30 ዓመት ዝተሓብአ ምስጢር፡ ቱፓክ መን ቀተሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓለቓ ዕስለ ዝነበረ ዱዌን "ኬፍ ዲ"- ደቪስ፡ ንቅትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ብምውዳድ፡ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ።
እዚ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ከይተፈትሐ ኣብ ዝፀንሐን ኣቓልቦ ኣድነቕቲ ሂፕ ሆፕ ዝሰሓበን መዝገብ ክሲ፡ ንፈለማ እዋን ዝተዋህበ ፍርዲ እዩ።
ዳያኑ፡ ደቪስ ቀታሊ ብረት ብምጥቃም ብሓደ ቅትለት ክሲ ገበነኛ ኰይኑ ረኺቦምዎ። ቱፓክ 7 መስከረም 1996 ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ መኪናኡ እንከሎ ብዝተተኮሶ ጥይት'ዩ ተቐቲሉ።
ብይን ቤት ፍርዲ ላስ ቬጋስ ቅድሚ ምንባቡ፡ ወዲ 63 ዓመት ደቪስ፡ ፀሊም ሱፍ ተኸዲኑ ኣብ መጋባእያ ዝዀነ ስምዒት ከየርኣየ ደው ኢሉ ነይሩ።
ብይን ምስ ተነበበ ድማ ይግባይ ከም ዝብል ተዛሪቡ።
ኣዝማድ ሻኩር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፣ ገሊኦም ድማ ተሓቛቚፎም ይበኽዩ ነይሮም።
ሓደ ካብቶም ኣብ ሙዚቃ ራፕ ኣዝዮም ፀለውቲ ዝዀነን ኣብ ጫፍ ዓወት ዝነበረን ቱፓክ ሻኩር ክቕተል እንከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት'ዩ ነይሩ። ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 75 ሚልዮን ቅዳሕ ሸይጡ'ዩ።
ዓቀብቲ ሕጊ፡ ደቪስ፡ ሓለቓ ናይቲ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ደቡባዊ ኮምፕተን ዝርከብ ዕሉል ጕጅለ 'ክሪፕስ' እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ንቱፓክ ዝቐተለ ጥይት ግን፡ ባዕሉ ከም ዘይተኰሶ፡ እቲ ሽጉጥ ንወዲ ሓዉ ኦርላንዶ ኣንደርሰን ብምሃብ ተዅሲ ክኸፍት ከም ዝኣዘዞ ተኻቲዖም።
ዓቀብቲ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ከም ዝገለፅዎ፡ ኣንደርሰን ምስ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝነበረ ጕጅለ ቱፓክ ሻኩር ዝነበሮም ባእሲ ስዒቡ፡ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት፡ ደቪስ፡ ሕነ ንምፍዳይ ነቲ ተዅሲ ኣዋዲድዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ን30 ዓመታት፡ እዚ መዝገብ ክሲ ኣብ ኣመሪካ ካብ መንጎ እቶም ስሙያት ግን ድማ ፍታሕ ዘይረኸቡ ጉዳያት ኰይኑ ፀኒሑ።
ብዙሓት ክልሰሓሳብ ውዲታት እውን ደሪኹ እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ በዚ ቅትለት ገበነኛ ተባሂሉ ዝተፈረደ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን።
ቅትለት ሻኩር፡ ኣብ መንጎ ራፐራት 'ኢስት ኮስት' ን 'ዌስት ኮስት'ን (ምብራቓውን ምዕራባውን ገማግም) ሓያል ንሕንሕ ኣብ ዝነበረሉ፡ ከምኡ'ውን ምስቶም ኣብቲ እዋን ምስ ሂፕ ሆፕ ነዊሕ ዝፀንሐ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮም ኣብ መንጎ ጕጅለታት 'ብለድስን ክሪፕስን' ጎንፂ ይረኣየሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተፈፂሙ።
ስድራ ቱፓክ ሻኩር፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ከቢድ ስምዒት ነይሮም።
ዳያኑ ነቲ ብይን ዕላዊ ምስ ገበሩ፡ ንቱፓክ ሓፍቱ ንሓደ ካብቶም ዓቀብቲ ሕጊ ሓቝፋቶ፣ ካልኦት ኣባላት ስድራ ድማ፡ ኰፍ ኢሎም ይበኽዩ ነይሮም።
ካብቲ መጋባእያ ወፃኢ ኣብ ደገ ዝነበሩ እሙናት ኣድነቕቲ ሻኩር ድማ፡ ክበኽዩን ነቲ ብይን ክፅንብልዎን ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, STEVE MARCUS / POOL / AFP via Getty Images
