀጥቀጥ።

እዚ፡ ሰባት ቃንዛ ከይስምዖም ዝገብር ኵነታት፡ 'በረኸት እዩ' ኢሎም ዝሓስቡ ሒደት ኣይኰኑን።

ቤትዝ ግን ኩነታቱ በረኸት ዘይኮነስ መርገም ከምዝዀነ እዩ ዝስምዖ።

"ሰባት ቃንዛ ዘይምስማዕ፡ ዳርጋ ልዕሊ ሰብ ዝገብር ንምእማኑ ዘጸግም ነገር ምዃኑን ይሓስቡ" ይብል ቤትዝ።

"ሲኣይፒ ንዘለዎም ሰባት ግን ልክዕ ብኣንጻሩ'ዩ። ቃንዛ እንታይ ማለት ምዃኑን እንተንፈልጥ ደስ ምበለና። ብዘይ ንሱ ህይወት ብብድሆታት ዝተመልአት'ያ።"

ኣብ ንእስነት ዕድመ፡ ወለዱ ኣብ መጀመርታ ልኡም ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ከምዘለዎ እዮም ኣሚኖም።

ወለዱ ይኹን ኣሕዋቱ ከምዚ ዝበለ ኵነታት የብሎምን።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ፡ ጫፍ መልሓሱ ነኺሱ፡ ዝዀነ ርኡይ ቃንዛ ከምዘይተሰምዖ ተረዲኦም፡

ካልአ ግዜ ድማ፡ መደያይቦ ዘሊሉ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ የማናይ እግሩ ዝዀነ ጥርሙዝ ተሰባበረ; ዝተሰመዖ ነገር ኣይነበረን።

ኣብ መወዳእታ ሲኣይፒ ከምዘለዎ ብመርመራ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከም ዝብሉዎ፡ እዚ ኵነታት ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።

እዚ ኵናተት ዘለዎም ሰባት፡ ከም ህጻናት ወይ መንእሰያት ኣባጽሕ ርእሰ-መጉዳእቲ ባህርያት የርእዩ እዮም።

ሲኣይፒ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1932 ብጆርጅ ዲርቦርን ዝተባህለ ሓኪም ኒውዮርክ እዩ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ኵነታት ድሩት መረዳእታታት ዝለዝነበሮም፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃብዎን።

ምዕባለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሲኣይፒ ዘለዎም ሰባት ንምርካብ ቀሊል ገይርዎ።

ስለዝዀነ ድማ ሳይንቲስት ነዚ ሳሕቲ ዝረአ ጸገም ንምጽናዕን ብዛዕባ ቃንዛ ንባዕሉ ሓድሽ ርድኢት ክህብ ከም ዝኽእልን ክርድኡ ገይርዎም።

ብተወሳኺ፡ ነቶም ብዙሓት ብሕዱር ሕ ማም፡ ዝሳቐዩ ሰባት ብኸመይ ቃንዝኦም ደው ከምዘብሉ ክግንዘቡ ጀሚሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንቃንዛ ዝፍውሱ ብዙሓት ዓይነታት መድሓኒት ናብ ዕዳጋ ቐሪቦም ኣለዉ።

ቃንዛ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ቃንዛ ብዙሕ ክነግረና ዝኽእል ነገር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሉጽ ናይ መጠንቀቕታ ስርዓት'ዩ።

ብዘይ ቃንዛ ግን ንገዛእ ርእስና ካብ ብዙሓት ሓደጋታት ንምዕቃብ ከቢድ እዩ።

እንተዘይተዓቂብና ድማ እቲ መጉዳእቲ ኣዝዩ ዝገደደ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ቃንዛ ዝዀነ ሓደጋ ንክንከላኸል ዝድርኸና ነገር እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ቃንዛ ዘስዓበልና ነገር ንሕሰብ፤ ነቲ ነገር ብኸመይ ከም እነወግዶ ዝነግረና፡ ብዛዕባ'ቲ ቃንዛ ዘለና ሕሉፍ ተሞክሮ እዩ።

እንተዘይኰይኑ ግን ክነወግዶ ኣይንኽእልን፤ ዝገደደ ሓደጋ ድማ ከጋጥመና ይኽእል።