ዋጋ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ወርቂ ኣብ ገዛኡ ዝተረኽበ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ

ወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መርመርቲ ኤፍ-ቢ-ኣይ፡ ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ሓደ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነበር፡ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ወርቂ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትየሞ።

ዴቪድ ራሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ "ስራሕ ምስ ዝተኣሳሰሩ ወጻኢታት" ንምድጋፍ ብዝብል ነቲ ወርቂ ክወሃቦ ንመንግስቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ክሓትት ከም ዝጸንሐ ሰነዳት ቤትፍርዲ የረድኡ።

ኣብ ሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝቐረበሉ ክሲ ድማ ህዝባዊ ገንዘብ ብገበናዊ መንገዲ ምስራቕ ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ።

ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ከም ዝሓበረቶ፡ ራሽ ክሳዕ ቀረባ እዋን ኣብ ማእከላይ ትካል ስለያ (CIA) ላዕለዋይ ስልጣን ነይሩዎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ክሳዕ መጋባኣያ ዝካየድ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ እዩ። ጠበቓኡ ግን ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።

ኤፍ-ቢ-ኣይ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ራሽ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ኣመሪካ ጥረ-ገንዘብን ክቡር ዝዋግአን 35 ናይ ኢድ ሰዓታትን ረኺቦም ኣለዉ፤ ኣብዝሓ እተን ሰዓታት ድማ ሮሌክስ እየን።

ብመሰረት ሰነዳት ቤትፍርዲ፡ ናብቶም ምስጢራት ዝበሃሉን ማንም ዘይርእዮምን ሓበሬታት ናይ ምእታው ፍቓድ ዝነበሮ ራሽ፡ ናብቲ ስራሕ መንግስቲ ከመልክት ከሎ ብዛዕባ ትምህርቱን ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱን ሓሶት ብምዝራቡ'ውን ተኸሲሱ ኣሎ።

ኣሽሓት ዶላራት እናተኸፍሎ ዕረፍቲ ብምውሳዱ'ውን ተኸሲሱ ይርከብ።

ኤፍ-ቢኣ-ይ ብዛዕባ ራሽ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ፡ ካብ ሲኣይኤ መወከሲ ሓበሬታ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ነቲ ውልቀ-ሰብ ብ19 ግንቦት ከም ዝኣሰሮ ሓቢሩ።

ትካል ኤፍ-ቢ-ኣይ ኣብ መግለጺኡ፡ "ሲኣይኤ ኣብ ዘካየዶ ውሽጣዊ መርመራ ተኽእሎ ምግሃስ ሕጊ ከም ዘሎ ምስ ገምገመ፡ ሓላፊ ሲኣይኤ ጆን ራትክሊፍ ነቲ ሓበሬታ ንሕጋዊ መርመራ ናብ ኤፍቢኣይ ኣምሪሑዎ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ሕዳር 2025ን መጋቢት 2026ን፡ ራሽ "ምስ ስራሕ ንዝተኣሳሰሩ ወጻኢታት ንምሽፋን" ብዙሕ ናይ ወጻኢ ሃገራት ጥረ-ገንዘብን ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ወርቅን ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ክወሃቦ ብተደጋጋሚ ከም ዝሓተተን ጸኒሑ ድማ ከም ዝተቐበሎን ሰነዳት ቤትፍርዲ ይሕብሩ።

ሲኣይኤ ዳግማይ ገምጋም ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ "ነቲ ወርቂ ኰነ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገራት ጥረ-ገንዘብን ኣበይ ከም ዘሎ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡" ክብኩ ሰነዳት ቤትፍርዲ የረድኡ።

መንግስቲ'ውን ራሽ ንስራሕ ተባሂሉ ብዛዕባ ዝተቐበሎ ጥረ-ገንዘብ ይኵን ወርቂ ብኸመይ ከም ዝተጠቐመሉ ወይ ኣበይ ከም ዘቐመጦ ንትካሉ ዝሃቦ ዝዀነ ይዅን ናይ ጽሑፍ መዝገብ ክረክብ ኣይከኣለን።

በዚ ብምኽንያት ድማ ኤፍ-ቢ-ኣይ ብ18 ግንቦት ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ራሽ ናይ ፍተሻ ፍቓድ ረኺቡ ፈተሻ ኣካይዱ።

ኣብቲ ፍተሻ፡ ወኪል ኤፍቢኣይ ኣብ ናይ ቤትፍርዲ ሰነዳት ከም ዝገለጾ፡ ነፍሲወከፎም ኣስታት ሓደ ኪሎግራም ዝምዝኑ 303 ኣዋርቕ ተታሒዞም ኣለዉ።

ሰነዳት ቤትፍርዲ ግን ራሽ ነቲ ወርቅን ጥረ-ገንዘብን ስለምንታይ ኣብ ቤቱ ከም ዘቐመጦ ዝሕብር መብርሂ የብሉን።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ንሲኣይኤ ተወኪሱ ኣሎ።