ቀንዲ መርትዖ ናይዚ መዝገብ ክሲ፡ ደቪስ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ። ዴቪስ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ንቱፓክ ዝቐተለ ኣድራጋ ጠያይት ዝተተኰሰላ ፃዕዳ ካዲላክ መኪና ከም ዝነበረ፡ ብተደጋጋሚን ብወግዒን ተኣሚኑ ነይሩ።
ደቪስ፡ ምስ ሞት እቲ ኖተሪየስ ቢ.ኣይ.ጂ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ስሙይ ራፐር ክሪስቶፈር ዋለስ ብዝዛመድ፡ ኣብ 2008 ብፖሊስ ብምሽጥር ኣብ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ሞት ቱፓክ ብዛዕባ ዝነበሮ ግደ ንሰብመዚ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ 2019 ኣብ ዘሕተሞ መፅሓፍ ህይወት ታሪኹ 'ኮምፕተን ስትሪት ለጀንድ' ድማ፡ ኣብ ሞት ሻኩር ዝምልከት ዝነበሮ ግደ ብዕምቈት ኣብሪሁ።
ቅድሚ ሕጂ ደቪስ ብገበን ንኸይክሰስ ከለላ ዝረኽበሉ ስምምዕ ምስ ሰብመዚ ተሰማሚዑ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ደሓር ዝፀሓፎ መፅሓፉን መራኸቢ ብዙሃን ዝሃቦም ቃለ-መሕትታትን ግን፡ እቲ ዝተውሃቦ ከለላ ተቐባልነት ንኸይህልዎ ደሪኾም።
በዚ ድማ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ደቪስ ኣቐዲሙ ንፖሊስ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ኣንፃሩ ከም መርትዖ ምጥቃም ከም ዝከኣል ወሲኑ።
ዳያኑ ናይ መወዳእታ ብይን ቅድሚ ምሕላፎም ኣብ ዝነበረ ክትዕ፡ ዓቃቢ ሕጊ ቢኑ ፓላል ዳያኑ ባዕሉ ዝተዛረቦ ቃል ብምእማን ገበነኛ ከም ዝኾነ ከረጋግፁ ሓቲቱ።
ዓቃቢ ሕጊ ፓላል፡ ደቪስ ንዓመታት ኣብ ሰነዳዊ ምድላዋት፡ ኣብ መፅሓፉ፡ ፖድካስታትን ምስ ፖሊስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትትን "ኣብ ቅትለት ቱፓክ ሻኩር ሓላፍነት ከም ዘለዎ (ከም ዝተሳተፈ)" ንሰባት ክዛረብ ፀኒሑ'ዩ ብምባል ተኻቲዑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፓላል፡ "ኣገደስቲ ውሳነታት ዝውስንን ትእዛዛት ዝህብን ንሱ'ዩ ነይሩ፤ ኣብ ነፍስወከፍ ኵነታትን ታሪኹ ዝተዛረበሉን እዋን መራሒ ደቡባዊ ክሪፕስ እዩ" ብምባል ንዳያኑ ተዛሪቡ።
"እቲ ተዅሲ ኣብ ዝተፈጸመሉ፡ ነዚ ውሳነ ዝህብ ሰብ ኣብ ቀዳማይ መንበር መኪና እንድሕር ደኣ ተቐሚጡ ነይሩ፡ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።"
ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ ጠበቓታት ደቪስ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝበሎ ንርእሱ ፅኑዕን ኣገዳስን ሰብ ገይሩ ንምርኣይ፣ መፅሓፉ ንምሻጥን ገንዘብ ንምርካብን ዝበሎ ድርሰት እዩ ብምባል፡ ንዳያኑ ከእምኑ ፈቲኖም።
ኣብ መዕፀዊ ክትዓት ጠበቓኡ ሚካኤል ሳንፍት፡ ዳያኑ፡ ዓሚሉ ደቪስ መፅሓፍቲ ንምሻጥ ዝዛረብ ሓሳዊ ከም ዝዀነ ብምቝፃር፡ ነቲ ዝበሎ ከይኣምንዎ ፀዊዑ።
ሚካኤል ንዳያኑ፡ "መርትዖታት የለን" ክብል ተዛሪቡ።
ብሰኑይ ነዚ መዝገብ ክሲ ዝተዓዘቡ ዳያኑ ግን፡ ደቪስ ገበነኛ ከም ዝዀነ በዪኖም።
ሰባት ካብቲ መጋባእያ ቅድሚ ምውፅኦም ዳኛ ክላርክ ካውንቲ ዲስትሪክት ዝዀነት ካርሊ ኪርኒ፡ ደቪስ 13 ጥቅምቲ ውሳነ መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦ ኣፍሊጣ።
እታ ዳኛ፡ ኣብዚ መዝገብ ክሲ ዝህልዉ ሕጋዊ መስርሓት ኣብ እተንብበሉ እዋን፡ ደቪስ ኢዱ ብምልዓል ከቋርፃ ዝፈተነ መሲሉ ተራእዩ።
"ንብረታተይ ክምለሱለይ እደሊ" ብምባል ተሌፎኑ ሓዊሱ ገለ ንብረታቱ ክምለሰሉ ከም ዝደሊ ነታ ዳኛ ተዛሪቡ።
ደቪስ ቀፂሉ፡ "ኣብዚ ጉዳይ ይግባይ ክብል እደሊ እየ፡" ድማ ኢሉ።
እታ ዳኛ ብወገና፡ እዚ መስርሕ ይግባይ ድሕሪ ውሳነ ፍርዲ መቕጻዕቲ ከም ዝካየድ ገሊፃትሉ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


